@r1651371: ......... ኣብዛ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዓወት ሃብታም ምኳን:ፍሉጥ ወይ ሓያል ምኳን:ወይ በዓል ስልጣን ምኳን ኣይኮነን::እቲ ዝዓበየን ዝኸበደን ዓወት ሰብ ምኳን እዩ:: ምንባርን ሰብ ምኳንን ዝተፈላለየ እዩ::ምንባር ተፈጥሮኣዊ ህያብ እዩ::ሰብ ምኳን ግን ብመዓልታዊ ዝህነጽ ናይ ጥበብን ስነ-ምግባራዊ ሞራል እዩ:: ዉሉደይ:-እዘን ዝነግረካ ናይ ህይወት ወርቃውያን ምኽርታት ኣብ ማህደር ልብኻ ጸሓፈን:: 👉ልብኻ ንኻልኦት ትራህርህ ናይ ወዲ ሰብ ሓቀኛ መለክዒ ትሕዝቶ ጅብኡ ዘይኮነስ ርህራሄ ልቡ እዩ::እንተደኣ ክኢልካ ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ሕያዉነትካ ዝራእ::ምሕጋዝ ማለት ጥረ ነገራት ምኽፋል ጥራይ ኣይኮነን:ሓዘንን ሓጎስን ደቂ ሰባት ምኽፋል እዉን እዩ:: 👉ቃልካ ኣኽብር ክብርኻን መንነትካን በቲ እትዛረቦ ቃላት እዩ ዝልካዕ:: እቲ እትኣትዎ መብጸዓ ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ዝተቐብረ ጽኑዕ መሰረት ይሃልዎ::ንዘይትገብሮ ቃል ኣይትእቶ::ቃልካ ምኽባር ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ክብሪ እዩ:: 👉ትሕትናን ኣኽብሮትን ይሃልኻ:: ፍልጠትካን ሃብትኻን ምስ ዝዉስኽ ትሕትናኻ እዉን ምስኡ ይወስኽ::ብትዕቢት እትረኽቦ ክብሪ ግዝያዊ እዩ::ብትሕትና እትረኽቦ ፍቕሪ ግን ዘልኣለማዊ እዩ::ድንን ምባል ስዕረት ዘይኮነስ ኣኽብሮት ሰብ እዩ:: 👉ኣብ እዋን ፈተና ጽኑዕ ኩን ህይወት ኩሉ ግዜ ዕንበባ ጽገሬዳ ኣይኮነትን::ህቦቡላ ምስ ዝለዓል ዝወድቕ ስለዚ ከምቲ ኣብ ዓሙቕ መሬት ዝበጽሕ ሱር ዘለዎ ድልዱል ገረብ ኩን:: ዉድቀት መወዳእታ ህይወት ዘይኮነስ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ዝሓየለ ጅማሮ እዩ:: 👉ንኽፉእ ብሰናይ ሰዓሮ ሰባት ክፉእ ስለ ዝገበሩኻ ጥራይ ክፉእ ኣይትኹን:ከምኡ እንተደኣ ኮንካ ብኽፍኣቶም ተሳዒርካ ኣለኻ ማለት እዩ:: ንስኻ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ዉሽጥኻ ብዘሎ ሰብኣዉነት ለውሃትካ ኣመስክር:: 👉ናይ መወዳእታ መልእኽተይ እንበኣር :: ወደየ:-ዕድሜኻ እናወሰኸ ብዝኸዶ ቁጽሪ ዓለም ስም:ማዕርግ:ዝናን ክትህበካ ትክእል እያ::ነገር ግን እዚ ኩሉ ማዕርጋት ቀንቲትካ ገዛእ ነብስኻ ምስ እትምርምር"ሓቀኛ ሰብ"ይርከብ::ሰብ ምኳንካ እንተደኣ ኣረጋጊጽካ ድማ ናይ ህይወት ሓቀኛ ትርጉም ረኺብካዮ ኣለኻ ማለት እዩ:: ምስትዉዓሉን ጥበቡን ይዓድለና🙏ሰብ ንኹን!!
