@menbere.f: ካብዞም ብፍቕሪ ልፎትዮም ደረፍቲ ሓደ ለ ኣታኽልቲ😍 ገዛናለ ተስማዕሚዕና ንፎትዮ ደራፊ እዩ።ናይ ኣታኽልቲ ደርፊ ተስሚዕና ሱኽ ኢልኻ ምልሃይ እዩ ካልእ ስራሕ የለይ፤ ልMother ለ ወዲ ዓዳ😊 ካብ ሰውሓ-ሳዕሲዕ፣ ቤተ-ሐዋርያት ክሳብ ዕዳጋ-ሓሙስ ዓዱ። ናይ ኣታኽልቲ ዝተወለደሉ ኣተዓባብይኡ ከዋግዐኩም ክቡር ነብስሄር ኣርቲስት ኣታኽልቲ ሃይለሚካኤል ካብ ኣብኡ ኣርቲስት ሃይለሚካኤል ተስፋይ ኣብኡ ለ ስኣሊ እዮም ነይሮም ዋ ካብ እንኡ ኣብርሀት ደስታ ሕዳር 5/1955 ዓ.ም ካብ ዕዳጋ-ሓሙስ ውፅእ ኢልኻ ትርከብ ቤተ-ሐዋርያት ናተብሃለት ትፍለጥ ተወሊዱ። ኣታኽልቲ ልስድርኡ ናይ መጀመርያ ውላዶም እዩ ድሕሪኡ ድማ 8 ኣሕዋቱ ኣለውዎ። ኣታኽልቲ ወለዱ ናብ ዕዳጋ-ሓሙስ ወሪዶም፤ ንሱ ግን ምስ ዓባዩ/እነ'ምበይቱ ፍሉይ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ ምስአን ቀርዩ ኣይወረደን። ኣታኽልቲ ካብ ግዜ ቑልዕነቱ ጀሚሩ እዩ ሙዚቃ ዝፎቲ ነይሩ፤ ኣሕዋቱ ክህርሱ ንሱ ክደርፍ ይሓድር ነይሩ። ቃንኡ፣ ድምፁ፣ ግጥሙ ካብ ቑልዕነቱ ግሩም ነይሩ ይብሉዎ። ቤተ-ስቡ ጉዳይ ትምህርቱ ክገብር ትምህርቲ ኣመዝጊቦምዎ። ካብ ቤተ-ሐዋርያት ናብ ዕዳጋ-ሓሙስ ናተማለላስ ድማ ትምህርቱ ይከታተል ነይሩ። ካብ 1-4 ቀደማይ ብርኺ ቤት ት/ቲ ዕዳጋ-ሓሙስ ተማሂሩ። ካብ 5-10 ድማ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ሙሉእ ቀደማይ ብርኺ ኣግኣዚ ተማሂሩ። ድሕሪ 'ዙይ ኣብ 18 ዕድምኡ ካብ ዓዲግራት ተገፊፉ ናብ ኤርትራ ኸይዱ። ሽዑ መናእስይ ናተገፈፉ ናብ ውትድርና ይወስዱ ነይሮም። ኤርትራ ኸይዱ ናብ ውትድርና ኣይኣተወን ናብ ኪነታውያን ተፀንቢሩ ናይ ወታድራዊ ምንቕስቃስ እዩ ዝገብር ነይሩ። ኣብ ኣስመራ ድማ ኣብ ፓሊስ ሙዚቃ ት/ቲ ዝበሃል 9 ወርሒ ተማሂሩ ብሳክስፎን ተመሪቁ። ዳሕራይ ካብኡ ወፅዩ ናብ ሙዚቃ ኣትዩ። ብ19/73 ዓ.ም ናብ ሙዚቃ ዓለም ተፀንቢሩ። ኣብ መፋርቕ 19/79 ዓ.ም ድማ መፈለምትኡን ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይተደመፀት ዝጠፈአት ኣልበሙን ናብ ኣድመፅቲ ኣብፀሐ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ መጀመርታ 80ታት ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፅዩ። ምስ ባህሊ ትግራይ ናበሉ ምንቕስቃስ ዝገብሩ ዝነበሩ ከየንቲ ከም እኒ ሶፍያ ኣፅብሃ፣ ብርሃነ ሃይለ፣ ግርማይ በርሀ ሓው እያሱ በርሀ ብምኳን ስራሕቱ ምቕራብ ዝጀመረሉ እዋን ነይሩ። ድሕሪ እታ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ብ19/79 ዓ.ም ናብ ኣድመፅቲ ዘብፅሓ ኣልበሙ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ኣከታቲሉ 4 ኣልበም ናብ ኣድመፅቱ ኣብፂሑ እዩ። 19/91 ዓ.ም እንኳዕ ተፈጠርና ካባኺ 19/93 ዓ.ም ኣደይ ትናፍቅኒ ዶ 19/97 ዓ.ም ናይ መወዳእታ ኣልበሙ "ወስ ክብል ጀሚረ" እንትኸውን ድሕሪ ሕልፈቱ ለ እንሽተይ ሓው ሽሻይ ሃይለሚካኤል ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመቱ "Best of Ataklti ዝብል ኩሉ ወዮ ዘርእስታ ብ2003 ዓ.