@userb34jukva3r: ልዕሊ 20 ድዩ ዕድሜኻ? መልሰለይ?😊 እንድሕር ሙልእ ዘይተንብቦ ... ክተንብብ ኢልካ ከይትጅምሮ ኣቋርፅ🛑 - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - - 1. ልዕሊ 20 እንድሕር ኮይኑ ዕድሜኻ... ገለ ነገር ክብለካ! ኣብዚ ሎሚ ግዜን ብወለድና ዝሓለፈ ግዜን ነንበይኑ እዩ! ነንበይኑ ክገብሮ ዝኸኣለ ከኣ ስዓቱ ደኣ ሓደ ዓይነት ይኹን እምበር እቲ ምዕባለ እቲ ቴክኖሎጂ ብጠዓሚ እዩ ዝፈላለ። 2. ስለዚ ከመይ ኣለኻ ግዜኻ ብኣግባቡ ዶ ትጥቀመሉ ኣለኻስ ወይ ቁልዕነትካ ኣይወዳእኻን... ኣብ እንዳመስተን ሆይሆይታን ኢኻ ትሕልፎ ኣለኻ? እስኪ ንነብስኻ ሕተታ ንእከለ ጀንጀንክዎ ንእከለ ገበርክዎ ንእከለ ዓፀኽዎ ገለታት እናበልካ ዲኻ ግዜኻ ትሕልፎ ዘለኻ? እስኪ ደጊምካ ንነብስኻ ሕተታ ንቡዝሓት ኣዋልድ ምውፅእ ሽግራ ምትካኽ ፈቀድኡ እናዳ ሽሻ ምኻድ ከም ጅግንነት ቆፂርካዮ ግዜኻ ኣብኡ ዲኻ ተጥፈኦ ዘለኻ እስኪ ንነብስኻ ሕተታ? 3. ቀደም ወለድኻ ንዓኻ ክዕብዩኻ ከለው ብቁልዕነቶም ተመርዕዮም ሓዳር ገሮም ብኹንያትን ገለን ፈቀድኡ ሽንጥሮን ገለን እናተጓየዩ እናሓረሱ እናፅሃዩ ብጥሜት ከይተሰኮኑ ናብዚ ዘለኻዮ ደረጃ ኣምሂሮም ብፅቡቅ ገሮም ይዕብዮምኻ! ሓቀይዶ ወይስ ተጋግየ? እስኪ ንነብስኻ ሕተታ! ንስኻ ሎሚ ወዲ 20 ዓመት ሓሊፍካ ኣብ ከመይ ዝበለ ሂወት ኣለኻ? እስኪ ንነብስኻ ሕተታ... ምስቲ ሓድሽ ምዕባለ ምስቲ ቴክኖሎጂ ዶ ትጓዓዝ ኣለኻ. ከምቶም ከርተት ኢሎም ዝዕቦይኻ ወለድኻ ከምኦም ኢልካ ንኸይትሓልፎ እዚ ግዜ ብንእሽተይካ ከለኻ ትሰርሕ ዶ ኣለኻ? እስኪ ንነብስኻ ሕተታ! 4. በል ሓደ ነገር ክብለካ እየ። እዚ ግዜ እዚ ብኣግባቡ ተዘይተጠቂምካሉ ብጠዓማ ከቢድ እዩ። ንፈጣሪኻ ኣምስጊንካ ብኣግባቡ ተጠቂምካሉ ኣብ ስራሕኻ ትውዕል ትሓድር ተሃሊኻ ግን ብጠዓሚ ቀሊል እዩ። ንቀፃሊ ከኣ ፅቡቅ ዝኾነ ናብራ ከምትነብር እመን። በተለይ በዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ተጠቂምካ ቡዝሕ ፅቡቅ ነገር ክትሰርሕ ኢኻ። ጥራሕ ተበገሰሉ። 5.ቀፂለ ምስ ፈቀድኡ ኣጓላት ምውፃእ ኣብዘይቦታኻ ኣብ ፀርፍታትን ኣብ መስተን ገለን ከይትርከብ ቁልዕነት ከቢድ እዩ። ንኻልእት ተታልል ዘለኻ መሲልካ ንነብስኻ ከይተታልል ሓደራኻ ተጠንቀቅ። እዚ ግዜ ግዜኻ እዩ ሂወትካ ከይተበላሹ። ብዝግባእ ተጠቀመሉ። ከምቲ ስድራኻ ኩሉ ግዜ ናትካ ፅቡቅ ነገር ክሪኡ ንጉሆን ምሸትን ፀሎት ዝገብሩ ንስኻ ከኣ ሙልእ ሓጎስ ናይ ልቦም ኣስምረሎም። ንባዕልኻ ተለዊጥካ ነቶም ከርተት ኢሎም ዝዕበዩኻ ስድራኻ ለውጦም። ስድራኻ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ንዓኻ ይዕብዮምኻ ንስኻ ኢኻ ሎሚ ሰብ ኮንካ ንዖኦም ክትኮኖም ዘለካ። ፃዕዳ ነፀለ ተኸዲኖም ቤተክርስቲያን ንኽስዕሙ ንስኻ ኢኻ ክትድግፎም ዘለካ። ኣጆኻ ንስኻ ማለት ኩሉ ነገር ትኽእል ጠንካራ ኢኻ። ዘይሓልፍ ፀገም የለን ጥራሕ ንስኻ ኩሉ ከምትኽእል እመን ተመሃር ኩሉ ግዜ ተመሃር ሕሰብ ቡዝሕ ኣይትዛረብ ቡዝሕ ፅቡቅ ነገር ክትገብር ግን ፅዓር። ንስኻ ትኽእል ኢኻ። በቃ። ልዕሊ 20 ዝኾነ ዕድሜኹም። እስካዕ ኣብዚ ተንቢብኩሞ Like Share ግበርዎ ኩሉ መንእሰይ ክመሃረሉ። ፎሎው
