@redloud.raw: Friday ride #bmw #bmwmotorsport #ride #r1250gs

Gau meo
Gau meo
Open In TikTok:
Region: VN
Friday 03 October 2025 06:52:40 GMT
290
11
4
1

Music

Download

Comments

kienn725
Kienn :
bảnh
2026-06-21 08:32:32
0
hoangyennee_22
Hoàng Yến :
Bảnh quá bác iu ơi
2025-10-03 09:39:42
1
dngvink
duongvink thợ ảnh mê xe :
Hẹn hò mảnh thật
2025-10-04 04:45:40
0
To see more videos from user @redloud.raw, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኣደ፤ እታ ንምኽኣል ክትክእል እተፈጥረት ፍጥረት! ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ብዛዕባ ኣደ... ኪኖ ምኽኣል እትክእል፡ ንምኽኣል እተፈጥረት፡ ካብ ኵሎም ፍጡራት ዝመሳሰላ ዘይረኸበት። ንጸገም፡ ንምረት፡ ንቓልሲ፡ ንዓወት... ንዅሉ ትኽእሎ። ንንኡስ፡ ንዓቢ፡ ንርሑቕ፡ ንቐረባ... ንዅሉ
ኣደ፤ እታ ንምኽኣል ክትክእል እተፈጥረት ፍጥረት! ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ብዛዕባ ኣደ... ኪኖ ምኽኣል እትክእል፡ ንምኽኣል እተፈጥረት፡ ካብ ኵሎም ፍጡራት ዝመሳሰላ ዘይረኸበት። ንጸገም፡ ንምረት፡ ንቓልሲ፡ ንዓወት... ንዅሉ ትኽእሎ። ንንኡስ፡ ንዓቢ፡ ንርሑቕ፡ ንቐረባ... ንዅሉ "ኣሎኹ" ትብሎ። ፍቕራ ዓቢ መዘና ዘይብሉ፡ ለውሃታ ነባሪ ኣምሳያ ዘይርከበሉ። ንሓፍቲ፡ ንኣደነት፡ ንጐረቤት፡ ንምሕዝነት... ኣብ ኵሉ ምልእቲ። ንስራሕ፡ ንጻዕሪ፡ ንኒሕ፡ ንሓቦነት... ዘይብላ መዳርግቲ! ንሰላም፡ ንቓልሲ፡ ንዕቤት ንትምህርቲ... ኣብ ኵሉ ንፍዕቲ። ንብልሒ፡ ንጥበብ፡ ንምስትውዓል፡ ንትዕግስቲ... ዘይብላ መሰታ፤ ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ከተማ፡ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጫካ ተግህድ መንፍዓታ! ንሓዳር፡ ንፍቕሪ፡ ንኣደነት፡ ንጉርብትና... ኣብ ኵሉ በዓልቲ ዝና፣ ጽላል ገዛ፡ መብርህቲ ስድራ፡ ሓበን ናይ ስድራቤትና። ኣደስ ትጽናሕ ደኣ ዕድመ ይሃባ፤ መሊሳ ትንበረልና! ትንበር እወ! • መታን ክጥዕመና... ህይወትና ክምቅር፣ • ክማሙቕ ቤትና... ደቅና ክሕንቅቁ "ዓባየይ" ክብሉ፣ • ኣብ ቅርዓት ቤታ... ብሓጎስ ክዘሉ። ክንሕጎስ፡ ክንስሕቕ፡ ምልኣት ክረክብ ፍቕርና፤ በብዝወፈርናዮ ክንምለስ ናብ ዓድና፣ ሞሶብናስ ይሃልዎ ደኣ ኢድ ወላዲትና! ትሃልወልና እወ ዛእ ምንጪ ህላዌና፤ ክጥዕመና ክሓምቀና ብቖላሕታ ዓይና ተለልየና! ኣይጥዑምን እዩ ህይወት... ኣደ ዘይብሉ፣ ኣይመልእን እዩ ሓጎስ... ወላዲት ዘይትሕወሰሉ፣ ኣብኣ እዩ መቐረት ምሉእነት ናይ ፍቕሪ፣ ምስኣ እዩ ዝርከብ ናይ ህልውናና ክብሪ። ንሳ እያ ነቲ ሃጓፍ እትመልኦ፤ ንሳ እያ ንምንባርካ እተጸብቖ፤ ናታ ህላዌ እዩ ንቤትካ ዘማምቆ! ተጠቐመላ ሕጂ ከላ ምሳኻ፤ ኣስተውዕለሉ... ብዘይ ብእኣ ትርጉም ከምዘይብሉ ህይወትካ! ኣለልዮ ስርሓ፡ ኣስተማቕሮ ህላውነታ፤ ምስ ከደት ኣይትመልሳን ኢኻ ብብኽያት ብዋይዋይታ!!!!! እዚ ቁርብ ብዛዕባ ኣደ ክንብሎ ንኽእል እዩ። ኣደን ውዕለታን ኪኖ ብርዒ ቃላትና ስለዝዀነ፡ እቲ ልቢ ዝጸሮን ኣእምሮ ዝፈልጦን ብዙሕ እዩ። ኵሉ ነቲ ዝስመዓና በሃልቲ ስለዘይኰንና ግና፡ በቲ ቁሩብ ንምባል ኢና ኢልና ዘሎና። ንስኻትኩም ውን በቲ እትኽእልዎ በሉ! -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ወላዲት #ኣደ

About