@nganngan9401:

Thu Ngân Review
Thu Ngân Review
Open In TikTok:
Region: VN
Monday 22 June 2026 04:58:49 GMT
431
9
1
1

Music

Download

Comments

thaicua17
Phúc Thái 💥 :
❤️❤️❤️
2026-06-22 05:20:54
0
To see more videos from user @nganngan9401, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

በጊዕ፦
በጊዕ፦ "እዚ ባሕሪ ክሳዕ ክንደይ'ዩ ዕምቀቱ፧" ገመል፦ "ዓሚቚ ኣይኮነን፤ ክሳዕ ክሳድ ጥራይ እዩ!" ስለ ዝተባህለ ጥራይ ዘይኰነስ "መን ከም ዝበሎ" እውን ኣረጋግጽ! ብዓቐንካ ዓቅን... ኵሉ ግዜ ክትዝክሮ ዝግበኣካን ዘለካን "ንስኻ" ንስኻ ጥራይ ምዃንካ እዩ። ንስኻ ጥራይ ምዃንካ እንተተረዲኡካ ብርእስኻ ኢኻ እትሓስብ፤ ብዓቐንካ ኢኻ ድማ እትምጠጥ። ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቅርጽን መልክዕን ዘለካ ፍጡር ምዃንካ እንተተረዲኡካ፥ ኣብቲ ንስኻ ዘይኰንካዮ ንውድድር ኣይትኣቱን ኢኻ። ንስኻ ምዃንካ ኣጸቢቕካ ስለ እትፈልጥ፥ ኣብቲ እትኽእሎ ብዓቐንካ ኢኻ እትኸይድ! ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ ስእላዊ ምስሊ፥ ምስሊ ናይ ሓንቲ በጊዕን ሓደ ገመልን ኣሎ። እቲ ገመል ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ማይ ኣትዩ ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ጥራይ ይረአ ኣሎ። ወያ በጊዕ መጺኣ ኣብ ደንደስ ናይቲ ባሕሪ ኰይና፥ "ስምዓኒ እንዶ ገመል፡ እዚ ቀላይ ደኣ ዓሚቝ ድዩ ቀረባ፧" ብምባል ሓተተት። ገመል እዩ ኣብቲ ማይ ዘሎ፤ እትሓትት ዘላ ከኣ በጊዕ እያ... በጊዕ! ወዮ ገመል ድማ ትቕብል ኣቢሉ፥ "ኣይፋሉን፡ ክሳዕ ክሳድካ እዩ! ካብ ክሳድካ ዝሓልፍ ኣይኰነን በጊዐይ" ብምባል በቲ ነዊሕ ክሳዱ ተመጢጡ ቅርበት ናይቲ ቀላይ ከእምና ፈተነ። ርኤኹም፥ ዓቐንካ እንተዘይፈሊጥካ እትገብሮን እትሓቶን ኣይትፈልጥን ኢኻ! እዛ በጊዕ ኣብ ኵርናዕ ብርኪ እግሪ ናይቲ ገመል እውን እትበጽሕ ኣይኰነትን። እዚ ቀላይ ድማ ነቲ ገመል ምሉእ ነብሱ ኣጥሒሉ ክሳዱ ጥራይ ክቕልቀል ብምግባር ጥዑይ ኣየር ከስተንፍስ ጌርዎ ኣሎ። እዚ ማለት እታ በጊዕ ናብቲ ቀላይ እንተኣትያ ግን መዓልቲ ቀብራ ኣኺሉ ኣሎ ማለት እዩ! ብዓቐንካ ዘይምኻድን ንዝዝረበካ ዘረባ ብግቡእ ዘይምምማይን ሳዕቤኑ ከቢድ ምዃኑ እዛ ምስሊ ዓባይ መምህር እያ። ድሌት ጽቡቕ እዩ፤ ተበግሶ እውን ኣድላይ እዩ። ክትደሊ ክትብገስ ከለኻ ግና ብዛዕባ እቲ እትደልዮን እትብገሰሉን እኹል መጽናዕትን ኣፍልጦን ክህልወካ ኣድላይ እዩ። ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዘመንና ዘሎ ነዚ ወለዶ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም ድማ፥ እተባህለ ኵሉ ክትገብር ምድላይ እዩ። "መን ኢልዎ" ከይፈለጥካ፡ "መወዳእታ ናይቲ ብሂል እንታይ እዩ፧ ኣበይ እየ ክዓርፍ፧" ከይበልካ ምኻድ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዝህብ ናይ ህይወት ተመኩሮና እኹል ምስክር እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ሊብያ ቀረባ ንዓዲ ጥልያን ምዃኑ እምበር፥ ነቲ ኣብ ሊብያ ምስ ኣተኻ ዘሎ መሪር ህይወት ዝነግረካ ሰብ የለን። "ካብ ሰለስተ ሰሙን ኣይትሓልፍን ኢኻ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ሰሙንካ ኢጣልያ ኣለኻ" ዝብል ወረ እንተዘይኰይኑ፥ ነቲ ካብ ገንዘብካ ጀሚሩ ክሳብ ህይወትካ ክቐጥፍ ዝኽእል ሓደጋ ብንጹር ዝነግረካ የለን። ከም ውጽኢቱ ድማ ሳዕቤን ናይቲ ዝተባህለ ጥራይ ሰሚዕካ ምኻድካ ግዳይ ጎሓላሉ ይገብረካ፤ ኣእምሮኻ ክሳዕ ዝማስን ኣካላትካ ክሳብ ዝለምስ ብኵለንትናኻ ኣዳኺሞም ሓዲግ-መዲግ ይገብሩኻ! ስለዚ ንሰምዖ ነገር ሱቕ ኢልና ምውሓጥ ዘይኰነስ ኣጽሪና ክንወስድ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንህይወትካ ጠቓምን ኣድላይን ስለዝዀነ ኣብ ጽላት ልብኻ ከተእትዎ ይግባእ። ሓቂ እዩ፥ "ዓለም ጻዕሪ እያ፡ ዝሰርሕ እዩ ዝጋገ፡ ዝኸይድ እዩ ዝዕንቀፍ፡ ከይፈተንካ ምሕላፍ የለን፡ ከይወደቕካ ድማ ምትንሳእ የለን" ኢልና ኢሎም እውን—ጽቡቕ ናይ ምትብባዕ ቃላት እዩ። እንተዀነ ግን፥ ምፍታን ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ እትፍትኖ ምፍላጥ እውን ኣካል ናይቲ ጻዕሪ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ! ኣብ ምኻድ ምዕንቃፍ ከም ዘሎ ምርዳእ ጥራይ ዘይኰነስ፥ እቲ እትኸደሉ ዘለኻ ዝዕንቅፍ ጥራይ ድዩ ወይስ ህይወትካ ዝወስድ ምፍላጥ እውን ኣካል እቲ ፍልስፍና እዩ! ኵሉ ንስኻ እንተሊኻ እዩ፤ እንተኸይድካ ኣብቂዑ እዩ። ስለዚ እቲ እትገብሮ ንረብሓኻ ምዃኑ፡ ብዓቐንካን ንጥቕምኻን ምዃኑ ምርግጋጽ ብልሒ እምበር ፍርሒ ኣይኰነን! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ንቕሓት #ኮፒሊንክ #ኣይትረስዑ

About