@black.lifeashu.ft: 1. ስቕተኛታት ሰባት ብዙሕ ግዜ ምስ ውሽጦም’ዮም ዘዕልሉ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንበይኖም ይዛረቡ። 2. ምስ ሰብ ቀልጢፍካ ናይ ምውህሃድን ምልምማድን ባህሪ የብሎምን፡ እንተኾነ ግን ሓንሳብ ንዝለመድዎ ሰብ ክርሕቆምን ክፍለዮምን ኣይደልዩን’ዮም። 3. ብሰንኪ ስኩፍ ባህሮም ካብ ሰባት ዝደለይዎ ነገራት ናይ ምጥላብ ክእለት የብሎምን። በዚ ምኽንያት ዝኸስርዎምን ዝጎድልዎምን ነገራት ኣእላፍ’ዮም። 4. ብሓሳብን ኣስተንትኖን ምዕላል ካብቲ ቀዳማይ ዝብርሆም ናይ መዓልታዊ ሂወቶም ኣካይዳ’ዩ። 5. ኣዝዮም ሓፋራት’ዮም፡ ናይ ዓይኒ ምጥምማት ክጻወርዎ ዘይክእሉ ጸቕጢ ዝፈጥር ህሞት’ዩ ንዕኦም። ኣምሳይኡ ብምድናን ወይ ናብ ካልእ መኣዝን ብምጥማት የቃልልዎ። 6. ኣዝዮም ተነቀፍትን ሓራቓትን’ዮም፡ እንተኾነ ቁጠዐኦም ብኸመይ መንገዲ ከም ዘህድኡ ይፈልጡ’ዮም። 7. መስተውዓልትን በላሕትን’ዮም፡ ሳሕቲ ግን ሓደገኛ ውሳኔታት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ብምውሳድ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ’ዮም። 8. ስጊንጥርነት ዝዓብለሎ ንጥፈታት ምክያድ ካብቲ ቀንዲ ዝልለይሉ ቅዲ ኣነባብርኦም’ዩ። ከም ኣብነት ንበይንካ ንነዊሕ መንገዲ ብዘይ ምስልካይ walk ምግባር፡ ዘውትር ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ንበይንካ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ናይ ትልሂት ክለባትን ንበይንኻ ናይ ምዝንጋዕን ናይ ምልሃይን ባህሪ፡ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ሓሳብካን ርእይቶኻን ናይ ምሃብ ፍርሒ ወላ ውን ኣብ ዘይተሰማምዕሉ ነጥቢ ተቃውሞኦም ናይ ምግላጽ ብቕዓት ይጎድሎም፡ ብድሕሪ ኣኼባ ግን ብዙሕ ናይ ምልፍላፍ ባህጊ። 9. ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሳትፎኦም ኣዝዩ ሓያል’ዩ። ሃንደበት ስእሎም ፖስት ይገብሩ፡ ደስ ዝበሎም ጽሑፋት ይጽሕፉ፡ ንዝፈትውዎም ስነ-ጥበባውያን ውን ኣድናቖቶም ይገልጹ። 10. ሰብኣውነት ዝተላበሶም ርህሩሃት’ዮም፡ መጀመርያ ክትቀርቦም’ዮም ኣሸገርቲ እምበር እንተ ለሚድካዮም ተፈትውቲ’ዮም። 11. ኣእምሮኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ካብ ምሕሳብ ዝተላዕለ (over-thinking) ናብ ጭንቀት ገጹ የድህበሎም። 12. ግሉጽነት ዝመልኦም እሙናት’ዮም፡ ምስ ሰባት ዝምድና ኣብ ዝምስርትሉ ግዜ ብምሉእ ልቦም ምስ ዘፍቅሩ ጥብቕ ናይ ምባል ባህሪ ኣለዎም። ፍቕሪ ምስ ዘይህልዎም ግን ብቕጽበት ክርሕቁኻ ኣይድንጉዩን’ዮም። 13. ስምዒቶም ምስ ዝትንከፉን ውሽጦም ምስ ዝጉድኡን ቃንዝኦም ናይ ምንጽብራቕ ኣመል የብሎምን። ሕማሞም ንውሽጢ ብናይ ምውሓጥ ልምዲ ምኩራት’ዮም። 14. ፍሽኽቶምን ኣሳሕቖኦምን ዘይተለመደ ዓይነት ስለዝኾነ ንልቢ ማራኺ’ዩ። 15. ኣዝዮም ዓቃባውያን’ዮም፡ ገለ ገሊኦም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝነብሩ ግሉላት ክንሶም ጸገሞም ንሰባት ከካፍሉ ዓቕሚ ይሓጽሮም። ከም ውጽኢቱ ነቲ ምስ ሰባት ብምዕላልን ብምንባርን ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ጸገሞም ሰኣን ድፍረቶምን ትዕቢቶምን ደሓን ከም ዘለዉ ዘርኢ ናይ ሓሶት ድራማ ብምውሳእ የጋድድዎ። 16. ካብ ጸገሞም ብቐሊሉ ዝርድኡ ሰባት ፍቕርን ክንክንን ዝናፍቑ ብሕቱዋት’ዮም። ካብ መሓበራዊ ምድያ ዝተወሰደ

Ashu Ft 18
Ashu Ft 18
Open In TikTok:
Region: SA
Thursday 04 June 2026 17:58:40 GMT
40
2
0
0

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @black.lifeashu.ft, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About