@sami_yata: #ሓንቲ ናይ ሳሚ ሚስጢር ክነግረኩም ሬድዮ 🥺 ኣተዓባብያይ ምስ እነሓጎይ ስለ ዝነበረ እነሓጎይ ብ ስራሕ ኣብ ካሊእ ዓዲ ን ልዐሊ 30 ዓመት ተቀሚጣ እያ ብኡ ድማ ኣብቲ ሃገር ዝሓለፈቶ ሕማቕን ጽቡቅን ትምህርቲ እናቀሰምኩ እየ ዓብየ ። ብሓጺሩ ንህይወትን ዓለምን ዘለዋ ርድኢት ስለ ዘምሀረትኒስ ዝኾነ ሰብ ንዓይ መጽዩ እዚ ባ እቲ ኢሉ ሓሳበይ ኣቀይሩ ቀይናን መንገዲ ክመርሓኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን እቲ መሰረትካ ስጡም ተኾይኑ ክገብርዎ ዝኽእሉ የለን። እነሓጎይ ምስ ሬድዮን ሓቀኛ ተገበረ ታሪኻትን ዘላለየትኒ ገና ህጻን ከለኹ ዩ ይዝክር ብዙሓት ሬድዮታት ሰይረ እየ 🤣 በዓል መን ይዛረቡ ከም ዘለው ንምርኣይን ከመይ ጌረ ኣነ ተዛሪበ ምሳይ ዘየለው ሰባት ይሰምዑኒ ዝብል ሕቶ ኔሩኒ 🤣 ከይትግረሙ ብዙሕ ግዜ ዝጽረፈላ ሬድያ ብምፍታሕ ፈቲሕኻ ኣነ ኣይኮንኩን ብምባል ያ ሽዑ ምንኣሰይ ስለ ዘይተወለደ ዘመኽንየሉ ኣይነበረን ምስ ተወለደ ኳ ቀጠታ ሓዳሽ ተገዘኧት ሰሙን ከይሰማዕናላ ፈቲለ ኮፍ ኣቢለ ጸኒለ ኣላጊበሉ ኔረ🤣 ን ምፍታሕ ዘለኒ ፍቅሪ ፍሉይ እዩ ምግጣም የለ ዘየለ በር ድሓር ናለበምኩ ምስ ከድኩ ግን ተኸታታሊ ድራማታት ኤርትራ ክስሕቡኒ ጀሚሮም ዜናታት ዓለም ሓደሽቲ ፍጻመታት ተመሲጠ እየ ዝሰምዕ ነዚ ሕጂ ሒዘዮ ዘለኹ ባህሪ ዝሓገዘኒ ይመስለኒ ሽዑ ቲቪ ኣይነበረን ማለት ተነበረ እውን ኣብ ገለ ውሑዳት እንዳ ሃፋትም እዩ ኔሩ ብ ኣንቴና ዝረኣየሉ ዘመን ድሒሩ ግን dvd ገዚእና ኣብ ገዛና ምርኣይ ዝጀመርናሉ ዘመን ዩ ሽዑ ናይ በዓል ደበሳይ ወልዱ ተዘይተጋግየ ሰግለለት ትብል ድራማ ነዊሕ ግዜ ዝወስዱ ተኸታተልቲ ድራማታት ይሰምዕ ኔረ ከም ስርሐይ ጌረ እየ ስዓተን ፈልየ ከመይ ዝበለ ህይወት ድዩ ሓሊፉ ሬድዮ ዛራ ድሓር ዩ መጽዩ መስለኒ ድምጺ ሓፋሽ ግን ፍሉይ ትሕዝቶ ዝነበሮ ንዓይ ብፍሉይ ዘሐጉሰኒ ሬድዮ እዩ ። ናብ ናይ ትግራይ ዘለዋ ወይ ዝነበራ ሚድያታት ተዘይንመጽእ ምኽንያቱ ይዝክር etv ገለ ኔሩ መደብ ትግርኛ ዳርጋ ኩሉ ስራሕቶም ኣይምስጥን በቃ ን ዓበይቲ ሰባት ፖለቲካ ገለ ኢኮኖሚ ዝውግዐሉ በር ድራማ መስሓቂ መዘናግዒ ትምህርቲ ዝዝርግሓሉ ኣይነበረን ድሓር tv tig ድምጺ ወያነ ሬድዮ ክሰምዕ ፈቲነ ኔረ ኣይከኣልኩን ምኽንያቱ ክኣ ኣነ ዝለመድክዎ ምቁር መደባት ስኢነዮም ብሓጺሩ ምስ ዓበኹ ዘይከታተሎም ናይ ትግራይ ሚድያታት መሊኦም እዮም ምንም ዋጋ ስለ ዘይብሎም ሓደ ን ህዝቡን መንእሰዩን ኣብርሆት ዘይህብ ሚድያ ዋጋ የብሉን ተጋሩ የሕዋተይ ብልቢ ኣይትሓዙለይ ናይ ትግራይ ስራሕቲ ብምንም ተኣምር ኣይምስጠኒን ኣይ ካብ ድራምኦም ደርፎም ግጥሞም ኩሉ ንዓቀብ ዩ ዘብለካ በቃ ኣተዓባብያ መስለኒ ኣነ ብመንነተይ ይኾርዕ እየ ግን ብ ስነጥበባዊ ስርሓት ተጋሩ ድምብርጭ ኣይብለኒን እዚ ናተይ ሓሳብ እዩ ወዲኤ ኣይትኾርዩ 🤞 Sami AL eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹 #ኤርትራንኤሪትራዊያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷 #ትግራይ_ንዘለኣለም_ትነብር🙏🇻🇳 #tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok❤❤❤❤ትግራይ❤️💛

Sami AL
Sami AL
Open In TikTok:
Region: ET
Tuesday 23 June 2026 08:39:13 GMT
1436
36
4
2

Music

Download

Comments

abderhaman26
abderhaman :
🥰🥰🥰
2026-06-23 08:43:04
1
onedayeverything27
Σιών :
🥰🥰🥰
2026-06-23 11:51:03
1
To see more videos from user @sami_yata, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About