@sanako980: ታሪኽ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ 🇪🇷 |• "ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ"፡ ብምኽኒያት መስዋእቲ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ፡ 04 ሚያዚያ 1987፡ ዘቅረብናዮ ሓጺር ታሪኽ ሂወቱ፡ ብ1931 ኣብ ሕርጊጎ ተወሊዱ፡ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ትምህርቲ ንምቅጻል ንኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምካዱ፡ ናብ ኮለጅ መሰልጠኒ መምሃራን (Teacher Training College) ተጸንቢሩ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ ተማሃራይ ኣብ'ቲ እዋን ድማ፡ ኣብ'ቲ ዉዕዉዕ ጉዳይ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ጽልዋ ሓዲርዎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዉዳቤታት ተማሃሮ ተጸንቢሩ ክነጥፍ ጀሚሩ። ሳበ ድሕሪ ካብ'ቲ ኮለጅ ተመሪቁ ምዉጽኡ፡ ንሕርጊጎ ተመሊሱ፡ ከም መምህርን ዳይረክቶርን እቲ ቤ/ትምህርቲ ሰሪሑ፡ ንኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ ሕብረተሰብና ብምግንዛብ ድማ፡ ንብዙሓት ተማሃሮ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ዕድል ዝለዓለ ትምህርቲ ዝረክብሉ መንገድታት ኣጣጢሑ'ዩ። እዛ ቤ/ትምህርቲ ድማ፡ ንሳበ ሓዊሳ ንከም በዓል ሓርበኛታት ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ስዉእ ኢብራሂም ዓፋ፡ ኣቶ ኣል'ኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ስዉእ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ ስዉእ ዓሊ ብርሂን ዝኣመሰሉ ሓያላት ተቃለስቲ ከተፍሪ ክኢላ ኢያ። ብዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ኣብ ራዳር ስለያ ስርዓት ሃይለስላሴ ከም ዝኣተወ ዝተገንዘበ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ፡ ኣብ 1960 ብቀጥታ ንየመን ዓደን ተሰደደ። ኣብ 1961 ድማ ብመሰረት ዕድመ ኣባል ባይቶ ኤርትራ ዝነበረ እሞ፡ ንጅዳ ዝተሰደ እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ ንካይሮ ግብጺ ኣምረሐ። በዚ መንጽር፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም ከም ኣቦወምበር፡ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ ከም ወጻኢ ጉዳያት፡ ዑሱማን ግላዉዲዩስ ድማ ከም ጸሓፊ ዝተመዙላ "ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ" Eritrean Liberation Front - ተሓኤ - ELF)፡ ወይ (ጀብሃ)፡ ቅዲ ሰዉራ ኣልጀሪያ-ክፍልታት ብምክታል ብወግዒ ተመስረተት። ብመንገዲ ኣቦ ወምበር እድሪስ መሓመድ ኣድም ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ክዉልዑ ዝኽእሉ (Decleration of Armed Struggle) ብቁዓት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ካብ ዝተለለዩ፡ "ሓምድ እድሪስ ዓዋተ" ነዚ ወተሃደራዊ ብቅዓትን ተሞኩሮን ዘማልእ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ደብዳቤ ኣቀዲሙ እኳ እንተተዋህቦ፡ ኣብ'ቲ እዋን ዓዋተ ስለዘይተዳለወ፡ ነቲ ኣዋጅ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ'ዩ ወሲንዎ። ሻብዓይ ርእሱ፡ ሓርበኛ ሓመድ እድሪስ ዓዋተ፡ ናይ ምንሽር ጓንዴን ብረት ዓጢቆም፡ ካብ 300ብር ዘይሓልፍ ጥረ ገንዘብ፡ ቁሩብ ሽኮርን ስንቅን ዓጢቆም ድማ፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ብሓደ መስከረም 1961፡ ቀዳመይቲ ጥይት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኮሳ። ኣብ እዋን ክፍልታት ግርጭት ተሓኤ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ መሪሒነት ዘይምርድዳእ ስለዝተኸስተ፡ ብቀንዱ ዉን ን"ሰዉራ ኣልጀሪያ" ከም ሞዴል ተኸቲሉ ዝመጸ ኣብ ኤርትራ ክርዕም ስለዘይከኣለ፡ ጥቅምቲ 1969 ሳበ ጠቅላሊ ቤ/ጽሕፈት (General Secretariat, ኣምና ዓማ)፡ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ እተቶኩር ጉጅለ፡ ክምስርት ክኢሉ። 