@semusemuw: #_ *መንፈሳዊ ዛንታ 1ይ ክፋል🪴*_ ➢ናብ ኣቦና ኢየ ዘምርሕ ኔረ ካብቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝጀመርኩሉ እዋን ኣትሒዘ ብዙሕ እየ ተማሂረ ። እዋኑ ስለ ዝኣኸለ ከኣ ነቶም ንኣቦና ክረኽቡ ድሌት ዘለዎም ወገናት ብዛዕባ’ዚ መንፈሳዊ እንታይ ይመስል ፥ ከመይ ጌሮም ምስ ክርስቶስ ቀጻሊ ርክብ ይምስርቱ ክነግሮም እሞ ብድሕሪኡ ኣቦና ብሰፊሑ ክገልጹሎም ምስ በሰልኩ ግን ባዕለይ ከረድኦም ሓላፍነት ከም ዘለኒ እዮም ኣቦና ተላብዮምኒ ። ከም ጀማሪ መጠን እምበኣር ንሓደ ብጻየይ ብዛዕባ ዝጀመርክዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ የዕለልክዎ ንሱ ውን ከማይ ክጅምር ድሌት ከም ዘለዎ ምስ ሓበረኒ ናብ ኣቦና ተማላእክዎ እዚ ብጻየይ ኣዚዩ ጥዑይን ትሑትን ሰብ’ዩ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግን ሕማቅ ኩነታት ኣጋጠሞ እሞ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ግን እንዳ ተጸየቀ መጸ ናብ ወልፊ ናብ ሕማቅ መንገድን ከኣ ኣምረሐ ብሓንሳብ ስዲ ሰብ ተቀየረ ክፈረዶ ኢለ’ኳ እንተዘይኮንኩ ባዕሉን ብጾቱን ዝምስክርሉ ሓቂ እዩ ብሰንኪ ሕማቅ ሽሙ ከኣ ቤተክርስትያን ገደፎ ዝገርመኒ ግን ምስኡ ኮፍ ኢልካ ኣብ ተዕልለሉ እዋን ገርሂ ናብ ክርስቶስ ተመሊሱ ርጉእ ሂወት ክነብር ክቱር ድሌት ዘለዎ ሰብ ኢዩ ። ከመይ ጌሩ’ሞ ይመለስ ?! ሰኣን ዓቕሊ ኩሉ ሰብ’ዳ ነጸሎ ?! ሕማቅ ቃል ምዝራብ ብሓንሳብ ደዉ ኣቢሉ ክልወጥ ኣይከኣለን ንከጥርዮ ዓመታት ዝወሰደሉ ሕማቅ ልምድታት ኣብ ደቃይቅ ከጥፍኦ ኣይከኣለን ክንደይ ግዜ ፈቲኑ ኢዩ ዉን ግን ኣይተዓወተን ። ሓደ ሓደ እዋን “ ተዓርየ ሓድሽ ሰብ ኮይነ’የ “ ክብል ትሰምዖ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ግን ናብ ዝነበሮይምለስ ተስፋ ይቆርጽ ምስ ነብሱ ይበኣስ “ እዋይ ኣነስ ትርጉም ዝበሃል ዘይብለይ “ ንምንታይ’የ ዘይቀጸልኩ ይብል ፡ ንሓንሳብ ከኣ እዞም ናይ ቤተ ክርስትያን ሰባት መናፍቃን’ዮም ለውጢ ትበሃል የብሎምን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ከምዛ ጥዑያት የገልግሉ ካብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ምስ ወጹ ግን ብቃሎም ጌሮም ሰብ ይዕንቅፉ እንታይ ዓይነት መደናገርቲ ሰባት’ዮም ዳ በለ ተስፋ ዘቁርጽ ዘረባ ይዛረብ ። ሓንሳብ’ውን ምስ ነብሱ መብጽዓ ኣቲዩ መንፈሳዊ ጉባኤ ተሳተፈ ናይ ብሓቂ ንስሓ ንሰብ ናብ ሓጢኣት ኣይመልሶን እዩ ዝብል ስብከት ሰምዐ ንሓጢኣት ብሓይሊ ክቃለሶ ጀመረ ኣብ ዝጀመረሉ ግን ኣብ ሓንቲ ዝተወሰነት ሓጢኣት ብተደጋጋሚ ወዲቁ ተስፋ ቆረጸ “ እንድሕር ናይ ብሓቂ ንስሓ ናብ ሓጢኣት ዘይመልስ ኮይኑስ ኣነ ብምንስሐይ እንታይ ረኺበ ?!“ በለ ። ጸኒሑ ግን መንፈሳዊ ሂወት ቀጻሊ ጉዕዞ እምበር ሓደ ውሱን ወቅቲ ከም ዘይኮነ ምስ ተረድአ ግን መሊሱ ተተባብዐ ብዛዕባ ኣቦና ምስ ኣዕለልክዎ ከኣ ዝያዳ ተተባቢዑ ምስ ኣቦና ተራኸበ እቲ ኣነ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጀመርክዎ መንፈሳዊ ሂወት ንሱ ዉን ምሳይ ኮይኑ ክቅጽል ወሰነ ። ብሓንሳብ ናብ ኣቦና እንዳ ኸድና ብዛዕባ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጥኣን ዘለዎ ፍቅሪ እንዳ ኣዕለልና ናብ ኣቦና በጻሕና ፥ ኣቦና ክጽበዩና ስለ ዝጸንሑ ተቀበሉና ፥ ኣነ ከኣ ካብ ኣቦና ፍቃድ ወሲደ ንበይኖም ከዕልሉ ገደፍክዎም ። ...ይቅጽል''🔰#✝️❤️✝️❤️✝️❤️✝️❤️ #✝️❤️ #✝️ #CapCut
ሳሙ👸💊ፊደለይ🫶ኢኪ💝ድንግለይ🫶✝️
Region: SA
Saturday 01 November 2025 01:35:36 GMT
Music
Download
Comments
(Chaይና)❤️ :
ቃለ ሂወት የስመዓልና ብጣዕሚ መሓሪት እያ መቀጸልታ ብሃረርታ ይጸበ ኣለኩ ትቐጽለልና 🙏❤
2025-11-01 10:14:16
1
never give up :
🥰🥰ቀጽሎ/ዮ🥰🥰
2025-11-01 09:06:03
0
Yoni Teklit :
may god bless you that's amazing and very informative keep it up
2025-11-01 05:22:28
0
𝐄𝐅𝐈 𝐖𝐄𝐃𝐈 𝐒𝐇𝐈𝐑𝐄 23 :
❤❤❤❤❤❤❤❤
2025-11-02 05:57:45
0
ዕባይ መነኮ ወዲ እስኪሓስ :
🙏🙏🙏❤️❤️❤
2025-11-01 17:02:23
0
ሊዱ ፈታዊት ኣዶዋኣ :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2025-11-01 05:05:05
0
meda Yemane :
🙏🙏🙏
2025-11-03 01:09:08
0
To see more videos from user @semusemuw, please go to the Tikwm
homepage.