@adam_tiktok39: 1, << ፍርሒ እናተሰምዖም ክነሱ ተግባር ይወስዱ >> ትብዓትን ፍርሕን ኣሕዋት’የን። ሰብ ክተብዕ ዝኽእል “ፍርሃት” ክብድሆ ከሎ ጥራይ’ዩ። ፍርሃት እንተዘይሃልዩ፡ ትብዓት ዝብል ኣምር ትርጉም የብሉን። ዘፍርሃካ ሓደጋን መከራን እናሃለወ፡ ብፍርሒ ሓሊፍካ፡ ኣብቲ ትደልዮ ክትበጽሕ ተግባር ክትወስድ ከለኻ ኸኣ ‘ዩ “ትብዓት” ዝበሃል። << ነልሰን ማዴላ >> ሓደ ጊዜ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡ “”ትብዓት” ዝበሃል ብዘይ ፍርሒ ማለት ኣይኰነን። ንፍርሒ ምስዓር’ዩ። ተባዕ ሰብ ዝበሃል ከኣ ፍርሂ ዘይስምዖ ዘይኰነ፡ ንፍርሒ ዝስዕር’ዩ።” ፈሪህካ እናሃለኻ፡ ናይ ግድን ክትገብሮ ዘለካ ክትገብር ኢልካ ንቅድሚት ክትሓልፍ ከለኻ፡ ተቢዕካ ይበሃል። 2, << ካብቲ ብወጻኢ ኰይኑ ዘፈራርሆም ንልዓሊ፡ ኣብ ልቦም ዝተቐመጠ ይስዕቡ >> ሓቀኛ ትብዓት ዝበሃል ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ሓቀኛ ተመስጦ ንምግባር ኢልካ ክትለዓል ከለኻ’ዩ። ብደገ ዝመጽእ ድምጽታት፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝተሰመረ ክትጠራጠሮ ክገብረካ ይኽእል’ዩ። ነቲ ብደገ ዝመጽእ ድምጽታት ስዒርካ፡ ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ንምግባር ስጉምቲ ክትወስድ ከለኻ፡ ሓቀኛ ትብዓት ሰኒቅካ ስለ ዘለኻ’ዩ። “ውድቐት” ዝብል ሰሌዳ ምፍርራህ ኣብ ቅድሜኻ እናረኣኻ፡ ካብቲ ብደገ እትርእዮ፡ ‘ቲ ኣብ ልብኻ ዝተቐመጠ ሓይሉ፡ ተግባር ክትወስድ ከለኻ፡ “ተቢዕኻ” ኣለኻ። 3, << ኣብ ቅድሚ መከራ ኣይሕለሉን >> ‘ቲ ዝዓበየ ትብዓት ዝበሃል፡ ኣብ ቅድሚ መከራ ዘይምምካኽ፡ ዘይምፍሳስ’ዩ። ኣዝዩ ዘሰምብድን ዘፍርህን ክነሱ፡ ኣብራኹ ዘይጠልሞ፡ ቀኒዑ ደው ዝብል “ተባዕ” ‘ ዝልቡ ኣሎ። ሞት’ውን እንተዀነ ኣብ ቅድሚኡ ተቐጂሉ ከሎ፡ ንዝኣመነሉን ዝተረድኦን ክመውት ልቡ ዝጸንዐ፡ ግንባሩ ኸኣ ከም ዓረ ዝገበረ፡ ብዓል ራእይ ክርከብ ከሎ፡ ብርታዔን ረስንን ፈተናን መከራን ኣየምበርክዀን’ዩ። ኣብ ክንዲ ፈሪህና፡ ከምቲ ጎማ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ዝቅርምም፡ ነንሳሕብ፡ ብልብና ሓሊና ብትብዓት ክንምርሽ እንተወሲናን፡ ኣብ ቅድሜና ዝተገተሩ መዐንቀፍታት ክመኩ’ዮም። “ዓቐን ከልቢ ኣብ ቃልሲ ዘይኰነ፡ ዓቐን ቃልሲ ኣብ ከልቢ ‘ዩ” ንዓወት ዝትምኖ። 4, << ንሓቒ ቀኒዖም ደው ይብሉ >> ኣብ ዘመን ኩሉ ዝተገልጹ ተበዓትን ጀጋኑን፡ ንዝኣምንሉ ሓቂ ርእሶም ሂቦም ደው ስለ ዝበሉ’ዮም። ደው ብምባሎም ክንድሕን ኢና፡ ብህይወት ክንነብር ኢና ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ኣይዀነን። ‘ቲ ሓቂ ኳ ደኣ ብኣንጻሩ’ዩ። ንሓቂ ደው ምባል፡ ቅኑዕ ቅዲ ህይወት ጌሮም ስለ ዝቆጸርዎ’ዩ። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይብል ትብዓት፡ ብብዓሉ ዓወት ‘ዩ። 