@yonnas29: #‼️ ሕማም ጨጎራ‼️ ናይ ጨጎራ ሕማም ብሰንኪ ምህላው ልዑል መጠን ወይድማ ዝተዛበዐ መጠን ኣሲድ ኣብ ኸስዐና ይህልው። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት ኸስዐን መሪሕ ቐጢን መዓንጣን ቑስለትን ለሓፅን ይህሉ። 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 📌 ዓይነታት ቑስለት ጨጎራ እንታይ እዮም? ሀ)ቁስሊ ኸስዐ ኣብ ኸስዐ ውሽጢ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ዝህሉ ምስንጣቕ እዩ። ለ)ቑስሊ መሪሕ ቐጢን መዓንጣ/ዶድነም ካብ ኸሽዐ ወፂኻ ናብ ቀጢን መዓንጣ ዝወስድ መገዲን መሪሕ ኣካል ቐጢን መዓንጣን ዝህሉ መቑሰልቲ እዩ። 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 📌 መንቀልቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣሲድ ናይ ከስዐ ዝውስኹ ወይድማ ናይ ከስዐ ምስ ኣሲድ ዝቕንሱ ✅ ባክተርያ ጨጎራ ምህላው ብፍላይ እዚ ኣብ መብዛሕቲኡ ሰባት ዝርከብ ኮይኑ ሄሊኮባክተር ፓይሎሪ ይበሃል። ✅ ተደጋጋሚ ፀረቓንዛ ምጥቃም ብፍላይ ድማ እቶም ኣዘውቲርና እንወስዶም ከምኒ ነንስቴሮይዳል ኣንቲ ኢንፍላማቶሪ ማለት እውን ኣይቡፕሮፌን( ኣድቪል) ን ዳይክሎፌናክ( ዲቪዶ ) ን ን ቃንዛ መገጣጥም እንወስዶ ኢንዶ ሜታሲን ይርከብዎም። ✅ ጭንቀት ናይ ኣሲድ መጠን ይውስኽ ✅ ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር ምዝባዕ ምፍጣር ኣሲድ የስዕብ ✅ ሲጋራ ምትካኽ ብምዝባዕ ናይ ምትሕልላፍ ደም ጨጎራና ክስንጠቕ ወይድማ ክቖስል ይገብር። 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 📌 እዚ ብዝተፈላለዩ ምልክታት ከርኢ ይኽእል እዩ። ን ኣብነት ድማ ✅ ምቅፃል ደረትን ኣፍልቢን ✅ ምጉሳዕ ተደጋጋሚ ✅ ምቕብቓብ ወይድማ ኣየር ምብዛሕ ✅ ምምላስ ✅ ምቕልሽላሽ/ዕውልውል ምባል ✅ ሸውሃት ምግቢ ምቕናስ ✅ ከብዲ ምንፋሕ ✅ ሕቕታ ✅ ናይ ኣፍ ሽታ ምህላው ✅ ከከም ዓይነት ጨጎራ ክብደት ምንካይ ወይድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምውሳኽ ይረኣይ 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 📌 ምርመራ መብዛሕቲኡ እዋን ምርመራ ጨጎራ ብምልክታት ኮይኑ ነገር ግን ✅ ምርመራ ባክተርያ ላብራቶሪ ✅ ምርመራ ውሽጠ ጨጎራ ብ ካሜራ ኢንዶስኮፖ ✅ ምርመራ ሃፋ ጨጎራ ባክተርያ ✅ ምርመራ ቑንጣር 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹🔹 📌 ሕሙማት ጨጎራ ክገብርዎም ዝግባእ 1. ቀቁሩብን በብግዚኡ ምብላዕ 📌 እዚ ምቕብቃብን ምጉሳዕን ይቕንስ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ጨጎራ ስራሕ ስለዝቕንስ እዩ። 