ኣሙ ጎል ትግራይ
Region: SA
Thursday 20 November 2025 18:04:20 GMT
Music
Download
Comments
king king @❤👌✌ :
ማነዉ አንደነ ጨርሰዉ ያነበበዉ✌🙏
2025-11-21 03:41:03
362
kafu Gezae :
ብጣዕሚ ደስ ዝብል ምክሪ ኣነ ደስ ኢሊኒ እስቲ ከምዝከማይ ደስ ዝበለኩም 🙏🙏🙏
2025-11-21 07:20:47
175
merlin :
ኣሕሕ እንታይሞ ይግበር ኣብ ከብድ ሓጥያትንዶ ወድቐ😭😭😭😭😭ማርያምን ካብዚ ዘለኹዎ ከብድ ሓጥያት ክወፅእ በዝኻኣልኩመሞ ፀሉዩለይ 🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2025-11-22 18:41:14
75
መቅደስ 💊እንደርታዊት tdf :
ኣነስ ብስንኪ ወዲ ሂወተይ ተበላሺዩ 😥ወዲቀ ኣይወድቅን ግን ኣምላኽ ይመስገን ፅቡቅ ኣለኹ ኣብ ዕላማይ ኣለኹ ናብ ወዲ ብዝቀረብክዎ ስዓት ችግራት ይደራረበኒ ስለዚ በይነይ መሪፀ ዕላማይ ክሳዕ ለሳኽዕ 🙏😥
2025-11-25 00:30:14
25
የእሜቤቴ ወዳጅ🙏🙏🙏 :
ኣሕዋተይ ኣብ ሕማቅ ኣለኹ ፀልዩለይ🙏🙏🙏🙏😢😢😢
2025-12-01 19:34:00
17
yordi 🦋 Love💋💎 :
ደስ ባሃሊ ምሁሮ እዩ ሙሉእ ኣንብብዎ👍👍👍
2025-11-20 20:53:20
46
gojo BEቸኛA :
ብጣዓሚ ደስዝብል ትምርቲ እዩ ግን ኣሞንግኡ ሓሪቀ እየ ምኽናያቱ ኣነ ወድ 23 ዓመት እየ ናይ ባዕለይ ሃሩፉ ማኪና ኣላትኒ ግን ሕማቓት ኣዕርኽቲ ኣለውኒ ምኽኒየቱ ናብ ዳመስተ ብቻ እዮም ዝሙረሕኒ ናብ ዳሽሻ ብቻ እዮም ዝ
2025-11-21 17:11:34
8
አሹ የራያዉ ኩሩ የማይጨዉ ልጅ 🇪🇹🇪🇹👑 :
ደስ በሃሊ ምኽርኪ ታይ ዲየ ግን ክብል ደልዬ አነ ወዲ 24 ዓመት ኢየ ምንም ጭላንጭል ተስፋ አይረአየንሎን ሂወተይ ሙሉእ እዩ ፀልሚቱኒ ሱስ ገለ የብለይን ግን ሂወት አይከአልክዎን ብበዝሒ ጭንቀትን ምሕሳብን አእምሮይ ስራሕ ዘቃረፀ ይመስለኒ ሐዚ ብደመ ነብሲ እየ ዝነብር ለለኹ ሓደ ሓደ ዉሳኔታተይ ንቀፃሊ ሂወተይ አብ ስቃይን መከራን ከእትወኒ ይኽእል እዩ ተስፋይ ተፀንቒቑ እዩ አምላክ ሂወት ቀያሪ እዩ ክቅየር ይኾን ዶ እንድዕይ ብቻ ብዝኾነ ተኺኢልኪ ተገዲስኪ መልስለይ የቀልየለይ ሓፍተይ ናተይ መዓረይ 🙏🙏🙏
2025-11-24 19:02:46
12
Gigi :
አሕ ብሰንኪ ወያነ ጎዶሎ ኣካል ዝኾና ከግን💪💪💪
2025-11-27 09:37:22
11
ሽሻይ ምስ በልኩ እንድየ🖤💔 :
ኣብ 15ዓመተይ ተሰዲደስ ኩሉ ምካን ኣቢኒ 💔💔💔ሐዚ 18ገረ ታይ ምግባር ይሕሸኒ 🖤😭😭😭😭😭😭ግፍዕንመከራን ኮኑ ትርፈይ 🖤🖤
2025-12-01 23:31:23
2
ምገኩሕ ወዲ ግዜ :
