@crazy_girl386:

kasak jangid
kasak jangid
Open In TikTok:
Region: IN
Sunday 28 June 2020 09:12:11 GMT
520
68
3
2

Music

Download

Comments

123abhisheksuthar
abhishek suthar :
nice yarr
2020-06-28 11:22:48
1
asalamkhan301
Aslm Aslam Khan :
nice
2020-06-28 19:02:46
0
shivchoudhary68
Shiv Choudhary :
oo wow
2020-06-29 03:54:55
0
To see more videos from user @crazy_girl386, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


"ኣጽዋርኩምን ሰብኩምን ኣይትግደፉ ሰውራ ክቕጽል'ዩ"። ሓደ ካብቶም ንሰውራ ኤርትራ ንኽህሉን ንኽቕጽልን ክዕወትን ዓቢ እጃም ዝገበረ ሓርበኛ ዑመር እዛዝ ምስ ሓርበኛ እድሪስ ዓዋተ ብኣካል ዝተራኸበ ናይ 60ታት ተጋዳላይ'ዩ። ሓርበኛ ዑመር እዛዝ፥ ካብ 50ታት ጀሚሩ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ ዉህሉል ወታሃደራዉን ፖሎቲካዉን ፍልጠት ዝቐሰመ ኮይኑ፥ ኣብ 60ታት ናብ ሰውራ ኤርትራ ተጸንቢሩ ኣንጻር መግዛእቲ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ዝገጠመ ሓርበኛ። እቲ ብትብዓቱን ድፍረትን ዝልለ ጅግና፥ ድሕሪ መስዋእቲ ዓዋተ፥ ሓላፍነት ሰውራ ወሲዱ ኣብ ቅድሚት ተሰሊፉ ሃገራዉን ሰውራዉን ስራሓት ክፍጽም ተራኣየ። ዑመር እዛዝ ኣብ 1963-4 ዝነበረ እዋናት ናብ ዉሽጢ ከተማታት እንዳ ኣተወ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ በርቃዊ መጥቃዕትታት እንዳ ፈጸመ ሰውራ ኤርትራ ካብ ጸላእቲ ብርክት ዝበለ ዘመናዊ ኣጽዋራት ንኽዓጥቅ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ'ዩ ሓርበኛ ዑመር እዛዝ። እዚ ኣዝዩ ተባዕን ቆራጽን ዝነበረ መራሒ፥ ከተማ ሓልሓል ዘፍረየቶ ዜጋ ኮይኑ፥ ኣብ ምሉእ ኣውራጃ ሰንሒት እንዳ ተንቃሳቐሰ ሰባት ክዉድብን ተባዕት ፈዳይንን ሓፋሽ ዉድባት ክፈጥርን ክኢሉ'ዩ። ዑመር እዛዝ ኣብ 1965 ማለት ሰውራ ብኽፍልታት ደረጃ ኣብ 4 ምስተመቐለ፥ ቐጠታ መራሒ ናይ 2ይቲ ክፍሊ ኮይኑ'ዩ ተመዚዙ። ብኸምኡ ካኣ ነታ ክፍሊ እንዳ መረሐ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ዘየዳግም መቕጻዕትታን መጥቃዕትታትን እንዳ ፈጸመ ሰውራ ኣብ ምቕጻል ዓቢ ኣበርክቶ ገበረ። ዑመር እዛዝ ነቶም ኣብ1967 ምስ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ወጊኖም ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ከቢድ በደል ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኮማንዲስ ደዊ ሃገር ዝተፋላለየ መልእኽትታት እንዳ ሰደ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ጌጋ ሙኻኑን እቲ ሽዑ ዝሕብሕቦም ዝነበረ ስርዓት ሓደ ማዓልቲ ክጠልሞም ሙኻኑን መልእኽትታትን መጠንቀቕታን ይልእኽ ምንባሩ'ዉን ይሕበር። መራሒ ዑመር እዛዝ፥ ኣብ 1968 ነታ ኣዝያ ኣፈዳሲት ዝኾነት ከተማ ሓልሓል ካብ ጸላኢ ሓራ ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ኣንቀለ'ሞ፥ ከም ዉጽኢቱ ካኣ፥ ብ9 ናሓሰ 1968 ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሓልሓል ዝነበረ ጸላኢ ንምጥቃዕ ናብ ግንባር ሓልሓል ወፈረ፥ እንተ ኾነ ግን ሓደ ቤተሰቡ ነቲ ምስጢር ናብ ጸላኢ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፥ ጸላኢ ዝኣክል ምዱላዋት ጌሩ ብምጽባሕ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናብ ሓልሓል ዝወፈረ ሰራዊት ሰውራ ዓቢ ክሳራ ከውርድ ካኣለ። ብኡ መሰረት ካኣ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ብኡ ንብኡ ፈሸለ'ሞ ኣብ ልዕሊ ሰውራዉያን ተጋደልቲ ከቢድ ዝኾነ ሰብኣውን ንዋታዉን ክሳራታት ኣኸተለ። እቲ ባዓል ነዊሕ ራኢ ዝኾነ ተባዕን ጅግናን መራሒ ዑመር እዛዝ'ዉን ኣብቲ ኩናት ተሰወኤ። ኩናት ሓልሓል ሽሕ'ካ ኣብ ልዕሊ ሰውራዉያን ከቢ ክሳራታት ኣኸቲሉ ይሕለፍ፥ ሰውራ ኤርትራ ነቲ መድረኽ'ቲ ሰጊሩ እግሩ ደልዲሉ ንኽቕጽልን ጽንዓት ተጋደልቲ ዘመስከረን ህሚት'ዩ ኔሩ ክባሃል ይካኣል። ዑመር እዛዝ ተወጊኡ ካብቲ ቦታ ክወጽእ እንከሎ፥ ኣጽዋርኩም ኣይትግደፉ ሰውራ ኵጽል'ዩ እንዳ በለ ከምዝተሰወኤ ታሪኹ ይሕብር ከምቲ ዝበሎ ካኣ ሰውራ ቀጺሉስ ሃገር ፈጢሩ። ክብርን ሞጎስን ነቶም ካብ. ኣዶ ተበጊሶም ብጽንዓቶምን ትብዓቶምን ሰውራዊ መድረኽ ፈጢሮም ንህዝቢ ኤርትራ ኣሰሊፎም ኣምር ቃልስን ሰውራን ምሂሮም ዝሓለፉ ናይ 60ታት ጀጋኑ ዜጋታት።

About