@user74521325915474: #እንኳዕ ን"#ኣብርሃ ወ #ኣፅበሃ " ነገስት ኣክሱም ዓመታዊ ክብረ በዓል ብሰላም አብጸሐኩም አብጸሐና። #ቅዱሳን #አብርሃ #ወአጽብሃ እዞም ነገሥታት ሞገሳትናን ብርሃናትናን እዮም እሞ ደስ እናበለና ንፈትዎምን፤ነክብሮምን። ሥላሴ ምስመረጽዎም ሎሚ ንዘለናሉ ሕይወት መሠረት ገዲፎም ሓሊፎም እዬም። ክልቲኦም ቅዱሳን ነገሥታት መንትያ እንትኮኑ ወለዶም #ንጉሥ ታዜር /አይዛና/ሠይፈ አርዕድ ን #ንግሥት አሕየዋ /ሶፍያ/ ይባሃሉ። ንጉሡና ባዕልቲ ገዝኡ ዉሉድ እንትስእኑ ናብ እግዚአብሔር ለመኑ። ፈጣሪም ብቅዱስ ሚካኤል አብሳሪነት ክልተዕንቁታት አረከቦም። ንግሥት አሕየዋ (ሶፍያም) መጋቢት ፳፱ ማዕልቲ በ፫፻፲፩ ዓ/ም ጠኒሳ ታኅሣሥ ፳፱ቀን በ፫፻፲፪ ዓ/ም ክልቲኦም ቅዱሳን ወለደት። "አምላክ ሽሙጥን አርሓቀላይ።" ኢላም "አዝጓጉ" በለቶም። እዞም ክልተ ፍረታት ብቆልዑነቶም ካብ ወቅቱሊቀ ካህናት እንበረም ኦሪቱን ጠንቂቆም ተምሃሩ። ካብ እግዚአብሔር ዝተውሃቡ እዬም እና ብ፲፪ ዓመቶም ናብ ቤተ መቅደስ አተው። ንእሽተይ ጸኒሖም ግን አቦኦም ታዜር ብምዕራፉ ሕዝቢ ክልቲአኩም ቅዱሳን "ንገሡልና?"በሎም። ንሳቶም ውን "ንሕና ናይ ፈጣሪ አገልገልቲ ኢና እና አይንክእልን።" ብማለቶም ንዝተወሰነ ጊዜ አዲኦም አመሐደረት ጸኒሑ ግን ቅዱስ ሚካኤል ንሊቀ ካህናቱ እንበረም "ናይ ፈጣሪ ፈቃዱ ስለ ዝኮነ አይትዘኑ። ክልቲአኩም ብሓደ ዙፋን ንገሡ፤ ዓብይ ጸጋ ንሃገሪቱ ክከውን ዩ በሎም።" በሎ። ሊቀ ካህናቱም ዝተአዘዞ ተናጊሩ ብ19 ዓመቶም ክልቲኦም አብ ሓደ ዙፋን "#ነገሥተ ኢትዮጵያ" ኢሉ አቀሚጡ ቀብኦም። ስማቶም "ኢዛና" እና"ሳይዛና" በሎም። ቅዱሳኑ ምስ ነገሡ ቀዳሚሥራሖም ዝቀንዐት #ሃይማኖት ምድላይ ኮነ። በወቅቱ ፍሬምናጦስ (ዳሕራይ አቡነ ሰላማ) ብቤተ መንግሥቱ ውሽጢ ናይ ቅርቢ አማካሪ ነበረና ጸዊዖም ተጻወቱ "አንታ ሓውና! ክርስቶስ ክወርድ ዩ፣ክውለድ ዩ ተባሂሉ ዝተቆጸረ ሱባኤ እኮ ሓለፈ። እንታይ ዳአ ተሪፉ? ብር ግጽ ምሥጢሩን ንገረና?" በልዎ። ንሱም አስፊሑ፣ አመሥጢሩ ቅድሚ 300 ዓመታት አምላክ ሰብ ምኳኑና ዓለምን ማድሓኑን አምሃሮም። "አጥምቀና?" እንተበልዎ "አይክእልን" በሎም። ንሳቶም ውን ምስራቅ ቡዙሕ ውህብቶ ብምግባር ናብ ግብጽ ላአኩዎ። ቅዱስ አትናቴዎስም ፍሬምናጦስን "አቡነ ሰላማ" ኢሉ ምስ ቡዙሕ መጻሕፍት ብም ግባር ለአኮ ። ብመጀመሪያ ኢዛናና ሳይዛና ተጠመቁ። ስማቶም ውን "አብርሃ ወአጽብሃ" ተብሃሉ። ቐጺሉም ሠራዊቱና ሕዝቡ ተጠመቀ። ሃገርና ብእዚኦም ቅዱሳን አቢላ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን መጸት።ናይክርስትና ደሴት ኮነት። ሃገረ እግዚአብሔርነቷንም አጽነዐት። ቅዱሳኑ ካብዚ ድሕሪ ዚ ብሞገስ ክርስትናን ንከስፋሕፍሑ ደከሙ። ካብ #ሚኢትን ሓምሳን አርባዕተን ንላዕሊ አብያተክርስቲያናትን እንትሃንጹ መብዛሕትኦም ፍልፍል(ውቅር) ነበሩ። በተለይ ግን አብ አክሱም ከተማ ዝሃነጽዎ ዓሰርተ ክልተ ቤተ መቅደሳት ዝነበራ ናይ ጽዮን ቤተ ክርስቲያን ክንርአ ትናፍቀና።ገይጻ፣ ብርሃና ውል ውል ይብለና። እዛ ቤተ ክርስቲያን ብዓስራይ ክፍለ ዘመን ዮዲት ጉዲት ብሓዊ አቃጺላታ እያ ። መሠረቱ ግን ክሳብ ሎሚ አሎ። ቅዱሳን አብርሃ ወአጽብሃ ግን ክርስትናን ንምስፍሕፋሕ መንግሥትን ንምጽናዕ ክብሉ ካብ አክሱም ብተወሳኪ በሽዋም ዙፋንን ዘርግሑ። ንብዙሕ ዓመታትም አምላክ ብዝፈቀዶ መንገዲ እስልብ የመን ድረስ ገዝኡ፤ክርስትናንም አስፋሕፍሑ። ቅዱስ አብርሃ ምስተወለደ ብ52 ዓመቱ በ፫፻፷፬ ዓ/ም ጥቅምቲ ፬ ማዕልቲ እንትዓርፍ ሓው ን15 ዓመታት በይኑ አመሓደረ። በ፫፻፸፱ ዓ/ ም ድማ በዚ ብጥቅምቲ ፬ ማዕልቲ ቅዱስ አጽብሃም ብዝተወለደ 67 ዓመቱ ብክብሪ ዐረፈ። አብ ክልቲኦም መቓብር ንሠላሳ ማዕልታት ናይብርሃን ዓምዲ ተተኪሉ ተርአየ። ጎይታም ብዘይቅየር ቃሉ "ስምኩም ዝጸወዐ፣ ዝክርኩም ዝዘከረ ክምሕረልኩም እየ" ኢሉ ቃል ኪዳን አተወሎም። ዓመታዊ ክብረ በዓሎም አብ ውቅሮ ክልተ ኣውላዕሎ አብ ዝርከብ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ውቅር ቤተክ/ያን ብድምቀት ይኽበር። ኣምላከ ኣብርሃወአጽብሐ እዚ

