@momloveyou105: 🚨ህጹጽ ሓገዝኩም ኣይፈለየና! ሓቢርና ንኡስ ሓውና ምስ ኣቦኡ ክራኸብ ንሓግዞ። 🤝❤️ ሰላም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን! እዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ መንእሰይ ዮውሃንስ ኪዳነ ይበሃል። ዕድሚኡ 18 ዓመት ኮይኑ ኣብ ኣመሪካ (ከተማ ሲያትል) ይቕመጥ ኣሎ፣ ብ ሕዳር 2008 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ መንእሰይ ዮውሃንስ ስም ወላዲቱ ወ/ሮ ምሉእ ተስፉ ምስጋና ይበሃል። ወላዲተይ ኣብ 2010 እያ ሒዛትኒ ናብ ስደት ኣምሪሓ። ዮውሃንስ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ምስ ወላዲ ኣቦኡ ኣይተራኸበን፡ ኣቦኡ ንምርኣይን ንምፍላጥን ዘለዎ ሃረርታ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ኣብኡ ሓበሬታ ዘለዎ በዚ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ተወከሱ። 🙏✨ 📍 መንነትን መለለይ ሓበሬታን ናይ ኣቦኡ (ኣቶ ኪዳነ)፦👇🏽 ° ሌላ ምስ ወላዲቱ፦ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ፡ ጥቓ ፑሽኪን ኣብ ዘላ "ቤት መግቢ ኣበባ" እዩ ምስ ወላዲቱ (ወ/ሮ ምሉእ ተስፉ ምስጋና) ተላልዩ። ° ገጽታኡ (መልክዑ)፦ ማእከላይ ቁመት (ከባቢ 1.70 ሜተር)፡ ጸሊም ሕብሪ ቆርበት፡ ድቕቕ ዝበላ ኣዒንት፡ ለማሽ ጸጉሪ ርእሲ፡ ኣብ ምዕጉርቱ ድማ ሕንጣጥ ወይ በሰላ ነበረቶ። (ኣብ 2006 ዕድሚኡ ካብ 35-40 ዓመት ይኸውን ነይሩ)። ° መኪናኡ፦ ጻዕዳ ቶዮታ (Toyota) ማኪና ገዛ ይሕዝ ነይሩ። ° ስርሑን ኣድራሸኡን ፦ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ እንዳ ሓትኖኡ ዝነበረ ፌራሜንታ ባዕሉ የካይድ ነይሩ። እንዳ ሓትኖኡ እውን እንዳ ቡቲክ ነይርዋ። እንዳ ዓባዩ ድማ ኣብ ገዛ ባንዳ ሓበሻ ወይ ኣኽርያ ከም ዝነበረ ይዝከር። ° መበቆሉ፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤርትራዊ (ኣምቸ) ኮይኑ፡ ቅድሚ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ። 📣 ዝኸበርኩም ወገናትና፦ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ኣኽርያ፡ ወይ ገዛ ባንዳ ሓበሻ እትርከቡ ወነንቲ ፌራሜንታን ነባሮን፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ብዛዕባ ዚ ኪዳነ ዝበሃል ሰብ ዝኾነ ትፈልጥዎ ሓበሬታ እንተሃልዩኩም ወይ ትሕብሩና ሰብ እንተለኩም፡ በጃኹም ካብዚ ጽቡቕ ተግባር እዚ ኣይትተረፉ። 📞 ሓበሬታ ንምሃብ በዞም ዝስዕቡ ቊጽሪ ተወከሱ! 📱 07590443 📱 07178721 📱 116266 በጃኹም እዛ ጽሑፍ እዚኣ ናብ ኩሉ ክትበጽሕ #ሼር ንግበራ። እዚ ሓውና ምስ ኣቡኡ ክራኸብ ናይ ኩላትና ሰናይ ድሌትን ሓገዝን የድልዮ ኣሎ። 🇪🇷❤️ 🌟 እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ምእንቲ ክበጽሕ ውሉድ ምስ ወላዲ ክራኸብ፣ በጃኹም Share ብምግባር ንሓግዞ፤ ሓደ ሰብ ንምርካብ ናይ ኩላትና ምትሕብባር የድሊ! 🔄 ፈጣሪ ሰላሙን ምሕረቱን ይሃበና ኣሜንንን !! 🙏 #habti_beraki ⭐️⭐️⭐️🇪🇷🇪🇷🇪🇷⭐️⭐️⭐️
Selam nafiqe
Region: UG
Saturday 13 June 2026 09:57:51 GMT
Music
Download
Comments
𝓴𝓮𝓶𝓭𝓵𝓲𝓮𝓽𝓮𝔂🤴 :
amelak mengedu yeknaalu niaka kea selay edl ygberelka🙏🙏🙏🥰🥰🥰
2026-06-13 11:16:19
1
Cristiano Ronaldo :
amlak meski yekun meqrey🙏
2026-06-15 09:08:54
1
teame :
ajoka zhwey ktrkbo ika amlak entay ysano 🙏🙏🙏
2026-06-13 19:29:03
1
Luley❤️🇪🇷🇨🇦 :
Ajoka Mearey Amlak alo ktrekbo eka🙏🙏🙏
2026-06-14 08:51:47
0
Hermon asefaw :
amlak amun yu ajoka🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-06-16 10:20:50
0
Natey KkkkRRRR :
fetari yhagz 🤲🙏🙏🙏👏
2026-06-13 15:37:20
1
geni :
amlak yhagzka
2026-06-14 10:16:15
0
Abrehat Fsaha :
aemlak msweladika yerakbka🙏🙏🙏
2026-06-14 08:07:09
0
koki :
2026-06-14 08:08:28
0
wedi bemnet :
Ajoke Amlak Mengedka yebrkalika berther 🙏🙏🙏💯🥰🥰
2026-06-13 15:57:39
1
deqi ele haben hager :
Amlak yhagz
2026-06-15 16:50:42
0
miesi :
Egzabihier yhagzka
2026-06-15 15:12:02
0
feqar ☦️ :
amlak yhagzka hawey🙏
2026-06-13 14:49:40
1
+♥+nsan wedan maryamey +♥+ :
kemfqad fetari bro ms weladika ktrakeb ika...🙏🙏🙏🙏
2026-06-15 07:11:18
0
🤩🤩🤩 :
amlak yhagzk🙏🙏🙏
2026-06-14 10:01:33
0
user73425180029827 :
🥰🥰🥰🥰🥰amlak msaka ykun
2026-06-15 08:37:15
0
sk :
Amlak yhagz 🙏🙏🙏🙏
2026-06-13 11:38:40
1
Thigehana Zecarias Habtom :
ኣጆካ ኣብ ቀረባ ግዜ ዳሃይ ኣቦካ የስምዓካጅ🙏
2026-06-13 14:03:21
5
0705672204 :
Egzeabhier Amlak Arakbo yhabkum hawey mearey 🙏🙏🙏
2026-06-16 11:35:52
0
839359 :
ajoka amlak alo kitrekbo eka zihawey
2026-06-14 05:06:15
0
eri 291 :
amlak yehagzka hawey
2026-06-16 00:55:05
0
Nahom :
Egzabhir yehagzka hawey
2026-06-14 15:12:04
0
rimon :
amelak yehagezka hawey natey 😔😔😔😔
2026-06-14 08:36:40
0
wedi hazemo :
🙏🙏🙏
2026-06-13 14:17:57
1
To see more videos from user @momloveyou105, please go to the Tikwm
homepage.