@lost.in_music: #እቲ_ኩቡር_ጸሊም_ኣልማዝ 🖤🎵 {ነፍሲሄር 🎤የማነ-ገብረሚካኤል "ባርያ"} "ባርያ" ልክዕ ከምዛ ሎሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለ 27 ዓመታት ጌሩ'ሎ…ብዛዕባ 27 ዓመታት ክንሓስብ ከለና ብጣዕሚ ብዙሕን ኣብ ሓደ ሂወት ክንደይ ለውጥታት ዝረኣየሉን ግዜ ሙዃኑ ነጋሪ ኣየድልየናን'ዩ…! እንተ ናይዚ ጸሊም ኣልማዝ ዝኾነ "ባርያ" ግን ግብረ-ሰናዩን ብደርፍታቱን ዜምኡን ጌሩ ዘማሓላለፎም መልእኽትታቱን መመሊሱ ይሕደሰካ…እቲ ሰናይ-ግብሪ'ኳ ጽቡቕ ጌሩ ዝሓለፈ ዝኾነ ዓይነት ሰብ ይኹን ዝተረሰዐ ስለ ዘየለ ግድን'ዩ ንዘንቲ-እለት ክዝከረሉ…! ብዛዕባ ደርፍታቱ ክንሓስቦ ከለና ግን ብጣዕሚ'ዩ ዘገርም…ቕድሚ እዚ ኹሉ ዓመታት ዝገጠሞን ዝደረፎን ኩነታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሂወት ነቲ ዘለናዩ ሃዋህው ዝውክል ስርሓት ገዲፉ ከይዱ…! ንደርፍታቱ ብገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሰማዕናዮ ግዜ ነቲ ዘለናዮ ህሞት ይገልጹ ነዚ ዘለናዮ ሂወት ይድህስሱ…ክሳብ ነዚ ናይ ሕጂ ግዜ ድዩ ሓሲብዎ ዋላስ እንታይ ኢልካ ኣብ ነብሰ-ጥርጠራ ኢካ ትኣቱ…ንሱ ብሂወት ከሎ ቕድሚ 27 ዓመታት ዘይኮኑስ ሕጂ ቕድሚ 27 ደቓይቓ ዝተሰርሑን ዝተደረፉን ኮይኖም ይስምዑኻ…! ብፍላይ ምስ ናይ'ዚ ግዜ ገለገለ ስነ-ጥበባውያን ዝሰርሕዎ ስራሓት ከነናጻጽሮ ተፈቲና'ሞ…ትርጉም ስነ-ጥበብ ህልም ይብለካ በስ ምርዳእ የኣቤካ። ከም ገለ ንዝግጠሙ ግጥምታትን ንዝስርሑ ክሊፓትን ኣስተውዒልካ ተሰሚዕኻዮም ተሪእኻዮም ምግራምካ ኢኻ ትውድእ…እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ ንምንታይ ኢዮም ሰሪሖሞ… ፍጹም ኢዩ ዘይርዳኣካ…ዝሰርሕዎ ስራሓት ንመን'ዮም ሰሪሖሞ…? ክሰርሕዎ ከለዉ'ኸ ስለምንታይ ሰሪሒሞ…? ግድን ኣብ ስክሪን ክራኣዩ ድዮም ዝሰርሕዎ ወይስ ገለ መልእኽቲ ከማሓላልፉ ኢዮም ዝሰርሕዎ መግለጺ ዝባሃል ኢኻ ዘይትረኽበሉ😐 ስነ-ጥበብ ማለት'ኮ ናይ ባዕሉ ክብሪ ዘለዎ ሓደ ዓቢ ሰንሰለት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ…ንኣብ ሩሑቑን ቐረባን ዘሎ ህዝቢ ንህሉው ኩነታት ኣለልዩ ዝገልጽን መልእኽቲ ዘማሓላልፍን እሙን ተላኣኣኺ ህዝቢ ኢዩ… ስነ-ጥበብ ማለት ናይ ማንም ውልቒ ኣይኮነን ሰራሕተኛ ህዝቢ ጓሳ ህዝቢ ኢዩ…ነዚ ዘይንፈልጥ ተኾይና ስለምንታይ ናብቲ ሞያ ቲፎ ናኣቱ…? እንታይ ክንገብር እንታይ ክንሰርሕ እንታይ ከነበርክት ኢልና ግድነት ምሕሳብ ከድልየና'ለዎ…!     ሓንቲ ስራሕ ብዝኾነ መንገድታት ንህዝቢ ዘይትጠቕም ተኾይና ስለምታይ ትቕዳሕ…? ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ ኢኹም'ኮ፣ ናይዚ ግዜ ኣገልገልቲ ኢኹም'ኮ…እቲ ትሰርሕዎ ስራሓት ናዓኹም ዋላሓንቲ ትርጉም የብሉን ነቲ ትዝርግሕሉ ዘለኹም ሕብረተ-ሰብ ኢዩ ትርጉሙ ስለዚ'ዩ ክኣ ስነ-ጥበብ ዝብሃል፣ ሳክት በቓ ተረኺባ ኢልካ ስንዕ ስንዕ ኣቢልካ ወዲእኻ ንኣእዛን ሰባት ኣጽሚምካ ንብዙሕ ካባኻ ዝጽበ ሰብ ኣብ ክንዲ ተንቕሖ ከተደንቑሮ ሃየንታ ኢዩ ይኣከ…! ዝኾነ መልእኽቲ ዘይብሉ ስነ-ጥበብ ዕድመ ዝባሃል የብሉን…ስለዚ ኢዩ ካኣ እቲ ስራሓቶም ኣይ ሰሙን ኣይ ወርሒ ካብ የእምሮ ነፍሲ-ወከፍ ቐልጢፉ ዝድምሰስ… ኖን ከም ናይ ባዓል "ባርያ" ብድሕሪኦም ንነዊሕ ክጸንሕስ፣ ጌና ንሶም ከይሞቱ እቲ ስራሓቶም ገዲፍዎም ይመውት…በዚ ምኽንያት ካኣ ስነ-ጥበብ ይህሰየና ኣሎ ዓገብ ስነ-ጥበብ ኣይታሃሰ…! ሰብ ሞያ ኾይንና ተኣቲናዮ ተዘካሪ ስራሕ ንስራሓሉ፣ ከምቶም ናይ ኩሉ ግዜ ተዘከርቲ ስነ-ጥበባውያኛ… ሓደራኹም!! "ባርያ" ኣብ ዝደረፎምን ዝዘየሞምን ስርሓቱ ኣብ ሂወት ደቒ-ሰባት ንዘጋጥሙ ኩነታት ዘይተንከፎ ኣሎ ክንብል ኣይንደፍርን ኢና… ገለ እስከ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ 👇 #ናይ_ስደት_ምረቱ መን ኣሎ ዝቐሰነ "ስደት" ዝመቐሮ እንጀራ ዕዳጋ ሓሞት ዘይመሮሮ…! መሪርና'ወ ናብራ ጸሊእናዮ ስደት ሓሳርን መከራን ምልማዱ ሲኢናዮ ወሪድና ደዪብና ዓቐብ ቑልቑለቱ ደኺምና ለፊዕና ከቢድና ጽዕነቱ በሊሕ ጸጸር ዘይርገጽ…ሩሱን ባይታ ሓመዱ ረመጽ ዓሻ ጎልጎል ዘየጽልል…ሙኹን ኮንቱ ዘየጽግብ ዘይድፈር ሙዉት ቓላይ…ዘየምውቕ ሃሳስ ጻሓይ ኣይተኻእለን መሪርና…ዑንቒ ኮይኑ'ወ ጸቢብና😢 #ንግዜ_ምቕይያሩን_ሓይሉን ዘመን ተቐዪርካኒ ስደተኛ ኮይነ ብስክፍታ ዝነብር ክሳደይ ኣድኒነ ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም ሰነድ መስተምሰሊ ዳተጎድአ ዝነብር ኣሰኪምካኒ ቕስሊ ካሓተካ'የ ኣነ መልሰለይ ዘመን ስለምንታይ ከሊእኻኒ ስኒት ፍቕሪ ሓበን ሰብኣዊ መሰለይ ክብረይ ቐንጢጥካዮ ሓሳርን መከራን ንዕዳጋ ኣውሪድካዮ መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ ሪኢቶ ዘይብሉ ኣይምረጽ ኣይመርጽ ኣይምረጽ…………………ኣይመርጽ ሓቒ'ዩ ኹሉ ዘረባኺ ዝኾነ ይርዳኣኒ'ዩ ኣይሳሓትክዎንን ኣነ ኣይረሳዕኹኽን እንታየ'ሞ ክብል ኩነታት ሒዝኒ ካብ ወዲ ሰብ ዝሕይል ! #ንፍቕሪ_ዕግበቱ ናይ ምንባር መኽሰብ "ፍቕሪ'ዩ" ዓቢ ግደ ስልማት ገዛ ህጻን ምስ ተወለደ ትርጉሙ ንሱ'ዩ ሂወት ብተስፋ ምንባር ቓልኪዳን'ውን እምነት'ዩ ምክብባር !! #ንሓድነት_ትረቱ ፈትሊ'ውን እንተኾነ ኣዝዩ ዝፎኾሰ ኣንበሳ'ዩ ዘኣስር ሓቢሩ ምስ ተፋሓሰ ትርጉም ዓወት ድማ ቐንዲ ሕመረቱ ኣሕዋት ተሓቢሮም ጸላኢ የባርሩ ! ኣይቐሰንካን'ወ ከማኻ ውን ኣነ ኣንታ ተንፋቐር ሓወይ ተንሳነ ምተፈትሐ ኔሩ ናይ ሓጹር ሰንሰለት ዝሰመረ የእዳው ግድን'ዩ ክዕወት ! ድምጽኻ'ዩ ህዝቢ ዘይዕገት ማዕበል እምብለይ እምብለይ ኣይግዛእን'የ በል ጥርናፈኻ ኢዩ ናይ ሓርነት ደወል #ንናፍቖት_ክብደቱ ከሜለኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ ኣቤለሊ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ እኽለ-ማይ ኣቢኒ ምስ ተረፍኩ ንበይነይ ኣይወግሕን ኢልኒ ጸቢብኒ ዓቕለይ መሬት ንርእሳ'ላ ክትወግሕ ምስ ክጽበ ኣሕሊፈዮ ጸልማት ባሓሳብ ተጎልቢበ ዋላ'ውን እንተኸድኩ ተቐጸልኩ መገሻ ኣይምሰልኪ ዘይናፍቕ ዘይዝከረኪ ዓሻ ልበይስ ምሳኺ'ሎ ማሓውረይ ተኸደ እንጀራ ኮይኑኒ'ምበር ብስራሕ ተገዲደ #ንሰላምን_ራህዋን_መቐረቱ ኣብ ሩሑቕ ኣብ ቐረባ ኣብ ስደት ዘለኻ ሓወይ ወዲ'ዓደይ ሰላም የውርደልካ !! ትርጉሙ ሂወት ካብ መሰረቱ እወ ምንባር'ዩ ትርፊ መቐረቱ ምንባር ግን ከም ሰብ ኣብ ገዛእ መሬቱ 👉ሰላም ዝረኸበ ራህዋ ቕሳነቱ👈 ኣነ'ውን ከም ሰበይ ከምኡ'የ ዝደሊ ደኺመ ለፊዐ ሲኢነ መጽለሊ…!! መቐረት ስድራ-ቤት ጥዑም ከይጸገብና ንኽጥዕመና ኣይኮነን ንሜደ ወጺና ዝመቐረ እዋን ማዓልታት ንእስነት ኣይተበለጽናሉን ተጎሪሽና ሂወት ምእንቲ ሰላም ግን…ምእንቲ ናጽነት ምእንቲ ሰላም ግን…ናይ ህዝብና ቕሳነት ኪኢልናዮ ኣለና እቲ ከርፋሕ ሂወት !! #ንመግዛእትን_ኲናትን_ክሳርኡ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ራዕድን ሽበራን ጥሜት ዕርቓን ጽምኢ ውርደትን መከራን ኣርዑት መግዛእቲ ሓጺን ሰንሰለቱ መን ዘይጣዓመ ማሓዩር ቤት-ማእሰርቱ ኣደራዕ ጽፍዒት ተካል ዝንብራቱ ኣበደን መግዛእቲ ካብ ሱር መሰረቱ #ንናጽነት_እፎይትኡ ናጽነት ክብረት'ዩ ንዘልኣለም ዘይሃስስ ዘይድምሰስ ቐይሕ ደም ዘይውዳእ ዘይነጽፍ ቐላይ ሩባ ሂወት'ዩ ፈልፋሊ ጹሩይ ማይ…!! ---------------------- ክንደይ'ሞ ክባሃልን ክጻሓፍን'ዩ ዋላ ንስኻ ከማን ተገሊጽካ ዘይትውዳእ ፈልፋሊ ቐላይ ኢኻ !! ጸሊም ኣልማዝ ኣቦ ድኻታት ናዓኻ መንግስተ ሰማያት የዋርስካ ን ደቕኻን ስድራቤትካን ፈተውትኻን ስነ-ጥበብን ከኣ ጽንዓት ያሃብ ! ኩሉ ግዜ ተዘካሪ ኢኻ ወትሩ ኣብ ልብና 🖤 You will always be the best that ever lived in our heart's...!! We ❤ U....#LEGEND🎵 Rest In Peace ! Nov-05-1997_Nov-05-2024                                  #Charitey ❤

❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️
❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️
Open In TikTok:
Region: SS
Monday 04 November 2024 14:00:36 GMT
224233
16194
227
2021

Music

Download

Comments

abiboy274
abiboy :
guy it's my birthday tomorrow I born the day he died
2024-11-05 15:01:34
