@tesfayabadi27: 🤰ናይ ማህጸን ኣልትራሳዉንድ(obstetric ultrasound) 🦻አልትራስዉንድ ማለት ካብ አኻላት ሰዉነትና ምስሊ ንምፍጣር ስብ ኽሰምዖ ዘይኽእል ብላዕሊ ድምፂ ብምጥቃም(high frequency sound) ዝሰርሕ ማሽን እዩ። ✏️ናይ ማህፅን አልትራሳዉንድ እንታይ ረብሓ አልዎ? ✏️ማህፅን፡ መዳሕንቲ፡ ቀሽተ አንእሽቲ፡ ዕሽልን አብዝርእዪ ዘለዉ አካላትን ንምርአይ ይጠቅም። 🫃አብ ናይ መጀመርታ ሰልስተ ወርሒ እንታይ ረብሓ አለዎ?(first trimester ultrasound) ✏️ ጥንሲ አብ ዉሽጢ ማህፅን ምኻኑ ንምርግጋፅ። ✏️ ዕድመ ዕሽል ንምፍላጥ ✏️ ብሂወት ምህላዉ ንምራአይ ✏️ በዝሒ ዕሽል ንምፍላጥ ✏️ ማህፅን ማህደረ እንቛቅህሖ ንምርአይ 🫃አብ ካልአይ ሰልስተ ወርሒ እንታይ ረብሓ አለዎ?(second trimester ultrasound) ✏️ ኣካላት ዕሸል ብዝርዝር ንምምርማር። ✏️ ጉድለት ኣካላት ዕሸል ከይህሉ ንምምርማር(brain, spine, heart, kidneys, limbs)። ✏️ መዳሕንቲ አቀማምጣ ንምርአይ። ✏️ መጠን መሐመሲ ንምርአይ። ✏️ ፆታ ንምርግጋፅ(አድላይ እንተኸይኑ)። 🫃አብ ናይ ሳልሳይ ሰልስተ ወርሒ እንታይ ረብሓ አለዎ?(third trimester ultrasound) ✏️ ናይ ዕሽል ዕብየትን ኽብደትን ንምራእይ ✏️ አቀማምጣ ዕሸል ንምፍላጥ ✏️ መጠን መሕመሲ ዕሸል ንምራአይ። ✏️ ናይ መዳሕንቲ ዕብየትን አቀማምጣን ንምርአይ። ✏️ ናብቲ ዕሸል ዝኸዱን ዝምለሱን ሰራዉር ደማት ንምርአይ። 🚫ብአልትራሳዉንድ እንታይ ፀገማት ክንረኽብ ንኽእል? ✏️ ካብ ማህፅን ዉጪ ጥንሲ። ✏️ ናይ ተፈጥሮ ፀገም ዘለዎ ህፃን። ✏️ ዉቕዒት ልቡ ዘይብሉ ዕሸል። ✏️ ትኽክል ዘይኮን መዳሕንቲ አቀማምጣ። ✏️ መጠን መሕመሲ ዕሸል ምዉሓድ ወይ ምብዛሕ። ✏️ ዕሸል ምድቓቅ ወይ ምግዛፍ። ✏️ አብ ልዕሊ ሐደ ጥንሲ ዘለዎን ንምራይ... ናይ ማህፅን አልትራሳዉንድ አብ አዶ ወይም አብ ዕሸል ፀገም ይፈጥር ዶ? 📞መልሱ ፡ አይፈጥርን 👂አልትራሳዉንድ ፡ ✏️ ምስሊ ንምርአይ ጨረር(radition) አይጥቀምን። ✏️ ነታ አዶ ይኹን ነቲ ዕሽል ዉሕስ እዩ። ✏️ አድላይ አንተኸይኑ ደጋግምኻ ኽረአ አኽእል። 🚮 ንዝበለጸ ሓበሬታን ሕክምናን ንምርካብ ናብ ሮያል ሆስፒታል (ዓድዋ) ይምፅኡ። ብኣገልግሎትና ዓጊቦም ክምለሱ እዮም።ብ ዶ/ር ተስፋይ አባዲ (ስፔሻሊስት ሕማማት ማህፀንን ክትትል ጥንስን) #obstetric #ultrasound #tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹
Dr.Tesfay Abadi/OBGYN
Region: ET
Monday 08 December 2025 21:25:25 GMT
Music
Download
Comments
Kiya Kiyaye :
ma hero doctor tichilaleh
2026-01-28 08:31:42
1
first health mercy love :
ክቡር ደር ብድምፂባ አረደኣና?
2025-12-17 17:06:36
1
lij fiste :
👍👍👍
2026-01-23 10:58:55
1
akberet :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-12-09 12:20:40
2
mahder alem :
💕💕💕🙏
2025-12-19 10:00:26
1
Dr.Haftom Hailu :
🥰🥰
2025-12-10 06:33:52
1
mimi 12🙏 :
🥰🥰🥰🙏🙏
2025-12-09 17:58:47
0
tsigegher :
🥰🥰🥰
2025-12-11 09:48:03
1
bsrat asefa :
tesfshye 😍😍😁
2025-12-12 03:39:45
1
To see more videos from user @tesfayabadi27, please go to the Tikwm
homepage.