@arcawomo:

Francois Anga Kupa
Francois Anga Kupa
Open In TikTok:
Region: BE
Friday 15 August 2025 08:14:09 GMT
986
45
9
2

Music

Download

Comments

user1275104909571
user1275104909571 :
❤️❤️❤️
2026-08-16 03:25:49
0
kabibi_16
kabibi_16 :
❤❤❤
2025-08-15 08:17:45
1
sidoniekanyangu
sidonie :
❤️❤️❤️
2025-08-15 08:31:00
1
europe55
Stainoise :
Whaouh bakoli eh
2025-08-15 10:20:18
1
filsluma
filslumafils luma :
🥰🥰 bakolli makasi
2025-08-15 13:21:36
1
solasola374
solangensonazowa :
Tokosssss ma famille ❤️❤️
2025-08-15 17:36:18
1
userjeannette1
Mamy national :
mes amours 🥰🥰🥰
2025-08-15 18:30:11
1
taty75462
taty :
🥰🥰🥰
2025-08-16 14:44:28
1
sisimaetha27_
Sisi :
🥰🥰🥰🥰
2025-08-18 14:20:36
0
To see more videos from user @arcawomo, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


"ገለ ካብቶም ዝኸበዱ ጾራት፥ ብስቕታ ዝስከሙ እዮም!" 1. ጭንቀት (Stress)፦ ኵቱር ጭንቀት ወዲ ሰብ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ንበይኑ ዝሳቐየሉ ከቢድ ጾር እዩ። ነገራት ካብ ልክዕ ንላዕሊ ሓሊፎም ኣብ ኣእምሮኻ ወጥሪ ምስ ፈጠሩ ዝኽሰት እኳ እንተዀነ፥ ጭንቀት ግን መፍትሒ ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ቅድመ-መፍትሒ ንምግባር ብዓቕምኻ ምንባር ምልማድ፡ ካብ ናይ ውድድር ህይወት ምውጻእ፡ ኲነታትካ ምቕባል፡ ብውሑዱ ሓደ ወይ ክልተ ናይ ቀረባ ሰብ ብእምነት ተዕልሎ ምህላው ከምኡ እውን ርእስኻ ብስራሕን ብስፖርትን ንጡፍ ምግባር የድሊ። ዓድና ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ብዘይምህላዉ መነባብሮ ስድራናን ቤተሰብናን ወጥሪ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ሓሲብካ ክትፈትሖ ዘይትኽእል ብተደጋጋሚ ምልዓል ትርፉ ውጥረት ስለዝዀነ ግን፥ ኣድህቦና ኣብቲ እንኽእሎን ዓቕምናን ጥራይ ንግበሮ። 2. ብዙሕ ምሕሳብ (Overthinking)፦ "ብመጠን ንበሩ" ዝብል ብሂል ቅኑዕን ኣገዳስን እዩ። ናብ ከብድኻ ዝኣቱ ብዓቐን፡ ናብ ርእስኻ ዝመጽእ እውን ብመጠን ክኸውን ኣለዎ። ካብ ዓቐን ዝሓለፈ መግቢ ንሕማም፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ምሕሳብ ድማ ንዕብዳን ምዃኑ ዘይምርሳዕ! ብዙሕ ምሕሳብ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ብዝተረደኣካ መጠን ምዕሩይነት ኣብ ኣተሓሳስባ ክትገብር ኢኻ። 3. ሕሉፍ ጌጋታትካ (Past Mistakes)፦ ሕሉፍ ጌጋታትካ ቃንዛኻ እዮም፤ ክትስዕሮም እንተዘይክኢልካ ድማ ቀተልቲ እዮም። ሕሉፍ ጌጋ ልክዕ ከምቲ እተሰመመ መግቢ እዩ—ንኣካላትካን ንስነ-ልቦናኻን ዝበከለ ስለዝዀነ ክሰዓር ኣለዎ። ዘይምርሳዕ ይከኣል እዩ፤ ምስዓሮም ግን ኣየጠራጥርን። ሕሉፍ ጌጋ ኣብ ሓደ ግዜ ዝነበረ ዛንታ ኣካል ህይወትካ ጌርካ ብምርኣይ፥ ከምቲ ዕድሜኻ ዝውስኽ ኣተሓሳስባኻ ክውስኽ ከሎ ብኻልእ ክትካእ ዝግብኦ ምዃኑ ንኣእምሮኻ ምርዳእ ኣድላይ እዩ። 