2. ሓያል ዝኾነ ቅመም ዝበዝሖ ምግቢታት ምቕናስ 📌 ዘይቲን ስብሒን ዝበዝሖ ሓዊስካ ሓያል ቅመማ ቕመማት ንጨጎራ ጠንቂ እዮም። 3.በሊዕካ ዘይምድቃስ 📌 ብውሑድ ቅድሚ ምድቃስ ክልተ ሰለስተ ሰዓታት ኣቀዲምካ ምብላዕ የድሊ 4. እኩል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር 📌 ብ ማእኸላይ ን 30 ደቒቕ ኣብ መዓልቲ ብምግባር ምሕቓቕ ምግቢና የስተኻኽሎ 5. ኣሲድ ዘምፅኡ ምግቢታት ምቕናስ 📌 ኮሚደረ ፥ ናይ ሲትረስ ፍሩት ዝበሃሉ ከምኒ ኣራንሺ ፡ ሎሚን ዝበሉ ምግቢታት ምቕናስ 6.ጭንቀት ምውጋድ 📌 ብዝተኽኣለ መጠን ጭንቀት ምቕናስ ካብ ሕማም ጨጎራ ሓዊሱ ብዙሕ ፀገማት ይናግፍ። መፅናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ካብቶም ጭንቀት ዘውግዱ ፍቱን ኩነት ሓደ እዩ። 7.ምግቢ ተረጋጊእኻ ሓይካ ምምጋብ 📌 ንጨጎራና ስራሕ ኣይነብዝሓላ። 8. ምጡን መድሓኒት ፀረቓንዛ 📌 ናይ ቃንዛ መዐገሲ መድሓኒታት ካብ ንቡር ንላዕሊ ዘይምጥቃም እዚ ማለት ግና ተቐንዘዩ ማለት ኣይኮነን ። ምግቢ ወሲድካ እዞም መድሓኒታት ምውሳድ ፡እኹል ማይ ምስታይ ጉድኣት ኣዝዩ ይቕንስ። 9. ቡን ምቕናስ 📌 ቡን ምቅናስ ንሕማም ጨጎራ ይቕንስ። 10. ኣልኮል ምቕናስ 📌 ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ኸስዐን ፀላም ከብዲን ኣዝዩ ሃሳዩ ዝኾነ ኩነት ይፈጥር። 11. ትኪ ምውጋድ 📌ኸምኒ ሲጋራ ሺሻ ዝበሉ ትኪታት ምውጋድ ካብ ብዙሕ ናይ ሕማም ጠንቂታት ንናገፍ።#dubai🇦🇪 #ራያ_ራዩማ🌽🌾🌽🌾 #saudiarabia🇸🇦 #ተጋሩዋኒ💊💊🙏 @@selina tdf 💛❤ @MIKE__HABESHAWII @ዓዉቼ 🔥 2 @raki queen 👸 @Asmeret kahsay @MODEL RODAS MIZAN

ዮናስ☀
ዮናስ☀
Open In TikTok:
Region: KE
Tuesday 16 September 2025 20:14:33 GMT
1581
64
9
15

Music

Download

Comments

l393153
ለይላ ነኝ የሙሂቦች ወዳጂ💚 :
መልካም እድል እህት ወንድሞቼ ተጠቀሙበት 👌
2025-10-01 10:46:36
0
edi.gid
ወዲ 70 የሓራ ልጅ ምድራዊ ንጉስ 🇪🇹🇵🇱 :
መልዐሊኡ
2026-05-05 09:18:01
1
elianayonas3a
trhas :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2025-09-29 19:39:39
0
edenfkr5
ጓል እገላ❤💛 💙💙 :
😭
2025-09-17 00:48:56
1
danielbest31
dani123 :
🥰
2025-09-28 19:49:21
0
mllenmil
➺ጓል ሽረ🔰🤘🤙 :
❤❤❤🙏🙏
2026-01-18 01:15:41
0
kdist890
kdist :
🥰🥰🥰
2026-03-29 13:06:39
0
To see more videos from user @yonnas29, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About