@annchi_rin: #duanmeiyang #duanmeiyang段美洋 #actor #china #handsome

Annchi 安琪
Annchi 安琪
Open In TikTok:
Region: ID
Thursday 17 July 2025 12:55:50 GMT
3827
190
12
8

Music

Download

Comments

user3xmnnqg4jx
おてんばナース :
中国の短編ドラマ大好きで毎日観てます🥰彼のドラマも何本か観てます❣️
2025-07-17 13:20:40
2
flormariaruiz659
Ana Sofía 🫶🏿💜🫰🏿😈😏✨🤩 :
Tan hermoso ❤️✨🤩🤪
2025-07-19 04:46:59
0
user86830483598671
soso :
🥰🥰🥰 handsome
2025-07-17 15:55:36
0
jdw619930jg
Trusting_In_God :
Physic tutorial?????????????
2025-07-17 19:11:22
0
heartlovers59
sweetieheart Iady kiss 💋🇰🇷 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2025-07-28 02:52:23
0
heartlovers59
sweetieheart Iady kiss 💋🇰🇷 :
🥰
2025-07-28 02:52:09
0
sylvialopez814
Peaches05 :
❤️❤️
2025-07-24 05:14:48
0
sylvialopez814
Peaches05 :
❤️❤️❤️
2025-07-24 05:14:45
0
trungnghia4383
bút chì :) :
🥺
2025-07-18 03:29:32
0
mariamassaf8
Maryam 🇱🇧/🇬🇧🤲✨️🤍 :
2025-07-17 17:47:24
0
girlangel_1
girlangel_25 :
🤩🤩🤩
2025-07-17 14:45:23
0
katherin.jxa
🙄🫩🫠😶😞 :
😁😁😁
2025-07-17 12:58:00
0
To see more videos from user @annchi_rin, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

