@habeshaagaezimedia: ጀነራል ምግበይ ሃይለ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ተጣይሹ ብዶ/ር ሙሉ ነጋ ይምራሕ ኣብ ዝነበረ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓላፊነት ተቀቢሎም ንዝነበሩ ተጋሩ "ባንዳነት ኣይገልፆምን ትሕቲ ሰባት ዝኮኑ ኣብ ትግራይ ክነብሩ ከይኾነ ሬሳኦም እውን ኣብ ሓመድ ትግራይ ክቅበሩ ሞራል ዘይብሎም መቸውም ይቅረ ክበሃሉ ዘይብሎም እዮም " ኢሉ ከም ዝወንጀሎም ኣብ ወርሒ የካቲት ብትግራይ ሚዲያ ሃውስ[TMH] ኣብ ዝተሓላለፈ ቃለ መሕትት ብግልፂ ኣንፀባሪቁ እዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ/ም ድማ" "ሻዕቢያ እዚ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ፈፂሙ ሱቅ ኢልና ኣይንድቅስን፡ ኣብ ልዕሊ ሻዕቢያ ሕነ ክንፈዲ ኢና" ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ቃል ኣትዩ እዩ። ቅድሚ ትማሊ ብቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈኸራ፡ ዕቡይነት፡ ብድዐ፡ ህዝቢ እንታይ ከይመፅእ ዝብሉ ዝተለመዱ ስምዒታዊነት ጀነራል ምግበይ ዝበዝሖም ናይ ቃለ መሕትት ፃንሒት "መምርሒ እንተተዋሂቡኒ ምስ ሻዕቢያ ክራኸብ እየ " ዝብል መልእክቲ ኣሕሊፉ እዩ። ግን ! ጀነራል ምግበይ ምስ ሻዕቢያ ዝራኸበሉ ዕድል እንትልዩ ካልኦት ምስ ብልፅግና ንዝተራኸ ናይ ቀደም ብፆቱ ክወቅስ ዝኽእል ብምንታይ ሞራሉ እዩ ? ነቶም ኣብ 2013 ዓ/ም ምስ ሻዕቢያን ብልፅግና ተሰልፎም እዮም ኢሉ ትሕቲ ሰባት እዮም ብምኳኑ ድማ ኣብ መሬት ትግራይ ክነብሩ ከይኾነ ሬሳኦም ክቅበር የብሉን ኢሉ ብዘይፍርዲ ክቅተሉ ዝገበሮም ተጋሩ ቅድሚ ምስ ሻዕቢያ ምርካቡ ይቅርታ ምሕታት ኣይመድለዮን ዶ !? ብዝኾነ ትማሊ ኣብ ማዕከል ዓዲ ጀነራል ምግበይን መሰላቱ ዝኾኑ ውሑዳት ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን የርእይዎ ዝነበረ ብደዐ፡ ንዕቀት፡ ፈኸራ፡ ናይ እንታይ ተምፅኡ ዘረባን ተግባርን ካብ 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ትግራዋይ ዝከፍሎ ኣብ ዘሎ ዋጋ ዓብይ ግደ ነይርዎም እዩ። ሀዚ ድማ ብዛዕባ ውልቀ ሃፍቱ[ ገዛውቱ] ዝተዛረቦ ናይ እንታይ ተምፅኡለይ ናይ ብደዐ ዘረባ ውዒሉ ሓዲሩ ንትግራዋይ ዋጋ ዘኽፍሎ ምኳኑ ክሓሰብ ዘይምድላዩ ምግበይን መሰላቱን ንትግራይ ዕዳ ምኳኖም ተወሳኺ መረዳእታ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ሰርዓትን ሕጊን ምሃለወ ጀነራል ምግበይ ኣለኒ ዝብሎም ዘሎ ገዛውቲ ናይ ገበን ወይ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ውሳነ እምበይ ናይ ወልቀ ፃዕሪ ውፅኢት ዘይ ምኳኖም ምርዳእ እቲ ዝቀለለ ናይ ፍትሒ ኣካላት ስራሕ ምነበረ። ንግዚኡ ተሓታቲነት ዘይምሕላው ግና እኒ ምግበይ ጠሪጣስ ተትሓፍረለይ ኣብ ዝኮነ ተግባር ተዋፊሮም ንክርከቡ ገይሩ እዩ ።
Kaleb II ብሔረ ኣግኣዚ
Region: CH
Thursday 12 March 2026 16:19:07 GMT
Music
Download
Comments
መደሽቶ :
eze hasawi sebeaye
2026-03-12 19:58:55
0
ጓል ደጃት ዓጋመ :
😅😅😅
2026-03-12 17:39:49
0
melyen :
😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭🛠️🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🔨🪓🪓🪓🪓🪓🪓🪓
2026-03-12 19:20:07
0
Mehari Damo Ageazi :
🥰🥰🥰
2026-03-12 18:41:32
0
ኣዲያቦ ሽረ Ethiopian :
👿👹👿👅
2026-03-12 20:22:01
0
Edimond Filly 🐼🎬 :
😍😍😍😍
2026-03-12 23:57:20
0
To see more videos from user @habeshaagaezimedia, please go to the Tikwm
homepage.