4. ባዕላዊ ጥርጣሬ (Self Doubt)፦ ባዕላዊ ትንተና እቲ ዝኸፍአ ሕማም ብኣጋኡ ክእለ ዘለዎ እዩ። "ይብሉኒዶኾን ይህልዉ፧ ይሓምዩኒዶኾን ይህልዉ፧" ኢልካ ኣብ ባዕላዊ ግምት ምእታው ናብ ስነ-ልቦናዊ ሕማም ስለዝወስድ ንነብስኻ ኣብ ክውንነት ዓለም ኣንብራ። ንስኻ ኖርማል ሰብ ምዃንካ፡ ሰብ ብኣኻ እንተተዛሪቡ ድማ ከዂርዓካ እምበር ከሕምመካ ከምዘይግብኦ እመን፤ ምኽንያቱ ሰባት ብኣኻ ዝዛረቡ ወይ ትሰርሕ ስለዘለኻ ወይ እውን ተጋጊኻ ስለዘለኻ ስለዝኾነ ነብስኻ ክትርኢ ዝሕግዘካ'ዩ። 5. ፍርሒ (Fear)፦ ፍርሒ ጸረ ሰላምን ምዕባለን እዩ። ኣብ ፍርሒ ብዝነበርካሉ መጠን ጭንቀትካ ይዛይድ። ፍርሒ ብዝሓለፍካዮ ኣሰንባድን ጨካንን ኣተዓባብያ ወይ ጉዕዞ ህይወት—ኲናት፡ በረኻ፡ ሳህራ፡ ባሕሪ፡ ስደትን መንበሪ ወረቐትን—ከምኡ እውን ተስፋ ብዘቝርጽ ዕላላት ይኽሰት። ንፍርሒ እትስዕረሉ ቀዳማይ መገዲ ነገራት ብምቕባል እዩ። "ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ኣይሓልፍን" ይብሉ ኣቦታት። ከይከውን ኢልካ እትፈርሖ ነገር ደድሕሬኻ ማዕጾ እናኳሕኲሐ ስለ ዘርክበካ፥ ንፍርሒ ክትሃድመሉ ዘይኰነስ ክትገጥሞ ምስ እትኽእል ኢኻ እትገላገል። 6. ትጽቢታት (Expectations)፦ ትጽቢታት ወዲ ሰብ ዝኸፍኡ ናይ ብስጭትን ወጥርን ምኽንያታት እዮም። 50 ሂብካዮ 100 ክመልሰልካ እናተጸበኻዮ ሱቕ እንተይሉ "እዝስ ንዓይ ከምዚ ክገብረኒ!" ብምባል ደምካ ተፍልሕ። ስለዚ ካብ ሰብ ብዙሕ ኣይትጸበ፤ ወይ ለዋህ ኰይንካ ዓቕምኻ ርኢኻ ለግስ ክምለሰልካ ድማ ኣይትጸበ! ወይ ድማ ልብኻ ፈሊጥካ ሱቕ በል ኣእምሮኻ ኣይትረብሽ። 7. ጸቕጢ (Pressure)፦ ናይ መነባብሮ፡ ናይ ህይወትን ናይ ናፍቖትን ጸቕጢ ኣብ ህይወትካ ሃጓፍ ብምፍጣር ውጥረት ይፈጥሩ። እቲ ኣብዚ ክንገብሮ ዝግበኣና መከላኸሊ፦ ከም ጎረቤትና ዘይኰነስ ከም ገዛና ክንነብር ምፍታን እዩ! ብዓቕምኻ ምንባር "ኣነስ ማዕረ ክስቶ ዘይብለይ" ካብ ምባል የናግፈካ። ካልእ ክፍእ ክብለካ ከሎ "ኣጆኻ ክሓልፍ እንድዩ፡ ንስኻ እትገብሮ መን ይገብሮ" እትብል ብርኽቲ ጓል ሄዋን ኣብ ጎንኻ ክትህሉ ምግባር እቲ ዝዓበየ መድሃኒት እዩ—ነታ ጓል እውን ከምኡ! 8. ጽምዋ (Loneliness)፦ ኣብ ጽምዋ ጽቡቕ ኣሎ ሕማቕ ኣሎ። ክትጽሕፍ፡ ክትደርስ፡ ክትገጥምን ክትውጥንን ጽምዋ እቲ ዝበለጸ ቦታ እዩ—እዚ ግን ንጽሙዋ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርካ እንተእቲኻዮ ጥራይ እዩ። ጽምዋ ክመልከካ ምፍቓድ ማለት ብፍቓድካ ኣብ ክሳድካ ገመድ ምእታው እዩ! ነገራት ምርር ኣብ ዝብለሉ ግዜ ንጽምዋ ኣይትብሃጎ፤ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ወኻዕኻዕ፡ ሰሓቕን ጸወታን እዩ ዘድልየካ። ከቢድ ጽምዋ ናብ ጭንቀትን ቅትለትን ስለ ዝመርሕ እንተዘይመሊኽካዮ ኣይትእመኖ! ኣስተውዕል! "ከመይ ገይረ፡ ኣበይ፧" ብምባል ግዜኻ ኣይተጥፍእ። ክትስሕቐሉ፡ ክትልወጠሉን ክትጸናንዓሉን እትኽእል ፍሽኽ ዘብለካ ከባቢ ብዙሕ ኣሎ—ንስኻ ጥራይ ረኣዮ! -ዘፍጥረት #ዘይትግመ 👸 #ስነ_ልቦና #ጥዕና_ኣእምሮ #ኮፒሊንክ #ኣይትረስዑ

About