ብዝቀደመ ተመሰገን ብውላደይ 👏ግን ሰደት ካብ ዝወፅአ 4ዓመተይ አብዓዲ ሰላም ሲአነ ተሰዲተ አብ ሰደት አውን የ ጥዕይ ሰራሕ ረኪበ የ ንሰበይ ኮይነ የ ሓዳረይ ገይረ አጋጉል ጠፊአ ግዘይ ሰባአየይ መግረፍቲ አብዚሑለይ ሐዚ ሰደት መሩሩኒ ጭንቀት ኮይኑ ሰረሐይ ግን ሓደ ዝአመን ሰብ ሲአነ 😥😥ኩሉ ካሓድየይ ኮይኑ 😥ህወት ግን ምንባር ትግፅል😥😥😥😥😥😥😥
2026-01-10 02:14:09
2
desnet :
ብጣዓሚ ደስባሃሊ ሓሳብ እዩ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳኣታ ኣንብቡዎ
2025-11-21 06:02:51
10
ትግራወይቲ💪💊 :
ኣንቢበዮ መንእሰያት ጋል ንኩን ወዲ ዳይ ናብ ለዉጢ🙏🙏🙏
2025-11-21 00:51:57
12
(🦋)℘ጓልቶም ዓቤቲ👑†℘🥷🏾 :
ፅቡቅ ምክሪ እዩ😔🙏🏽ኣነ ግን---😥
2026-01-16 19:52:42
0
ፍቅሪ,, ሃሲሱ,, ጽልኢ,, ነጊሱ,,👆 :
ብዙሕ ከምዚ ንባብ የንብብ እየ ነዚኣ ዝፈሊያ ግን ካብቲ ሕማቅ ዘለኻዮ ወጺኻ፡ናብቲ ትኽክል መንገድኻ ተመለስ እያ ትብል ኣነ እኳ ኣምላኽ ይመስገን ካብ ኩሉ ናጻ እየ ። ከጽሎ ወይ ቀጽሊያ ብርዕኩም ይሰስን ወይ ሰስኒ🙏🙏🙏
2025-11-29 23:13:46
5
zakii :
እስኪ ከማይ ከየንበበ ዝተረደኦ💕💕
2026-01-17 12:27:57
3
tedi :
ብጣዕሚ ደስ ዝብል ትምህርቲ እዩ የቐንየልና ካብ ልበይ ተመሲጠ እየ ኣንቢበዮ ኣብ ተግባር ክነውዕሎ ኢና ምስ ፈጣሪ 🥰🥰👍👍🙏🙏🙏
2025-11-21 06:18:50
17
ወዲ 70 ዛና :
continue 👏👏👏
2026-01-18 10:11:42
1
ሓበሻዊት👸💙❤ :
ጋል 24 ዓመት እየ ግን ግዛይ አይተጠቀምኩልን ኢለ ይናደዲ እየ።
2025-11-21 00:01:53
2
Love yourself. 🇪🇺🔰🔰🔰 :
እንታይሞ ይግበር ኣብ ከብድ ዘመን ምዉላድና ንባዕሉ ሓጥያትና እዩ ዘርየካ ኣምላክ ባዕሉ ብ ከቢድ ሓጥያት ክወፅአና ተስፋ ንግበር🤲
2025-12-14 01:19:19
2
@𝕘𝕖𝕥𝕦 𝕠𝕛𝕚💥 :
ከማኽ ዝበለ የብዘሖዮ ዛሓፍተይ🥰🥰
2026-01-15 15:14:49
2
ፍቅሪ ጡዑም።👈🇪🇷 🥀🇧🇪 :
:ብጣዕሚ ደስ ዝብል ምክርን ማዕዳን እዩ ፈጣሪ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ይምረሐና ከም ኣታሓሳስባኺ ይግበረና ይፍጠረልና👏💒✝️💒👏🤲😥🙏🙏🙏🙏
2025-12-21 20:15:58
2
ሜሪ ሓፍቲ ሹሻይ :
🙏🙏🙏ችግርም መልእክቲእዩ
2026-01-30 16:02:09
0
ቀብራራው የተምቤን ኮሪዕዳ :
ዋው ናይ ግዜ ኣገላልፃ 10Q
2026-01-19 03:18:14
1
ግዝየ ተቀያሪ :
ለባም እኪ ብሓቂ ብርዕኪ ይሰስን ዝሓፍተይ ዝሮ ሰርሐ ንስድራይ ክግዝ ባህገ አለኒ እተኮነ ግን ሰለም ዘብሉ ዓዱ ከመይ ገረና ክንሰርሕ ካብ አድና ናብ አፍና ኮና ንወለደይ አሐጎስክወምን ባህገይ ከስመረለይ ፈጣሪ ይልምን አለኩ
2025-11-26 11:45:31
1
To see more videos from user @userb34jukva3r, please go to the Tikwm
homepage.