@user9178100909551: ስደት ግን 😔 ገለ ካብቲ ዘሐዝን ኩነታት መንእሰያትና ሰላም የሕዋት እዚ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘለና ሓዉና ኤርትራዊ ኮይኑ ዓብደላ ይብሃል ወዲ ከረን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጀርመን እዩ ዝነብር ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ ኣዝዮ ዘሐዝን ከቢድ ሂወት እዩ ዘሐልፍ ዘሎ። ንኣስታት ን8 9ተ ዓመት ኣብ ደገ ማለት ግዳም ሓደር ኮይኑ ክነብር ጸኒሑ ሕጂ ዉን ግዳም ሓደር ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ዝኮነ ይኩን ናይ ኣባላት ስድራቤቱ ኣድራሻ የብልሉን ኣብ ኤዉሮፓ ይኩን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤቱ ንክረክብ ንሓግዞ ከምኡ ዉን ኣብ ከባቢኡ ዘለኩም ሰባት ዝክኣለኩም መጠን ናብ ገበርቲ ሰናይ ይኩን ናብ ማሕበራት ሓገዝ ንክረክብ ሓግዝዎ። ኣጆካ ዓብደላ ሓወይ ኣምላክ ዝሓሸ ሂወት ይፍጠረልካ🙏 ብምቅጻል የሕዋት እዚ ሓዉና ገለ ካብ ብዙሓት እዩ እዚ ሸር ተባሂሉ ናብ ማሕበራዊ ሜድያ ስለ ዝወጸ እምበር ከምኡ ዓይነት ኣነባብራ ዝነብሩ ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ። እስካ ሕሰብዎ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ቁሪን ንፋስን ኤዉሮፓ ይትረፍ ግዳም ሓደር ኮይንካ ኣብ ገዛ ተዓቊብካ ዉን ዝክኣል ኣይኮነን። ክንደይ ምድረ-በዳን ባሕርን ጣሕርን ኣብ መንጎ ሞትን ሂወትን ተቀርቂርካ ሂወት ከፊልካ ሰጊርካ። ኣለኩ ኢልካ ምዕሩይ ሂወት እንዳተመነካ ኣብ ኤዎሮባ ኣቲካ ናይ ኩሉ ብድሕሪት ዜሎ ሓላፍነት ተሰኪምካ ዕዳካ ከፊልካ ናብራ ቤትካ ክትቅይር እንዳሓሰብካ ኩሉ ነገር ኣንጻር ድልየታትካ ክከዉን ከሎ እሞ ድማ ኣብ ኤዉሮፓ ኣቲካ ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀት እንተዘይብልካ ኣዝዩ ከቢድ.! ከቢድ.! እዩ። ሞራልካ ትትንከፍ መንባርካ ትርጉም ትስእነሉ ቋንቋ ስለ ይትፈልጥ መሰልካ ክትሓትት ወይ ጸገምካ ክትገልጽ ኣዚካ ትሽገር። ዝኮነ ሰብ ኣብ ኤዉሮፓ ኣትዩ ብግቡእ ትምህርቱ ከይምሃር ጸገም ገዝኡ ይኩን ዘለዎ ዕዳ ንምክፋል ስራሕ ብጸሊም ክትሰርሕ እዩ ዝመርጽ። ብኡ መንጽር እንተተረኪብካ ወረቀትካ ይበላሾ ክሳብ ርጀግት ዉን ትብሃል። ሽዕ እዩ በብቁሩብ ሂወትካ እንዳተበላሸወ ዝከይድ ኩነታትካ ዘይፈልጡ ሰባት ኣብ ኤዉሮፓ ጥራይ ስለ ዘለካ ካባካ ብዙሕ እዮም ዝጽበዩ ስለ ዘይጠዓመካ ድሃይ እንተጥፊእካ ክኣ ከመይ ኣለክስ ኢሎም ዉን ኣይሓቱን። ጥዒምዎ እዩ ክገብር ስለ ዘይደለየ እዩ እምበር ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣትዩ እንታይ ከፊእዎ ዝብሉካ ሰባት ዉሑዳት ኣይኮኑን ግን ዘለካዮ ንስካ ኢካ ትፈልጦ ብምሒር ጭንቀት ኣብ ፈቆዶ ወልፍታት ተዓቂብካ ነዛ ነብስካ ዉን ምኳንን ትስእን። ቀሊል ኣይኮነን ስለዚ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዘለኩም የሕዋት ኣጀኩም ኩሉ ብዓቅሊ እዩ ተስፋ ኣይትቁረጹ በጀመርታ ንነብስኩም ክትኮኑ ኣለኩም። ዝኮነ ሰብ ጸገሙ ክነግረካ እምበር ጸገምካ ክሰምዕ ኣይደልን እዩ። ስለዚ ኩሉ ነገር ድሕሪ ነብስኩም ይኩን።! እንተሊኩምን እንተጥዒምኩምን ኢኩም ብዙሕ ክትገብሩ ትክእሉ። ወላ እንተዘይገበርኩምሎም ህላዉነትኩም ዘገድሶም ስድራቤት ከምዘለዉኩም ዘክሩ። ንጥንቃቀ 1) ወረቀትና ክሳብ ንሕዝ ዓቅሊ ክንገብር ኣለና። 2) ቅድሚ ኩሉ ነገር ቋንቋን ሕግታትን ናይቲ ንነብረሉ ሃገር ክንምሃርን ብሕጊ ተማእዚንና ክንከይድ ኣለና። 3) ምስ ሰባት ዘለና ምቅርራብ ጽቡቅ ክከዉን ኣለዎ። 4) ካብ ባእሲ ይኩን ሰቲካ ካብ ምርባሽ ክንጥንቀቅ ኣለና። 5) እቲ ዝዓበየ ነገር ዝኮነ ጸገም ምስዘጋጥመና መፍትሒ እምበር ናብ ወልፍታት ክንኣቱ የብልናን።!

