Language
English
عربي
Tiếng Việt
русский
français
español
日本語
한글
Deutsch
हिन्दी
简体中文
繁體中文
API
Home
How To Use
Language
English
عربي
Tiếng Việt
русский
français
español
日本語
한글
Deutsch
हिन्दी
简体中文
繁體中文
Home
Detail
@audit.zone.clips: #kountrywayne #kountrywaynecomedy
DCT.20cm
Open In TikTok:
Region: US
Sunday 06 July 2025 14:00:00 GMT
324
27
0
0
Music
Download
No Watermark .mp4 (
3.47MB
)
No Watermark(HD) .mp4 (
2.26MB
)
Watermark .mp4 (
3.82MB
)
Music .mp3
Comments
There are no more comments for this video.
To see more videos from user @audit.zone.clips, please go to the Tikwm homepage.
Other Videos
Модерирую на фантайм tt.funtime.su Модератор Light Yagami #funtime #фантайм #Minecraft #Майнкрафт #модератор #рекомендации #deathnote #lightyagami #бурмалда
سامية 😂😂#تمثيل #السودان_مشاهير_تيك_توك #foryou #foryoupage
🔴 መትከላዊ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ህሉው ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ‼️ I. . ልኡላውነት ኤርትራ፡ ፍጹምን ዘይግሃስን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገረ ኤርትራ ዘየማጉት፡ ዘይግሃስን ፍጹምን እዩ። ኤርትራ፡ ንልኡላውነታ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ብቅድመ-ኩነትን ጎነጻዊ ምፍርራሕን ሕድገታት ይኹን ዘተ ኣይትገብርን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጋዊ ይኹን “ሰናይ ክርክር” ማለት ክልቲኦም ወገናት ብቅንዕና ዝኣምኑሉ ዘዛቲ ጉዳይ የለን። ግሁድ ጥሕሰት ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሰልሬ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ዶባት ኤርትራ “ንቡር ምግባር”፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ማያዊ ገማግም ብምኽንያት “ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት” ክትውንኖ ምምናይ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ዶባት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ። ኤርትራ ልኡላውነታ ክትሕሉ እንከላ፡ መወዳእታኡ ነቲ ህላወን ጸጥታን ነፍሲ-ወከፍ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝቖመሎም መትከላት'ያ ትከላኸል ዘላ፡፡ II. መበቈል ቅልውላዋትን ኣገዳስነት ተሓታትነትን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ዘይርጉእነትን ቅልውላዋትን፡ ፍርያት ናይቲ ብፍላዋ - ብዘይ ዝኾነ ይኹን ድርኺት ንዓመታት ጅኦ-ፖሎቲካዊ ጎነጽ ከካይድ ዝጸንሐ ገዛኢ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ብልጽግና እዮም። እቲ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩነታት፡ ዲፕሎማስያዊ ጎነጽን ቁጠባዊ ምጉብዕባዕን፡ ብመሓውራት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝተወደበን ዝተመወለን'ዩ። እቲ “ኩሎም ወገናት” ወይ “ክልቲአን ሃገራት” ነቲ ኩነታት ከተሃዳድኣ ዝብል ቁጡብ ሓፈሻዊ ጻውዒት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ሕጋዊ ጉድለት ዘለዎ ኮይኑ፣ ዲፕሎማስያዊ ፍረ'ውን ኣይርከቦን። ነታ ዞባዊ ጎነጽ ተጓሃህር ዘላ ገበነኛ ሃገርን ሕጋዊ ልኡላውነታ ትከላኸል ዘላን ሃገርን ማዕረ ዝኾነ ግጉይ መዐየሪ ዝህብ'ዩ። ከምዚ'ኦም ዓይነት መግለጺታት፡ ሓላፍነት ሃገራት