5, << መልሓሶም ምእዛዝ ኣቢዎም ቃላቶም እናተዀላለፈ ክነሱ፡ ሓቒ ይዛረቡ >> ዝለመድዎ ከይዲ ሓዲጎም፡ ደረት ተመክሮኦም የስፍሑ ህይወት ዝጭበጥን ዝዝርጋሕን ብመጠን ዝሰነቅናዮ “ትብዓት” ‘ዩ። ዝለመዶ፡ ጥጡሕን ዕቁብን ዝበሎ ሓቒፉ፡ ከምታ ዘለዋ ከነብር ዝመርጽ ኣሎ። ‘ቲ ክገብራ ዝኽእል ዓቅሙ ንሳ ስለ ዝዀነት ዘይኰነ፡ ካብታ ዝለመዳ ወጺኡ እንተተዘርጊሑ ክገጥመኒ’ዩ ዝብሎ ዘፍርሖ ስለ ዘለዎ’ዩ። ከምቲ ንስሪ ንደቓ ምንፋር ከተላምድ ከላ፡ ንመስፈሪኣ ዘይምቹእ እትገብሮ፡ ካብ ላዕሊ ኸኣ እትርድብዮም፡ ከምኡ ኸኣ “ትብዓት” ዝሰነቐ ሰብ፡ ናብ ዘይበጽሖ ናብ ላዕሊ ክንቖት፡ ዝለመዶ ክገድፍ ልቡ ብትብዓት ዝተኣስረ’ዩ። 6, << ብእምነት መከራ ይጸግቡ >> “ትብዓት” ኣብ ጊዜ መከራ ዝበቑል፡ እምነት ክህልወና ከሎ’ዩ። ካብቲ ዝገጥመና ኣብ ቅድሜና ዝተቐጀለ ዝዓቢ ኣብ ውሽጥና ከም ዘሎ ምትእምማን ክህልወና ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ከፍርሃና፡ ኢድና ክንህብ ዝቐስበና፡ ብትብዓት ደው ንብል። እምነት ብዛዕባ ዝጽበየና ዘሎ “ዓስቢ”፡ “ብልጫ”፡ “ዋጋ ውዕለት” ክርድኣና ከሎ፡ ኣብ ውሽጥና ዝቦቑል ተኣማንነት’ዩ። ንኹልና ፍሉጥ ዝዀነ ታሪኽ ኣሎ – ቲ ውቁብ ዝነበረ መንእሰይ ዳዊትን ኣዝዩ ገዚፍን ዘፍርህ ጎልያድን። ዳዊት ኣብ ቅድሚ ጎልያድ ብኹሉ ሽነኽ ቁልዒ እዩ ነይሩ። ብልጫ ዳዊት ግና ካብ ጉልያድ ሓሊፉ ምስኡ ዝነበረ፡ ካብ ጎልያድ ዝሕይልን ዘፍርህ ልዑል ኣምላኽ ስለ ዝረኣየ፡ ኣብ ቅድሚ ንብዙሓት ዘፍርህ ዝነበረ ደው ኢሉ፡ ንገዚፍ ገጢሙ፡ ዓወት ተጎናጺፉ። መን’ዩ ኣብ ቅድሜና ከም ዓቢ ከረን ተገቲሩ፡ ንንኣምኖ ከይንዛረብን ከይንገብርን ዘፈራርሃና ዘሎ ??? እምነት ከም ዘየለ ምኽሓድ ?? ሕቆኻ ሂብካዮ ኣንፈትካ ምቅያር ኣይኰነን። ምሳኻ ዘሎ ዓቅሚ፡ ሓይሊ፡ ተረዲእኻ፡ ብዘለካ ሓሙሽተ ኣእማን ክትገጥሞ ከለኻ’ዩ። እዚ ኸኣ ትብዓት ይሓትት። ምንጪ ጽሑፍ constructive culture ዝተወስደ እዩ። #eritreantiktok #tigraytiktok #eri
Adam first Page
Region: DE
Sunday 29 March 2026 13:26:00 GMT
Music
Download
Comments
ሶሊተይ👸🫶 የዋህ ርግቢት🥺🖤 :
ዋው🥰
2026-03-29 23:28:06
2
🤝 🇪🇷 :
assli 🥰
2026-03-30 08:39:10
2
Sami. :
powerful and beyond Thanks you
2026-04-15 23:14:57
0
Ĵ Ö Ĥ Ň " Ŝ :
bsmey follow belwo jmey nty 👏👑
2026-03-31 22:02:08
1
Robi :
Thanks adimo
2026-03-29 22:38:50
2
patience demands :
first one
2026-03-29 14:30:08
2
Tewelde🤫☠️ :
🥰
2026-04-03 07:50:04
1
Bazigar :
🥰🥰🥰
2026-03-30 07:39:26
1
🤝 🇪🇷 :
🥰🥰🥰
2026-03-30 08:38:49
1
Welela Tadese :
👍👍👍👍
2026-03-30 11:19:13
1
ሆፕ :
👌👌🙏
2026-03-29 20:45:16
1
Adam🇳🇴 :
♥️♥️
2026-03-30 14:35:09
0
yanged Gange :
🙏🙏🙏
2026-04-03 20:13:11
0
ንኩሉ ግዝየ ኣለዎ :
🥰🥰🥰
2026-04-01 06:00:37
0
ሮቢ'Babie :
🥰🥰🥰🥰
2026-04-01 10:40:11
0
Kem Alema :
🥰🥰🥰
2026-04-03 10:50:05
0
hawi with hawi🤙💪 :
👌💪🥰🥰
2026-05-26 11:39:15
0
Kereney🇪🇷🇩🇪 :
🥰🥰🥰
2026-03-29 14:01:14
2
To see more videos from user @adam_tiktok39, please go to the Tikwm
homepage.