🥹🥹🕯️🖤 ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ። ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም። ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ። በዅራ ጓል 17 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ጨወይቲ ኣትዩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብኣስካሕካሒ ኵነታት ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ብሓለውቲ ከብቲ'ዩ ተረኺቡ። ዮርዳኖስ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተወለደትን ኤርትራዊ ኣቦኣ ምስ ዓረፈ፡ ኣደኣ ትግራወይቲ ስለ ዝዀነት ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ እንዳባጉና መጺኣ ከም ዝዓበየት ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየደቶ ቃለመሕትት ገሊጻ። ደቃ ከተዕብን ዝሓመመት ወላዲታ ክትኣልን ኢላ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰደደት ድማ ቅድሚ 9 ዓመት'ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ስደት ናብ እንዳባጉና ተመሊሳ ክትነብር ጀሚራ ነይራ። ኣብ መንጎ ኣብ ትግራይ ኲናት ስለ ዝተወልዐ ግዜ ዕጽዋን ክባን ኣብ እንዳባጉና እያ ኣሕሊፋቶ። ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ ዳግማይ ናብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝተሰደደት እትገልጽ ዮርዳኖስ፡ ዝሓለፈ 22 ሓምለ 22 (ግእዝ) ምሸት ንልባ ዘሰንበደ ተሌፎን ከም ዝተደወላ'ያ እተዘንቱ።
🥹🥹🕯️🖤 ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ። ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም። ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ። በዅራ ጓል 17 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ጨወይቲ ኣትዩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብኣስካሕካሒ ኵነታት ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ብሓለውቲ ከብቲ'ዩ ተረኺቡ። ዮርዳኖስ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተወለደትን ኤርትራዊ ኣቦኣ ምስ ዓረፈ፡ ኣደኣ ትግራወይቲ ስለ ዝዀነት ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ እንዳባጉና መጺኣ ከም ዝዓበየት ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየደቶ ቃለመሕትት ገሊጻ። ደቃ ከተዕብን ዝሓመመት ወላዲታ ክትኣልን ኢላ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰደደት ድማ ቅድሚ 9 ዓመት'ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ስደት ናብ እንዳባጉና ተመሊሳ ክትነብር ጀሚራ ነይራ። ኣብ መንጎ ኣብ ትግራይ ኲናት ስለ ዝተወልዐ ግዜ ዕጽዋን ክባን ኣብ እንዳባጉና እያ ኣሕሊፋቶ። ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ ዳግማይ ናብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝተሰደደት እትገልጽ ዮርዳኖስ፡ ዝሓለፈ 22 ሓምለ 22 (ግእዝ) ምሸት ንልባ ዘሰንበደ ተሌፎን ከም ዝተደወላ'ያ እተዘንቱ። "ስድራይ ምሸት ሰዓት ሓደን ፈረቓን ደዊሎም 'ወድኺ ጠፊኡ' ይብሉኒ። ኣነ ዝመሰለኒ ኣብ ጥቓ ገዛና ናይ ማይ ዒላ ስለ ዘሎ ክረምቲ'ዩ ኮን ዶኾን ናብኡ ሸተት ኢሉ ኣትዩ ይኸውን? ኣደይ ትሓምም ከም ዘላ ስለ ዝፈልጥ ንሽረ ምስ ከደትዶ ደድሕሪኣ ከይዱ ይኸውን? እየ ዝበልኩ እምበር ወደይ ክጭወ እዩ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰበኩን፡" ትብል። ዮርዳኖስ ካብ 22 ሓምለ ክሳዕ ወጋሕታ ወዳ ዝርከበሉ መንገዲ ክተናዲ እያ ሓዲራ። ምስ ወዳ ኰይና ዝተስኣለቶ ኣሳእል ናብ መሓዙታን ስድራኣን ሰዲዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ሰብ 'ቈልዓ ዝረኣኹም ዓይንኹም ይብራህ' እናተባህለ'ዩ ሓዲሩ። ድቃስ ለይቲ ስኢና ዝሓደረት ዮርዳኖስ ንጽባሕቱ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 3 ግን ሓደ ዘይትፈልጦ ቍጽሪ ተደዊልዋ። "ብኢሞ ማይ ብላክ ዝብል ሽም ዘለዎ ግን ድማ ቍጽሩ ዘይርአ ናይ ሽጉጥ ስእሊ ፕሮፋይል ብዝገበረ ተደዊሉኒ። 'ዮርዳኖስ ዲኺ?' ይብሉኒ እወ ይብሎም። 