🤔🤔COንFUዝED🤔🤔
Region: KE
Friday 29 May 2026 17:11:48 GMT
Music
Download
Comments
wedi Xilma :
ወደየ ሰብ ኩን! ኣንብብ! ናይ ብሓቅ ሰብ ንኹን ንጽቡቅ ንሕሰብ 🙏🙏🙏🙏🥰🙏🥰🙏🥰🥰🥰🙏🥰
2026-05-30 12:00:36
23
Mille :
amien 🙏🙏🙏
2026-05-29 22:09:39
4
asssey :
🙏🙏🙏🙏 ንዓይ ሓጥእ ኣብ ጾሎትኩም ዘክርኒ ፈጣሪ ይቅረ ክብለይ
2026-07-20 20:36:33
2
tedi wedi eri🇪🇷✝️👑 :
qalehiwet yesmealna abona
2026-07-17 06:21:35
1
haru :
ame amen amen
2026-08-18 16:41:13
0
ሰላም የድንግል ማርያም ልጅ❤ :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የስመዐና🙏
2026-05-31 18:05:17
3
ኣምላኬ እንዳይ ወድቅብህ 🙏ደግፈኝ🙏🙏🙏 :
ኣሜንንንንን🤲🤲🤲🤲ኣሜንንንንንንን🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲
2026-05-30 16:43:04
1
W🕊️ T👑 :
Amni Amni Amni 🙏🏻 🙏🏻 🙏🏻
2026-06-13 23:47:28
1
feqar wedi :
tenkiwe akaelo yehabena fetari🙏🙏🙏
2026-05-29 17:43:44
0
ሰብ ወረኛ ፈጣሪ ዳኛ⛪️✝️ :
ኣሜን//3//ናይ ባሓቂ ልቢ ዝትንክፍ እዩ ኣምላኽ ኣቦይ መስተውዓሊ ልቢ ዓዲለና🙏🙏🙏🙏🥰🥰🥰🙏
2026-06-22 11:40:54
1
Grmay :
ኣሜን ኣሜን ኣሜን 🥰🥰🥰
2026-05-31 12:41:22
1
ዓቅሊ ንኹሉ :
ኣሜን ኣሜን አሜን 🥰🥰🥰🥰🥰
2026-05-29 18:20:18
1
baas :
amen amen amen kal hiwet yesmalna egzabhr amlak
2026-05-29 21:16:52
1
ማዕርነት :
amen🙏🙏🙏
2026-05-30 14:22:28
1
Rigat Rigat :
Amen Amen Amen qale hiwet yesmaluna Abona
2026-06-01 13:00:21
1
ኩሉ ንግዜ :
ኣሜን ክንደይ ደስ ዝብል ቃላት እዩ🙏🥰
2026-06-01 07:18:31
1
Natey KkkkRRRR :
amen amen amen amen 🙏🤲🙏🙏🙏🙏👏
2026-05-30 15:40:22
1
ሰብ'ዩ መኽሰብ 🇪🇷❤️🇪🇷 :
ኣሜን(((3))) ናይ ባሓቂ ልቢ ዝትንክፍ እዩ ኣምላኽ ኣቦይ መስተውዓሊ ልቢ ዓዲለና🙏
2026-06-03 20:38:36
1
Jow Past :
ኣረ ትኽክል 🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-23 05:35:50
0
A :
Amen
2026-08-08 19:31:05
0
semu :
amen amen amen
2026-08-21 18:18:34
0
God is always with us :
qal hawit yesmalna zeyday hawey
2026-08-20 11:17:59
0
mmmm :
amen abona naeku ayesenena
2026-08-15 11:28:06
0
TSige@ Alemayehu :
አቤቱ ጌታ ሆይ ልቡና ሀበ ኒ 🙏🙏🙏
2026-08-19 04:11:38
0
abrha welay :
ቀፀለሉ🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🥰
2026-05-29 18:06:42
0
To see more videos from user @r1651371, please go to the Tikwm
homepage.