48
yellow_colour5
ግዕዛዊት ☦️ ሄዋን 👑🕊❤ :
ኣበይ ከግኒ ኢለ ✅ ክረክብ ኢለ❎😁
2026-01-26 23:41:37
0
user15984257605578
ሆሳእና :
ኮኾብ ካብ ዝወድቕ 27 ዓምት ኮይኑ😳🥺
2024-11-04 22:01:02
22
nahom..dc
Ňahom,dc :
ጸሊም ኮኾብ💙
2024-11-13 03:13:46
4
faith_____2
Faith_____2 :
እቲ ከይተሓለለ ወትሩ ንስለ ናጽነት ዝጨደረ ትርጉም ናጽነት ብዑምቀት ዘስተምሃረ ኣብ ግዜ ጭንቅን ጸበብን ተስፋ ሂቡ አምነት ዝፈጠረ ብዘይ እኽለ-ማይ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓይሊ ዘሕደረ~ ጸሊም ኮኾብ
2025-01-09 22:43:29
5
useroq7xmfa2hh
አስመራ ሽኮር :
Black diamond you are always in our heart ❤️legends
2024-11-05 17:03:06
18
blen_805
blen_805 :
የማነ ባሪያው ነብስ ይማር
2024-11-05 19:25:58
7
chaleyabukey
Chaley Abukey :
የማነ ባርያ አይ አስመራይ ናፍቄኔ
2024-11-06 10:56:28
4
user818419477100
መሬ😎😎 :
መንግስተ ሰማይ የዋርስካ
2024-11-09 05:05:14
5
hanitoo
ANSEBINO 🌿 :
እቲ ብሉጽ ጸሊም ኣልማዝ👑
2024-11-05 06:24:42
4
weldeab07
ጎጎ_gains :
Our precious diamond 💎💔
2024-11-06 21:36:21
5
destafitsum0
desta fitsum :
መተካእታ ዘይብልኹም🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2024-11-06 09:48:03
8
vertrauen16
☦️Star👸ዓዲ-ቐይሕ✨ባርሳዊት💙⚽️🐅 :
Black Diamond 💎❤️🙏
2024-11-21 08:52:11
3
natey684
Alex 🇪🇷🇬🇧 :
my leganed 🥰🥰😳😳
2024-11-05 23:27:13
7
samrisam_1
✨ሳምሪ_♥️ :
my fav 🎵 black 💎♥️
2024-11-05 09:29:57
5
abeltewelde43
Abel :
legend 🔥
2024-11-05 17:58:08
5
tsega0780
TSEGA :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰..yeman barya
2024-12-05 06:09:52
3
1995merhawi
M🇸🇪🌿🫂 :
ነቢ የማነ(ባርያ)ንጉስ ጥበብ ትግርኛ ኣርማ ፍቕሪ🌠💎🖤👑🎼
2024-11-05 12:38:44
4
fortunagirmay
Fortuna Girmay :
Yeman .Entay nerwo ente tenberlna . Bedhirka i teamrnanan . kulu mesaka keydu toeum hiwet 🥰🥰. neze zedalka ka .belbi yemsgnla🥰🥰
2024-11-11 23:11:13
2
prince_filly
Princefilly :
Song name?