'ቈልዓ ከም ዝጠፍኣኪ ብፈይስቡክ ተዘርጊሑ ኣሎ እሞ ወድኺ ኣይጠፈአን'ዩ፣ ኣብ ማይ ጸብሪ ኣብ ኢድ ሽፍታ'ዩ ዘሎ። ገንዘብ እንተ ኸፊልኪ ግን ክልቀቕ'ዩ' ይብሉኒ፡" ክትብል እቲ ዝነበሮም ዝርርብ ተዘንቱ። ንሳ'ውን እንቋዕ ደኣ ወደይ ናብ ዒላ ኣይኣተወ እምበር ደሓን ገንዘብ እንተዀይኑ ድሌትኩም ገንዘብ ክሰደልኩም ከም ዝበለቶም'ያ እትገልጽ። እቲ ዝሓቱዎ መጠን ገንዘብ ክልተ ሚልዮን ከም ዝዀነ ድማ ይነግርዋ። እቲ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከም ዝዀነ ነጊራ ምስ ኣቦ ወዳ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ከም ዝተዘራረበትን ኣቦ ወዳ'ውን 'እቲ ዝሓተትዎ ገንዘብ ብዙሕ ስለ ዝዀነ ክንክዩላ ክትሓቶም ነጊሩዋ። ዮርዳኖስ ምስቶም ጨወይቲ ኣካላት ብዝገበረቶ ዳግማይ ዝርርብ መጠን ገንዘብ ናብ ሓደ ሚልዮንን ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕን ኣውሪዶሞ። ናይ ወዳ ቪድዮ'ውን ሰዲዶሙላ። ወዳ 'ኣደይ ገንዘብ ለኣኽሎም ምእንቲ ክለቁኒ እናበለ ናብ ሓደ ጫማኡ ጥራይ ዝርአ ሰብ ከይዱ ክሕቆፎ የርእየኒ፡" ትብል። ሓሙስ መዓልቲ 600,000 ብር ናብ ሕሳቦም ከም ዘእተወትሎም እትገልጽ ዮርዳኖስ፡ "ሓደራኹም ወደይ ከይተጥምዩለይ መሊአ ክሰደልኩም'የ ኢለዮም ተፈላሊና፡" ትብል። እንተዀነ፡ ምሉእ ለይቲ ካብ ኢንተርነት ጠፊኦም ስለ ዝሓደሩ ተጨኒቓ ውዒላ። ዓርቢ ናብ ኢንተርነት ኣትዮም 'ዋላ ሓደ ሚልዮን ክንገብረልኪ እቲ ዝተረፈ 400,000 ኣእትውልና' ከም ዝበልዋን ይዅን'ምበር ብህይወት ከም ዘሎ ኣምሲሎም ኣቐዲሞም ዝቐድሕዎ ድምጺ ይልእኹላ ከም ዝነበሩ'ያ ተረዲኣ። እቶም ጨወይቲ ንናኦድ ወዳ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ቀቲሎሞ ከም ዝሓደሩን ዝተረፎም ገንዘብ ንምውሳድ ይደራደሩ ከም ዝነበሩን ድሒራ ዝተረደአት ዮርዳኖስ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ዓዲ ክትመጽእ ከም ዘለዋ ተነጊግርዋ። ንሳ ናብ ዓዲ ክትመጽእ ዝተደለየሉ ምኽንያት ሬሳ ወዳ ካብ እንዳባጉና ናብ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዘውጽእ መገዲ ብተለምዶ 'እንዳ ክሬቸራት' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ ቱቦታት ተደርብዩ ብጓሶት ስለ ዝተረኸበ እዩ። ንወዳ ብኻራ እናፈራርሑ 'ኣደይ ከይቀትሉኒ እቲ ገንዘብ ልኣኽሎም' ኢሉ እናተዛረበ ዘርኢ ቪድዮ ብኢሞ ይሰዱላ ምንባሮሙን 'ኣብ ዝሓጸረ ግዜ 400,000 እንተ ዘይሰዲድኪ ወድኺ ዘይክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ' ኢሎም ብሓይለ መልጢ ከም ዘፈራርሕዋን ተዛሪባ። ናኦድ ወዳ ከም ዝተቐተለ ዘረጋገጸ ስድራ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ስደት ኰይና ሞት ወዳ ከይትርዳእ ካብ ዝብል ሓልዮት 'ንነቶም ሰባት ገንዘብ ከይትሰድሎም ስቕ ኢልኪ ትኬት ቈሪጽኪ ዓድኺ እተዊ' ከም ዝበልዋ ትዝክር። ናብ ዓዲ ክትኣቱ ኣብ ምድላዋት እንከላ ግን ኣስከሬን ወዳ ኣብ ውሽጢ ቢንቶ ተደርብዩ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ርእያቶ። "ስእሊ ኣስከሬን ወደይ ኣብ ፈይስቡክ ተዘርጊሑ ሰብ ጽንዓት ይሃብኪ እናበለ ክጽሕፈለይ ምስ ጀመረ ውነይ ስሒተ ወዲቐ፤ ካብኡ ሰብ ተኣኪቡ ኣረጋጊኦም ናብ ዓደይ ኣሰንዮሙኒ፡" ብምባል ነቲ ሽዑ ዝነበረ ካብ ሕልናኣ ፈጺሙ ዘይክወል ህሞት ትዝክሮ። ዮርዳኖስ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ ሬሳ ወዳ ካብ መቐለ ናይ ኣስከሬን ምርመራ ተገይርሉ ናብ ሽረ ስለ ዝኣተወ፡ "ናብ ሽረ ምስ ሬሳ ወደይ ተመራሪሒና ኢና ኣቲና። ኣብ ቀብሪ ወደይ ውዒለ፡" እናበለት ነዊሕ ናይ ሓዘን እህህታ ኣሰተንፊሳ። ምስ ቅትለት ናኦድ ተኽላይ ብርሃነ ብዝተኣሳሰር ንሓለፍቲ ጸጥታ ከተማ እንዳባጉና ተወኪስና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ "ኣብ ጭውያን ቅትለትን ናኦድ ኢድ ኣለዎም ኢልና ዝጠርጠርናዮም ሰባት ክሳብ ሕዪ 9 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒልና ኣለና፡" ኢሎም። ቀጺሎም፡ እንተዀነ፡ ከይዲ ምጽራይና ኣብቲ ገበን ኢዶም ዝሓወሱ ሰባት ናብ ወጻኢ [ሽም ይርከብዎ ዝተባህለ ዓዲ ንቢቢሲ ዝተጠቐሰ ኰይኑ ምጥቃሱ ኣብ ምርግጋጽ መስርሕ ፍትሒ ከየተዓናቕፍ ብዝብል ዓቂብናዮ ኣለና] ዝሃደሙ'ውን ከም ዘለዉ'ዩ ዘርእየና። ስለዚ ብኢንተርፖል ተታሒዞም ዝኣትውሉ መንገዲ ነናዲ ከም ዘለና ከነረጋግጽ ንደሊ፡" ክብሉ ይገልጹ። እቶም ተጠርጠርቲ ሓንሳብ ናብ ቤትፍርዲ ከም ዝቐረቡን ጽባሕ ዓርቢ'ውን ናይ ቤትፍርዲ ቈጸራ ከም ዘለዎም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ከተማ እንዳባጉና ቈልዓ ጨዊኻ ገንዘብ ምሕታት እዚ ንፈለማ ከም ዝዀነ ዝሓበረ ሓደ ኣባል ጸጥታ እታ ከተማ፡ ኣብ ትግራይ ግን ሰባት ጨዊኻ ገንዘብ ምሕታት ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ጠቒሱ። ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ዝገበረት ግዳይ እቲ ገበን ዮርዳኖስ ጋይም፡ "ሳላ ሕብረተሰብ ቅሩብ ተጸናኒዐ ኣለኹ፣ ይዅን እምበር መንግስቲ ኣብ ዘለወሉ ዓዲ ቈልዑ ተጨውዮም ብኸምዚ ግፍዓዊ ኣቀታትላ ተቐቲሎም ምርኣይ ዘሕዝን'ዩ። ኣብ እንዳባጉና ዘለዉ ቈልዑ ናብ ድኳን እንተ ተላኢኾም 'ከም ናኦድ ክንከውን እንዲና' እናበሉ ኣብ ፍርሕን ራዕድን'ዮም ዘለዉ፡" ድሕሪ ምባል፡ ትካላት ፍትሒ ንወዳ ጨውዮም ኣብ ልዕሊ ዝቐተሉ ገበነኛታት ዘየዳግም ስጕምቲ ብምውሳድ ፍትሒ ክትረክብ ተማሕጺና። ፀብፃብ BBC News Tigrinya

About