1969፡ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ፡ "ትምህርቲ ኣብ ቃልሲ ሓደ ህዝቢ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ" ብምእማን፡ ን5-ኮሚሽነራት ናይ 5-ክፍልታት ዘጠቃለለት ቀዳመይቲ ጉጅለ፡ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ትምህርቲ ንምቅሳም፡ ንቻይናን ኩባን ብምልኣኽ ዕዉት መደብ ኣተግቢሩ ኢዩ። ፍርያት እታ ጉጅለ ድማ፡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕ ተራ ዝነበሮምን ዘለዎምን፡ ከም ኣቦ/ወምበርን ዋና-ጸሓፍን እንዳተበራረዩ ንህዝባዊ ግንባር ዝመርሕዋ፡ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቅን፡ ስዉእ ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድ ኑርን፡ ምንባሮም ኣይከሓድን። ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክቀስሙ ዕድል ዝረኸቡ ብዙሓት ካብ ገዳይም ተቃለስቲ ሰዉራ ኤርትራ ዉን፡ ናይዚ ተበግሶ ዉጽኢት ጌርካ ምርዳእ ይከኣል። 1972፡ ቀዳማይን ካልኣይን ህዝባዊ ሓይልታት ተመስሪተን፡ ምስ ኣምና ዓማ ናይ ሳበ ኣብ በይሩት ሊባኖስ ስሉሳዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያደን፡ ክልቲአን ህዝባዊ ሓይልታት ሓቢረን ኣብ ባይታ ክሰርሓን ክቃለሳን፡ ኣምና ዓማ ድማ ዉክልና እዘን ሓይልታት ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ኮይና ከተገልግል፡ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኔረን። ክሳብ ወርሒ መጋቢት 1976 ድማ ብከምኡ ቀጺለን፡ ድሒራ ኣማና ዓማ ዉክልንኣ ባዕላ ስሒባ። ብሓፈሻ፡ ብዝነበሮ ጽልዋ፡ ብቅዓትን፡ ተወፋይነት፡ ሓርበኛ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ ኣብ'ቲ ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ዝነበሮ ሰዉራ ኤርትራ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ'ዩ። ገለ ካብ ኣበርክቶ ዑሱማን ሳልሕ ሳበ፡ 1. ንቅሓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣበሪኹ፡ 2. ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ክፍለጥ ልዑል ጻዕሪ ኣካይዱ፡ 3. ንዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብምብጻሕ፡ ወተሃደራዉን ሎጂስቲካዉን ዕጥቂ ንሰዉራ ኤርትራ ከበርክታ ጌሩ። ክሳብ 1976 ድማ፡ እዚ ወሳንን መሰረታዉን ኔሩ። 4. ንመንግስቲ ሶማሊያ፡ ንኤርትራዉያን ተቃለስቲ ናይ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ክዋሃቦም ኣኽኢሉ፡ 5. ንኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ነጻ ናይ ዝለዓለ ማህደረ ትምህርቲ ክዋሃቦም ሰሪሑ፡ 6. ንኩነታትን ምዕባሌን ሰዉራ ኤርትራ ዝገልጽ፡ ዝተፈላለዩ መጻሓፍትን ጽሑፋትን ዉን ኣበርኪቱ፡ ገለ ካብ'ተን ብእንግሊዘኛ ዝተሰነዳ ምስ ንርኢ፡ A. The roots of the Eritrean disagreements and how to solve them by Osman Saleh Sabbe. Published 1978. B. The history of Eritrea by Othman Saleh Sabby; translated by Muhamad Fawaz al-Azem. Published 1970 by Dar al-Masirah in Beirut, Lebanon. C. Speech of the Foreign Mission Delivered by Osman Saleh Sabbe, the Official Spokesman. D. Objective Account on the Ethiopian Attitude Towards Eritrea: In the Light of Historical, Geographical and Political Realities. ንሓዋሩ ኣብዛ ሃገር፡ ስልጡን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ክምዕብል እንተኮይኑ፡ ዓወትን ብኩራትን ተቃለስቲ ዜጋታትና፡ ታሪኽና ስለዝኮነ፡ ብማዕረ ክንማሃረሉ ይግባእ። ስለዝኮነ፡ ምስ ሳበ ዝተሓሓዝ ኣሉታዊ ኣበሃህላታት ከኣ የለን ማለት ኣይኮነን።#ኤርትራንኤሪትራዊያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤❤ #ارتريا_تيك_توك🇪🇷 #EritrreanEid🍀🌸🇪🇷💙💙💙💙