2024-11-05 20:34:04
3
bizwizard3
I'm still thinking :
name of song?????
2024-11-05 21:54:25
3
kimikin21
kidoki_T :
black diamond 🥰
2024-11-06 06:18:11
3
maick1416
Gratitude16 :
abzi eneaka derfi malet🥰
2024-11-05 19:53:52
2
scar_face924
Sacr_Face 🕴️ :
ኮኾብ 🫶🏽
2024-11-04 16:36:56
4
To see more videos from user @lost.in_music, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

أكبر برج ساعة هي أكبر ساعة في العالم، ساعة مكة)، وتقع على قمة برج الساعة في مجمع أبراج البيت بمكة المكرمة. يبلغ ارتفاعها حوالي 601 مترًا ، وتتميز الأوبخ والجهات كبيرة يمكن رؤيتها من مسافات بعيدة تم تصميمها على الطراز الإسلامي، وتضم العديد من الميزات الفريدة، بما في ذلك لفظ الجلالة «الله أكبر وأكبر هلال تم صنعه حتى الآن. معلومات إضافية عن ساعة مكة: الارتفاع والوزن يبلغ ارتفاع برج الساعة 601 متراً، ويصل وزن الساعة بالكامل إلى 36,000 طن، وفقا لوكالة الأنباء السعودية تحتوي الساعة على أربع واجهات، كل منها يبلغ حجمها 43 مترًا للواجهتين الأمامية والخلفية وحوالي 43 مترًا للواجهتين الجانبيتين. الزخرفة: يزين قمة الساعة لفظ الجلالة «الله أكبر، حيث يبلغ طول حرف الألف في كلمة «الله أكثر من 23 مترا، كما يزينها هلال يبلغ قطره 23 متزا وفقا لموقع كارديل. يرتبط مركز توقيت مكة المكرمة بشبكة التوقيت العالمي UTC». الإضاءة ستخدم الساعة 21,000 مصباح LED باللونين الأخضر والأبيض الإضاءتها أثناء الأذان، ويمكن رؤية الأضواء على بعد مسافة كبيرة.#محمد_خليل_قارئ
أكبر برج ساعة هي أكبر ساعة في العالم، ساعة مكة)، وتقع على قمة برج الساعة في مجمع أبراج البيت بمكة المكرمة. يبلغ ارتفاعها حوالي 601 مترًا ، وتتميز الأوبخ والجهات كبيرة يمكن رؤيتها من مسافات بعيدة تم تصميمها على الطراز الإسلامي، وتضم العديد من الميزات الفريدة، بما في ذلك لفظ الجلالة «الله أكبر وأكبر هلال تم صنعه حتى الآن. معلومات إضافية عن ساعة مكة: الارتفاع والوزن يبلغ ارتفاع برج الساعة 601 متراً، ويصل وزن الساعة بالكامل إلى 36,000 طن، وفقا لوكالة الأنباء السعودية تحتوي الساعة على أربع واجهات، كل منها يبلغ حجمها 43 مترًا للواجهتين الأمامية والخلفية وحوالي 43 مترًا للواجهتين الجانبيتين. الزخرفة: يزين قمة الساعة لفظ الجلالة «الله أكبر، حيث يبلغ طول حرف الألف في كلمة «الله أكثر من 23 مترا، كما يزينها هلال يبلغ قطره 23 متزا وفقا لموقع كارديل. يرتبط مركز توقيت مكة المكرمة بشبكة التوقيت العالمي UTC». الإضاءة ستخدم الساعة 21,000 مصباح LED باللونين الأخضر والأبيض الإضاءتها أثناء الأذان، ويمكن رؤية الأضواء على بعد مسافة كبيرة.#محمد_خليل_قارئ

About