@hilinatadese: ✍️ደብዳበ ፍቕሪ✍️ ካብ ንላለ ጅምሩ ። ዘይፈልጦ ስምዒት ክስምዓኒ ጀሚሩ ኣሎ ።ኣንፈቱ እኮ እንተ ዘይነጸረለይ ። ጋሻ ስምዒት ግና ኣብ ልበይ ተወሊዱ ኣሎ ። ኣብ ሓሳበይ ዝመላለስ ኣብ ኣእምሮይ ሰፊሕ ቦታ ሕዙ ኣሎ ። ግና ፤ ከም ሰብ ካብ ዝፍጠር ከምዚ ዓይነት ሃንደበት ኣብ ልበይ ዘሸግረኒ ኣይተኸስተን ። ንዓቕለይ ንስምዒተይ ዝፈታትን መድረኽ'ከ ከመይ ዝበልዎ ፡ ኣጋጣሚ ነሩ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ከስተብህል ኣብ ዝፈተንኩሉ ። ከምቲ ደበና ኣብ ሰማይ ብቕርጺ ደበና ፣ ዝተፈላለዩ ምስልታት ዝስእሉ ። ኣነ ውን ነቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ ኣብ ሕጂ ምስልታት ክፈጥረሉ ኣብ ዝፈተንኩ ። ቀያሕ ቆልዓ ፉሩይ ዓይና ጥራይ ኣብ ኣእምሮይ ይማላለሰኒ ኣሎ ። ሓደ ሓቂ እባ ረሲዕ ፤ ከናሪ ዝኮነ ድምጽኪ ውን ብእዝነይ ሓሊፉ ናብ ልበይ ፈሲሱ ነሩ ። እዚ ውን ካብቲ ዝነበረ ሃሳስ ስእሊ ኣእምሮይ ናይ ትማሊ'ዩ ። ፍቅሪ ብዘይ ኪናት ምምራኽ ኢድካ ምሃብ : ብፍታው ምስዓር ካብ ኣነ ምስንባት : ምስዋርን ናብ ናይ ካልኦት ዓለም ምስሊ ኣቲኻ ምልዋጥ’ዩ። ካብተን ዝተላለናላ ዕለት መሳኺ ኮፍ ኢለ ዘዕለልኩላ ፤ መዓልቲ ከመ ዝጸድቕኩ ገረ ኢየ ዝሓስቦ ። ኩርበል ማዕጾ ገነት ዝኽፈት እንተ ኮዩኑ ፣ ንስኺ ድማ ማዕጾ ልበይ ክትከፈትን ክትዓጽውን ፈቂደልኪ ኣለኹ ። ግደ ሓቂ እንተ ተረዲኡኪ ማዕረ ክንደይ ኣሲርክኒ ከመ ዘለኺ ተረድእለይ ፤ ዝኣሰረ ኽፈትሕ ግድን ኢዩ’ሞ ሓዳራኪ ኣይትረስዕኒ ። ሓይሊ መንፈስ ፍቕሪ መዓስን ኣበይናይን ኢዩ ዝኽሰት ። ከመይ ኢሉ’ዩ ናብ ልቢ ዝሓልፍ ። ስለምንታይ ከምኡ ምካኑ ግና ኣይርድኣንን’ዩ ። ንስኺ መምህር ኣነ ተምሃራይ ኣለኹ እሞ ኣርድእኒ ። መንፍስ ከይብለኪ ከም ሰብ ተራኣይ ፤ ሰብ ከይብለኪ ልዕሊ ሰብ ኮዩኑ ሓይሊ መንፈስኪ ። እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን መልሲ ዘለዎ ሕቶ ተሰኪመ ከም ዘለኹ ግና ተረድእለይ ። መልሲ ናይ ሕቶይ ግና ምሳኺ ኣሎ ። Fili.tadese
ሕልና.143🇪🇷
Region: NL
Tuesday 28 October 2025 06:08:38 GMT
Music
Download
Comments
Hagos Mesele :
Wonderful 🥰
2026-02-07 08:41:29
1
Natu @natu🇨🇦🇪🇷🇨🇦 :
🥰🥰🥰👌👌👌
2025-10-29 22:19:29
1
ሕልሚ ወጋሕታ🙇♀️ :
❤❤❤
2025-10-28 18:27:40
1
Asmirey 🇪🇷❤️🇪🇷🔐 :
🥰🥰🥰👌👌👌
2025-10-28 07:15:45
1
Ermias :
🥰🥰👌👌👌👌👌👌
2025-10-28 07:29:12
1
To see more videos from user @hilinatadese, please go to the Tikwm
homepage.