ሊሎ 🦅 📚✍️Ⓐ.Ⓑ
ሊሎ 🦅 📚✍️Ⓐ.Ⓑ
Open In TikTok:
Region: BE
Thursday 18 June 2026 02:22:55 GMT
67994
2741
194
173

Music

Download

Comments

abieesrom
اولادي. :
2026-06-18 18:32:23
8
user9759692792694
ابو يحيى :
God protect you 🙏 🙌 ❤️✨️🥰
2026-06-18 21:23:04
1
mamitey625
mamitey :
2026-06-18 16:47:40
4
krtett95
Krtett95🇪🇷✌️ :
2026-06-18 22:09:00
1
jesusislord97473
jesusislord97473 :
Ajoka hawey kulu halafsyu 🙏🏽🙏🙏🏽
2026-06-18 07:45:43
6
wiilkajahurkardm
Jaahurka Rdm Dini mahamed 🩸🦁 :
Ai 🥹🥹🥹
2026-06-18 14:22:25
1
gweneth855
ድንግል ማሪያም ኣደይ :
ኣጄካ ዛሓወይ እግዚአብሔር ምሳካ ይኩን ዛሓወይ 🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-06-18 20:09:24
1
user536078467948
user536078467948 :
🙏🙏🙏🙏♥️♥️♥️
2026-06-18 16:18:13
1
mensur.2008
@Mensur.black❤✌️ :
ahh😢😢😢🥺🥺🥺
2026-06-18 20:10:36
1
x.37ng3
قوتنا في وحدتنا 💙 :
اللهم يارحيم ارحم ضعفه وسخرله الأرض ومن عليها يارب 🤲
2026-06-18 23:02:46
0
um.zene
Tiyger :
ዓኽ
2026-06-18 22:37:28
0
alon.hagos
Alon Hagos :
Temesgen fetari enkae des beleka bruk hawey🥰
2026-06-18 10:43:17
3
akberetbetrom
Akberet Betrom :
ajoka hawey natey🙏🙏🙏❤️❤️❤️
2026-06-18 21:52:31
0
3we4vfjjud
Zahara.asffa :
ayzon.bor😭😭🤲
2026-06-18 20:16:00
0
furti0788
Nigsti💋 nebsa🥺👌 :
ajoka hawey 🙏🙏🙏
2026-06-18 16:07:53
0
moazbashir60
moazbashir60 :
لسان حاله يقول الشوق لي كرن والحنين في بلدة مسلمين عشتا والدردشتة مع ناسي المقربين صوت الضحكة في سكات وطيف الذكريات جبرتني الأيام عشان اكتب في مذكرات عن أيام الخوة والوقفات وعن وشوش بشوفه صابه الاكتئاب فيهم الغاب والاستمر وساب كل الأيام المضت كتاب كبير عنونه الأصحاب الله يفرجها عليك أخوي 🙏❤️
2026-06-18 11:09:32
1
tigrama7
tig@Rama :
2026-06-18 21:33:15
0
hlna3
hlna. :
ajoka hawey halaley amlak kulu ykealo eyu 🙏🙏🙏
2026-06-18 22:28:13
0
s....yd...y
QueenNebsa 💚gal seraya 💚❤️ :
ahhhh ajoka haweyyy 😥🙏💔
2026-06-18 22:06:54
0
hagosa.tesfey
hagosa tesfey :
ajokia hawey nty ❤️❤️
2026-06-18 18:06:11
0
To see more videos from user @user9178100909551, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About