Giddisha✍️🥷🇨🇦🇪🇷
Giddisha✍️🥷🇨🇦🇪🇷
Open In TikTok:
Region: DE
Friday 04 April 2025 18:57:01 GMT
1455
98
22
4

Music

Download

Comments

gezamandino30
ayu gezamandino :
sabe 👑🦁 ♥️
2025-04-09 03:24:52
2
gale.haje
Gale Haje :
🥰🥰🥰
2025-04-08 12:18:49
1
gale.haje
Gale Haje :
❤️❤️❤️❤️
2025-04-08 12:19:16
1
eritreashuker
eritrea :
🥰🥰🥰🥰
2025-04-06 01:22:32
1
saluhi2
Saluhi 📸❤️💚💙🇪🇷 :
❤️❤️❤️
2025-04-06 12:23:26
1
0885550h
A ሕLU🍁🇪🇷 :
👑👑👑👑👑💙💙💙💙
2025-04-04 19:01:36
1
kemdiletey5
𝖑𝖎𝖋𝖊 𝙞𝙨 𝙨ℎ𝖔𝖗𝖙🕊🌺 :
🥰❤️
2025-05-06 18:08:52
0
osman.saed8
time is gold :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰👌👌
2025-05-04 11:48:31
0
dllil25
Diĺi :
🔥🔥✌️wedi minifire wedi negawus negus kem abotatu
2025-04-05 08:42:15
1
wedikeren89
Wedi keren xada :
ኣብነት ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ( ሃገራዊ፡ ዲፕሎማሳዊ፡ ሰብኣዊ ህዝባዊ ቃልሲ) ጅግና ስዉእ ዕስማን ሳልሕ ሳበ። ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና!
2025-04-04 19:29:32
3
.king53837
ወድ ዓድቀይሕ ጽጋባ :
ወዲ ራእሲ የሳበ ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታሪኹ እዩ ዝዉረስ::🥰🥰🥰
2025-04-04 19:28:02
2
captaineritrea1sahoo
ishowspeed eritrea :
King sabe ❤️❤️👑👑
2025-04-04 19:28:03
2
selimatwanna2
XANLAKE :
ፈጣሪ ሰውራን ኤርትራን ጅግና ሓርበኛ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣላህ ያርሓሙ🥰🥰🥰🥰🥰
2025-04-04 19:43:11
2
jazid91
Yazid - يذيد - ይዚድ :
A hero who can never be repeated Allah yirhamhu 👑🎁🥰
2025-04-04 19:26:47
1
gale.haje
Gale Haje :
❤️❤️❤️
2025-04-08 12:18:52
1
sawle73
Muna Saho Gidisha🇪🇷🇪🇷 :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-04-06 20:45:50
1
nevergiveup4777
Never give up :
👑
2025-04-04 22:53:16
1
makings50
Yasmin gali eri :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-04-04 21:57:19
1
kaymat_entertainment
Kaymat _entertainment🎶🎞️ :
❤️❤️👑
2025-04-04 21:02:54
1
salehabdu555
Saleh 🔥 :
Sabe Eti zeydigem jgna Allah yirhamu🥰
2025-04-04 20:55:07
1
sile.mohamed6
Oscar👁️👊 :
❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2025-04-04 19:51:52
1
To see more videos from user @sanako980, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About