ንግስቲ ነብሳ
ንግስቲ ነብሳ
Open In TikTok:
Region: SA
Thursday 13 October 2022 20:36:46 GMT
37184
3279
175
201

Music

Download

Comments

salamaas85
salamaas85 :
አሜን አሜን አሜን
2022-10-13 23:44:47
2
user505729340
user654924 :
አሜን አሜን አሜንንንንንን
2022-10-14 10:48:59
2
userhx1rvraqae
user2788429841502 :
አሜንአሜን
2022-10-14 04:44:35
1
arehwahagose
Rahwa Hagos werkneh :
አሜን አሜን አሜን
2022-10-14 16:57:09
1
user71031694936
freweyn teklit :
አሜን🥰🥰🥰
2022-10-14 10:40:11
1
user6j9t0keqpa
የሺ የሺ :
ኣሜንንን🥰🥰🥰🥰🥰
2022-10-14 03:50:44
1
zerey70
l am Amhara ወሎዬ የጃማዋ💚💛♥️ :
አሜን🙏♥️🥰
2022-10-14 06:41:32
1
etg.dg1
ጨባስ ወዲ ኣፅቢ :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2025-10-16 19:29:50
0
praisemygod0
ተመስገን ኣምላኬ :
አሜንንን አሜንንን አሜንንን🥰🥰🥰🥰
2022-10-14 11:18:21
1
hafiaboarsema
Hafi abo arsema :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን🙏🙏🙏
2025-05-12 19:10:20
0
naniqueen347
ናኒ ንግሰቲ ፍቅሪ👸❤ :
ኣሜን(3)💥🥺🙏
2022-10-13 23:12:03
1
malikfaisal9692
ኪዳን ምህረት አናት ጠብቅኝ :
አሜን 🙏🙏🙏
2024-10-15 15:57:06
0
user2750480062031
መለይ መለይ :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ኣሜን 🙏🙏🙏🙏🙏
2025-10-13 18:09:07
0
magi21498
magi21 :
ኣሜንን(3)❤❤❤
2025-08-01 19:54:05
0
user8006886771071
ፍቅሪ ንኩሉ😘😘😘 :
Amen🙏🙏🙏(3)🙏🙏🙏
2022-10-13 23:42:01
1
freweyni2127
ፍረወይኒ :
Amen 🙏
2022-10-13 23:26:59
1
brigalgery1
brigalgery1 :
amen Amen Amen 🤲🤲🤲
2022-10-14 01:48:52
1
user52795461778684
ተመስገን እዩ ቃለይ :
Amen amen amen 🙏 🙏 🙏
2022-10-14 00:30:30
0
king.19968
Ustad🔥🇦🇪 :
አሜን አሜን አሜን
2022-10-14 04:51:53
0
zzxbue123456eng
እንግሊዝ :
🥰🥰አሜን🥰🥰 🥰🥰አሜን🥰🥰 🥰🥰አሜን🥰🥰
2022-10-14 02:01:12
0
mama.antreprenor0
𓆩♡𓆪ANA Mamă Antreprenor𓆩♡𓆪 :
ኣሜንንንንንንንን
2025-12-15 16:46:06
0
sndusndu1
ምቅናይ ኩሉ ንምርኣይ :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን
2022-10-14 09:07:21
0
enangi
enangi :
amenamenamen🥰🥰🥰🥰
2022-10-14 04:10:40
0
filmon.gebrhiwet
ፊሊምን,ፊላ💊🇧🇭🇧🇭 :
🙏
2025-10-13 21:28:33
0
gere.welday
wedi hambar :
🥰🥰🥰🙏🙏🙏🙏
2025-10-14 03:01:54
0
To see more videos from user @user74521325915474, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About