@mahari5.24: #እንዳ_ተዋራረሰ_ዝመጸ_ምእንተ_መሬትናን_መንነትናን_ዝፍጸም_መስዋእቲን_ስንክልናን_ሓደ_ካብቲ_ኣካል_ስረዓተ_ክብርታትና_ኣካል_ኣገልጉሎትና_እዩ። ረዛን ዕለት 20 ሰነ ምዓልቲ ሰማእታትና፣ብዝግባእ ንዘላእለም ክትዝከሪ ኢኪ። __________________________________ ግንቦት 24 ዛዛሚት ዓወት ናይ’ቲ ንልዕሊ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት፣ ኣንጻር ዝተፋላለዩ ባዕዳውያን ወረርቲ ብመትል መኪትና፣ ምእንተ መሬትና/ሃገርና፡ ታቦትና፡ ብሓፈሻ ምእንተ መክልኻል ህላውነትናን መንነትና ዝተቃለስናሉ ውጽኢት ክትከውን እንከላ፣ ብተማሳሳሊ ድማ ነቲ ካብኡ ጀሚሩ ዝጸነሐን ዝቅጽል’ውን ዘሎን ብድምር እኩብ ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣጣቃሊለ‍እና፣ ብረዚን ክብሪ ሓበን ሕልምን ዕላማን ንዝክራ እወ እዛ ክብርቲ ዕለት 20 ወርሒ ሰነ እያ። በዚ ኣጋጣሚ ሰማእታትና ዕላማኹምን ሕልምኹምን ንግዚኡ ብሰንኪ ኣንድነታዊ ኢሰያስ ተጓናዲቡ’ኳ እንተ ጸነሐ፣ ብሓቂ ብሓቂ ሕጂ ግን እዚ ንኡስ መንእሰይኩም ብዝግባእ ተረዲኡ እንሆ ኣብ ኣፋፌት ዓወት ኣብጺሕዎ ይርከብ ኣሎ። መንነትና ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝወጸ’ዩ ኣብዚ 21ኽለ-ዘመን ድማ ሓደ’ኳ ዝዳረጎ የልቦን’ሞ፣ ቅሰኑ ተሪፋ ዘላ ቁጠባ ፈጢርና ስድራኹም ምኽሓስን ዛንታኹም ብግቡእ ዕላማታቱ ምስናድን ጥራይ እያ። ሙሉ ብሄራዊ ሃገራውነት ኣብዛ ቅድስቲ መሬትኩም ፈጢክኩም ኢኹም ኣሊፍኩም። ስለዚ ድማ ንሕና ነቲ ዝፈጠርክሞ ሙሉእንት ጨላሊፍና ኣይከነኽብሮን ከመ‍እኡ’ውን ኣይከነዘንትዎን ኢና። የግዳስ በብመድረኹ በብዘመኑ ንዘንቲ እለት ክንትርኾ ንነብር ኢና። ሰንሰለት ፍጻመ ዝተኽፍለ ዋጋና ምእንተ ሰብብ ረብሓ ናይ ዝተፋላለየ‍ኡ ጉጅለታት ኢልና፣ ፍጹም ቁድስ ኣይነባትኽን። እወ ስድራና ድማ ካብቲ ዛንታ ኣቦና ኣብራሃም ጀሚሮም ነቲ መስዋእቲ ስለዝርድእዎ’ስ፣ እንሃለዉ ስኖም ነኺሶም ነቲ ዘይካኣል ኪኢሎም፣ ተመሊሶም ንዓና ሃደራኹም እዛ ሃገር ዓቅብዋን መንግስተ ሰማይ ናይ ምድሪ ከም ተኸውን ገይረኩም ህነጽዋን እንዳበሉና ብኸቢድ ሎቦዋ ካብዛ ዓለም ይሓለፉ ኣለዉ። ድሐሪ ምበ‍እሳር ልኣላውነትና ዕላማኹምን ኣካባብራን ኣዛናትዋ ፍጻመኹምን ሓዲዱ ኽቅይሩ ብዙሕ ኣላዕልና ታሕት ዘበሉ ብዙሓት ውን ዘሕሰሩኹማ ተዓዚብና ኣለና። ይኹን ድኣ እንበር፣ ግደ ሓቂ ንሰማእታት ሃገርና ኣክብሮት ዝኾነ ለዛዪ ዝህቦምን ዘሕድገምን፣ ዓቅሚ ዘለዎ ኣካል የለን። ምኽንያቱ ንሳቶም ምእንተ እታ መሬቶም፡ ቋንቋኦም፡ስልጣነኦም፡ ስድራ-ቤቶም ብሓፈሻ ምእንተ ሃገራውነቶምን ታቦቶምን እዮም ወዲቆም። ስለዚ ድማ እታ መሬት ኣቦሓጎታቶም ንዘላእለም ከተኽብሮም፣ ታቦቶም ድማ ንዘላእለም ክባርኾም ክነብር እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እነሆ ኩላ ፈሽላ ተሪፋ፣ ክብርኹምን ዛንታኹምን ድማ ብዝግባዕ ከንጻባርቅ ጀሚሩ ይርከብ ኣሎ። ሃገራዊ መንእሰይ ሃገርና፣ መስዋእቲ ጀጋኑኻ ኣስፊሕ ዳኣ ኣንብቦ። ብጸበብቲ ጉጅለታትነ‍እ ሰብ ዝተፋላለየ ኣጀንዳን ተዳናጊርካ ብጌጋ ርዲኢት ብዝተፈብረኸ ዛነታ ፉሹላት ኣይትተዓዘቦ። እወ ከምቲ ብምሉእ ፍጹም ብሄረ‍ኣዊ ሃገራውነት ተምኖ ኣኽብሮ ኣዘንትዎ ድማ። እዚ ክንብለ‍እ ከለና ግን ኣብዚ ዛዛሚ ቃልስና ቃልሲ ሻዕብያ፣ ኣብዚ ናይ ቀረባ ዝተኸፍለ ዋጋ ሰማእታት ሃገርና ብዝሖም ካብ ዝመጽሉ ዓድታት ዝካሓድ ኣይኮነን፣ ንኣብነታ ዓዲ እተን ቅድስቲ ኣደ፣ ኣደይ ሂወት #ዓዲ_ንፋስ እንተዳ ተመልኪትና ብሓቂ ብሓቀ‍ኢ ዘስደምድም ንሃገራውነት ዝኽፈለቶ ዋጋ ዘገርም እዩ። እዚ ድማ እዛ ቅድስቲ ዓድን ንዓኣ ዝመስላ ካሎኦት ዓድታትን ብፍሉይ ኣብ ሃገርና ዝኸፈሎኦ ዋጋ ኣብ ክብ ዝበለ ዛንታን ታሪኽን ክንጠቅሰን ይግባኣና። ብአአን ድማ ንኮርዕን ንሕበን፣ እወ እዘን ከምዚ ዝኣመሰላ ዓድታት ኣብነት ሓበን ዓድታት ትገርኛ ድማ እየን። እዚ ከምዚ’ሉ እንዳሃለወ ድማ ብምቅጻል ሰማእታት ሃገርና፣ በብእዋኑን በቢ ከባቢኡን ካብ ዝተፋላለየ ዓድታት ትግርኛን ቀቢላታትን እንዳታትን ከምኡ ድማ ዋላ ውሑዳት ቁጽሪ ዳኣ ይኹኑ እንበር፣ ካብ ካልእ ሃገራት ብናይ ሓባር ዕላማን ራእን ብሓባር ምስ ኣቦታትነ‍ኣ ኣቦሓጎታትናን ኣያታትናን ወዲቆም እዮም። ኮነ ካኣ ነቲ ዝነበር ባዕዳዊ ድማ ኣልዮም፣ ሓንቲ ኣላእላዊት ሃገር ኣረኪቦምና ሓሊፎም እዮም። እዚ ዝካሓድ ሓቂ ኣይኮነን፣ ጸላኢ እንተኾነ’ውን ዝምስክሮ ሕሉፍን እያዉን ፍጻመ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ካኣ ብሓቂ ከነክብሮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ኣንድነታዊ ኢሰያስ ናብ ናይ ካልእ ኣጀንዳ ስለዝጠውዮ ዘሎ፣ ክናይ ሓባር ስጥመት ከንኣልዮ ይግባእ። ንዕላማ ዓወታት ሰማእታትና መንዚዕና፣ ኣብካልእ ማዓላ የውዐሎ ስለዘሎ፣ ንሐና ድማ ካብ ኢሰያስ መንዚዕና፣ ናብቲ ናይ ብሓቂ ራኢኦም ክንመልሶ ዓቢ ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነታዊን ሕራነ ክንስከም ይግባኣና። እንተ’ቲ ኣብ ሚድያ ሚኒን እንዳበሉ ከምዚባ ከምቲ እንዳበሉ ዝነዝሕዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ነውራም ቃላት ግን፣ ሓደራኻ መንእሰይ ሃገርና፣ ብስም ሃገራውያን ይኹን ብስም ኣድማሳውያን ዝንዛሕ ብራርያ ነውራም ቃላት ዋጋ ኣይንሃቦ። እወ ንሕናስ ከም ሃገራውያን ናይ ትገርኛ መጠን ምእንተ ዛቅድስቲ ሃገርና ዝኾነ ይኹን ካብ ዝመጸ ይምጻእ ዋጋ ዝኸፈለ ዘበለ፣ ብምሉእ ልብና ድኣ ነኽብሮን ካሕስኡ ድማ ኣብ ምኽፋል ንሻባሸብን። ዝገርም’ዩ መላእ ሰማእታትናን ስንኩላትናን በቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣንድለታዊ ኢሰያስ ዝሓሰርዎ ከይኣክሎምስ፣ በዞም እንስሳታት ስደተኛታት ክሓስሩ ክተርኢ ከለኻ ድማ ብሓቂ ትግረምን ትስንብድን። የግዳ ንሳቶም’ስ ኮነ ኢሎም ስለዝገብርዎ ነዚ ጽሑፍ እንተዳ ኣንቢቦሞ’ውን ዕጅብ ኣይብሎምን እዩ። ብክልተ ነገር’ዩ ሓደ ክርድእዋ ዓቅሚ የብሎምን፣ ካላኣይ ድማ ብዕላማ ስለዝገብርዎ ኣይስወጦምን እዩ። ብድጋመ ሰማእታትና ምእንተ መሬትኩም ኢኹም ተሰዊእኹም’ሞ፣ ቅሰኑ ክሳብ ሓቀኛ ንዓኹም ዘኽብር ጻማኹም’ውን ክሳብ ሓሙሻይ ወለዶኩም ዝኽሕስ መንግሰቲ ንተክል፣ ባዕላ እታ ቅድስቲ መሬት ኣቦሓጎታትኩምን ቅድስቲ ታቦትኩምን ተኽብረኩ ኣላ። ክቡራት ሰማእታትና እዚ ቅንያት ቅንያትኩም ኢዩ፣ ስለዚ ድማ’የ ገለ ክብል ዝተገድኩ!!! ዎ’ ድሓንኩም፣ ንሕነ ከመ ኣበዊነ!!! #highlightseveryone

መሓሪ  (ኦሪት)
መሓሪ (ኦሪት)
Open In TikTok:
Region: FI
Thursday 18 June 2026 17:32:39 GMT
415
26
0
0

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @mahari5.24, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About