ም ናብ ኣድመፅቲ ኣብፂሕሉ እዩ። ጠቅላላ ኣታኽልቲ 6ተ ኣልበም ኣለዎ። #ልሶፍያ ኣፅብሃ 3 ግጥሚ ሂቡዋ እዩ ሓንቲ ካብኣተን ቆሪሩኒ ቆሪሩኒ ቐትሪ ምድሪ ኣንቐጥቂጡን ትብል ደርፋ። #ልብርሃነ ሃይለ ለ 2 ግጥሚ ሂቡዎ እዩ "ሽለው ልዋየ፣ ኣለኹም ዶ ኣለኹምየ ቆልዑ ትግራይ ጥዑማት ላዛኹምየ ዝብላ #ልፀሃየ ዮውሃንስ ኣብ ኣስመራ ዝሃቦ "ገንዘብ ስኢነ" ትብል ደርፉ። ልጋሻው ኣደል ለ ሂቡዎ እዩ። ኣታኽልቲ ኹሎም ደርፍታቱ ትርጉም ዘለዎምን ምስ ህይወቱ ምትእስሳር ዘለዎምን እዮም። "ወስ ክብል ጀሚረ" ናይ መወዳእታ ደርፉ ሒሙዎ ነይሩ ዳሕና ኮይኑ ተልዒሉ ዝደረፋ ደርፊ እያ። ድሕሪኡ ኣይፀነሐን መሊሱ ሓሚሙ እንደገና ሕክምና ኣትዩ ዓርቢ ኣትዩ ድሕሪ 2 ስሙን ከዓ ኣብ ወፃኢ ኮንስርት ነይሩዎ ግን የኮነይ ቀዳም ሞይቱ። ኣታኽልቲ ለይርስዑ ገረምቲ ስራሕቱ ታሪኩ ሓዲጉ ኸይዱ ለሕዝነኻ ለይምውላዱ ጥራሕ እዩ🥺 ይፎትየኻ እየ😍🙏 #ataklti_haylemichal #Tigrinya
menbere🥀
Region: SA
Friday 06 March 2026 11:40:06 GMT
Music
Download
Comments
ቃል_👩🏾🦰💫 :
ንሰኺ ፃሓፊ እነ ሰቁ እለ ከንበብ ዛምቤተይ❤️
2026-03-07 17:39:08
5
የኤማሁስ መንገደኞች :
እህቴ በእግዚአብሔር ምትፅፍያቸውን ፅሁፎች ማንበብ ፈልጌ በጣም ትንሽ ናቸው ሌላ አካውንት ካለሽ አሳውቂኝ 🙏🙏ደግሞ ቶሎ ቶሎ ፃፊ 🙏🙏🙏
2026-04-27 13:54:00
4
fryat🦋 :
መቢተይ❤️🥰
2026-04-25 12:20:22
2
ፀዳል💜 :
My King🥺😭
2026-04-22 06:00:54
1
ሸገ ዕዳጋ_ሓሙስ🌸🤎🫰 :
my hero😥
2026-04-18 10:17:07
1
Dana :
king 👑👑👑 of the Muzic.!!
2026-05-13 21:18:59
0
🂱𝘿𝘼𝙍𝙐²¹✞︎ :
ዱመይ ዝራኣየ🐈💔🤲🥺
2026-03-06 12:40:45
3
Wedi Desta :
legend of legends🥰🥰🥰🥰
2026-05-24 08:08:08
0
Geni_mk_70 👸❤️ :
ስኺ ጥራሕ ፅሓፊ ዛእምበይተይ🤝❤
2026-03-06 18:20:01
1
ሶሊተይ👸🫶 የዋህ ርግቢት🥺🖤 :
ጅግና ፅሓፊ ናይዚ ዝፎትዎ ታሪክ ደስ ናበሉኒ ኣንቢበያ🥺💝
2026-05-04 04:20:05
1
Kiamare🔥💊 :
ኣቴ legend 🎶🔥 ጥዑም ድምፂ🥰👌
2026-05-01 19:54:12
1
𝙖𝙨𝙪𝙠𝙖𝙡&𝙮𝙖𝙛𝙚𝙩🦋🦋16 :
ጎበዝ ጓል ዓደይ🥰🥰👌💋
2026-05-01 15:23:36
1
lula hagos :
ኣኮዋይ 😍
2026-05-08 19:21:39
0
haris salsa dancer :
ጀግኒተይ🔥🔥🔥
2026-03-06 12:20:08
1
Sam💛 :
አረ እስኺ ሱቕ ኢልኪ ፀሓፊ!😍
2026-05-06 11:52:22
0
Faset :
እውነት ነው🥰🥰🥰
2026-04-27 20:13:26
1
ፍቅሪ እምነታ👸✌️ :
መንቡዋኒ🥰🥺
2026-05-05 02:04:37
1
Tg :
ሰሚዕኻ ዘይፅገብ ዘመን ተሻጋሪ ኩሉ ግዜ 1ይ❤️❤️
2026-04-29 20:00:40
1
Hailush Band :
Btaimi Gobez
Harif Hiwet
Best Art N.Ataklti Ha.
2026-04-26 07:41:36
1
ወርሒ ለይቲ💫 :
ስምዕ ውዒለ ዘይፀግቦ ደራፋይ ኣታኽልቲ🥺
2026-04-24 21:01:27
2
ሃይልሽ ወዲ ሓረስታይ✨⚖️🔑📚🖊 :
አብኡ እናሃለኪ ብዛዕባ ዕምቆት ሰራሕቶም ምሰ ተቀባልነቶም ዉሸጢ እትዉ እናበልኪ ብዝርዝር ምግላፅ ወሰኩሉ ብዝተረፈ ንፃዕርኪ❤️🙏
2026-04-27 18:25:05
1
ሰላም ፈላጊ :
❤️❤️❤️
2026-04-30 18:39:12
1
Tige :
🥰🥰🥰🥰💋💋🥺🥺
2026-04-29 12:19:45
1
መርዙ :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-05-01 06:56:16
1
Zufaen :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-04-27 14:49:42
1
To see more videos from user @menbere.f, please go to the Tikwm
homepage.