ዘቋናጽቡን ሸለልትነት ዘተባብዑን'ዮም። እቲ ወጥሪ ክዝሕለሉ ዝኽእል ቅኑዕ መገዲ፡ ነቲ ቅልውላው ንኽዓርግ ዓቢ ተራ ዝጻወት ዘሎ ሓይሊ (ሰልፊ ብልጽግና)፡ ኣብ ጎነጽ ዝተመርኮሰ ፖሊስታቱ ደው ከብሎ ምስግዳድ እዩ። ኤርትራ ወሪራትና ዝብል ክሲ ብመሰረቱ ዝተፈብረኸ'ዩ፡፡ እዚ መሰረት ዘይብሉ ጥርዓን፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝተወሃሃደ ናይ ኩናት ሓበሬታ ብምህንዳስ፡ ንኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣታሊልካ ነቲ ዘይምኽኑይ ወራር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፍትሓዊ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ነይሩ። III. ስትራተጅያዊ ግትኣት፡ ተኸላኻሊ ቁመናን ምሕላው ልኡላውነትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ውሸጢ'ቲ ዓለም ዝፈልጦ ዶባት ሃገረ ኤርትራ'ዩ ዘሎ። ቁመና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ኣተኵሩ፡ ንህሉው ኣህጉራዊ ዶባት ኣኽቢሩን ብኣህጉራዊ ሕጊ ተቐዪዱን ይኸይድ። ብተደጋጋሚ፡ ዋላ'ውን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኤርትራ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትያ ዝብሉ ዘደናግሩ ናይ ምትላል ሓበሬታታት ክዝርግሑ ጸኒሖም'ዮም። እዞም ግጉያት ክስታት፡ ናብ'ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ብውሳነ ኮምሸን ዶባት ኤርትራ ኢትዮጵያን (Arbitral Award) ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ዝኾነ መራት እውን ዘመልክቱ'ዮም፡፡ ኤርትራ፡ ንዝኾነ ናይ ታሪኻዊ ዋንነት ሕቶ ኣይተሳስን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይብጽሓኒ'ዩ ትብሎ ከምዘይብላ እውን ተረጋግጽ። ብኣንጻር'ቲ ዘሎ ቀጻሊ ምትኹታኹን ዘንቀደ ዘመተን፡ ኤርትራ ስትራተጂ ልዑል ትዕግስቲ ክትከተል ጸኒሓ'ላ፡፡ ከም'ዚ ዓይነት ናይ ርጉእነት መትከል፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ታህዋኽን ሓደገኛ ዞባዊ ኩናትን ክገትእ ዝኽእል'ዩ። ኤርትራ ንሰላም ዘለዋ ድሉውነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝህባ መሰል፡ ካብ ዝኾነ ጎነጻውን ናይ ወራር ሓይልን ልኡላውነታን ንምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ድልውቲ'ያ፡፡ IV. መቓን ንነባሪ ዞባዊ ሰላምን ሕጋዊ ስርዓትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ህዉኽ ኣጀንዳ ዝተሰንዐ ግጭት፡ ዞባዊ ቅልውላው፡ ኣዕናዊ፡ ሰዓሪ ዘይብሉ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቀውሲ ክጽመድ ሸውሃት የብሉን። ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዝጠመተ ዞባዊ ርግኣት፡ ብሕጋውን ሓላፍነታውን መንፈስ ንሓድሕዳዊ ዝምድና ሃገራት ኣብ ዝግበር መስርሕ፡ ክም ወትሩ ኣብ መብጽዓኣ'ላ፡፡ ራእይ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ኣብ ውሸጣዊ ጉዳይ ካልኦት ዘይምትእትታውን ኣብ ጥቡቕ ምእዙዝነት ንኣህጉራዊ ሕግን ዝተመርኮሰ'ዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዘላቒ ሰላምን ግብራዊ ጸጥታን ክረጋገጽ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ'ውን ዝድግፎ ፍጹም ምእዙዝነት ንኣህጉራዊ ሕጊ ምስ ዝህሉ ጥራይ'ዩ፡፡ ፍጹምነት ልኡላውነትን ማዕርነትን ሃገራት ንምርግጋጽ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ልምዲ ይኹን ብሓይሊ ልኡላዊ ግዝኣት ካልኦት ክትጎብጥ ምድላይን ጥርዓናት ምኽላስ ዶባትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክውገዱ ኣለዎም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ 21 ጥቅምቲ 2026
About
Robot
API
Legal
Privacy Policy