@onelogochiwa: ስብሃት ኣቦራ ምራጭ ብግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብ1930 ዓ.ም ካብ ኣዲኡ እምበይተይ ሓዳስ በዅሩ (ኣፌልባ) ካብ ኣቦኡ ብላታ ኣቦራ ምራጭ (ሊበን ሎጎ-ጭዋ) ኣብ ኣፌልባ (እንጋንኣ) እንከሎ ሓደ ወድን ንድምበይተይ ሓዳስ በዅሩ ኮይኑ ተወልደ። ኣብ ሊበንን ድማ ምስ ኣቦኡን ኣዲኡ ወይዘሮ ሕብረህት ካሕሳይን ኣሕዋቱን ዓበየ! ብጸሎትን ምህለላን እምበይተይ ሓዳስ ብምርቃን ባርኾትን ወለዱን ኣቦሓsetupትን እናተንስአ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ጀሚሩ ሓሙሽተ መንግስታትን ምሕደራን ርእዩን ሓሊፉን ደምበታቱ ብውሉድ ዘቖለበ ሸሸቶ በርኸቱ ደቂን ደቂ ደቂ ደቂን ዝረኣየ'ዩ! ፖለቲካዊ ንቕሓት ስብሃት ገና ብህጻንነቱ ኣብ ቤት ኣቦሓጉኡ ደግያት ምራጭ (ሽመኛ ሎጎ-ጭዋ)ብዘንጋ ኣቦሓጉኡ እኳ ተኸኒሑ እንተጀመረ ኣብ ከባቢኡ ኣስመራ ተማሃራይ እንከሎን ስዒቡ ብሓሳብናን ንጥፈታትን ኣሕታቱ በዓል ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩ (ኣፌልባ) ኣዝዩ እተጸልወን ዝበሰለን እዩ:: ቅድሚ ምጅማር ሰፊሕ ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ሓርበኛ ስብሃት ቅድም ብውልቃዊ ተበግሶ ስዒቡ ድማ ምስ ብጾቱ ኣባላት እቲ ውፉይ ውድብ ማሕበር ሸውዓተ ንእምቢታ ኣንጻር መግዛእትን ጎበጣን ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ግንከኣ ምዑታት ፈልምቲ ደቂ ሃገር ብረት ዘልዓለን ዝኸተተን እዩ:: ነቲ ብዘይ ቅዋማዊ ሕጋዊ መስርሕ እተሓገዘ መሰሎም ንምምላስ መንነቶም ንምዕቃብ ዝጸበበ ፖለቲካዊ ባይታኦም ንምስፋሕ መጻኢ ዕድሎም ንምስናይን ንመሰሎም ክመቓርሕ ንክብሮም ከሕልዉ ብረት ኣልዓሉ:: መቓልሕ ናይዚ ሓምያታ ድማ ስዒቡ ናይ ሰላሳ ዓመት ገድልን መስዋእትን ተኸፍለ! ነቲ ውፉይ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ (ማሕበር ሸውዓተ) ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝተኣከበ ብረትን ንዋትን ብምስጢር ልኢኹ ንውሑዳት ኣባላት ኣብ ከተማ ስቱር መዕቆብን ቦታን ኣዳልዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንእሱራት መንእሰያት ተስፋን ምኽርን ሂቡ ማህረምቶም ደሪዙ ንፖለቲካዊ ክእለታት ንምብጻሕ መኺሩን ኣጉሊሑን:: ስብሃት ብባህርያቱ ኣዝዩ ትሑት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣዝዩ ለጋስ ወገን ውዱዓት ዋልታ ቤትሰቡ ዓንዲ ማእከል ማይቤት ኣኽባሪ ሰብ ኣባ ሓይሊ ሓላልን ሩሑሩህ ኣልቃስን ፈታዊ ሰብ ፈታው ጀግና ፈታው ታሪኽና ስርዓትን ዕላልን ኣዘንታዊ ታሪኽና ወለዶ ሓረግና ዝያዳ ኩሉ ግና ቀንድ መለለዪ ሕሉናት ስብሃት ሕጹብ መንነትን ድፍረትን ትብዓትን እዩ:: ስብሃት ንፈታውያን ውጹዓትን ኩሉ መዓር እዩ ንትዕቢተኛታትን ዓመጸኛታትን ግና ነበልባል ሓዊ ዝተፍእ ደራሪንን እዩ::
ጓል ሎጎጭዋ 🤍🕊️
Region: CH
Tuesday 23 June 2026 18:51:45 GMT
Music
Download
Comments
Amanuel Reinigung :
🥰🥰🥰🥰
2026-09-19 11:17:41
0
ወዲ 4 ሺሞታ(ሊባናይ) :
sdray sdra jignnet sdra seb sre💪💪💪💪💪💪🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-24 14:04:41
1
Sami 🇨🇭 🇨🇭 🇨🇭 :
papa sebhat❤️❤️❤️❤️
2026-09-15 01:01:58
0
user2495257682504 :
King
2026-07-11 08:27:49
0
Tes📞🤍ሎጎ ጭዋ :
Sidray 🤴🏽🕊️🤍🤍🤍🕯️
2026-06-24 12:24:46
1
➻◊ሎጎ ጭዋ ዓደይ🕎☸️🦁🫵።🥷🦅🤍💙🌿 :
መርሓባ Sidray 👑👑🤴🏽🕊️🤍🤍🤍🕯️
2026-06-24 17:00:23
0
never give up :
demey natey ❤️❤️❤️
2026-06-25 22:32:52
0
2025happy :
💯💯💯
2026-06-24 13:20:59
0
Jefri weldit 1991 :
ቀጽላ 🥰🥰🥰
2026-06-25 00:14:29
0
Samri Happy Family :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-06-24 13:00:36
0
abuabu652 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-08 16:10:31
0
eri love :
hero❤️❤️❤️❤️❤️
2026-06-24 13:56:35
0
ሓኔታይ 🦁⛪❤ :
ኢንስፔክተር ስብሓት ኣበራ ምራጭ (1930 - 2018) ታሪኻዊ ሃገራዊ በዓል ሞያ ጸጥታን ሓርበኛን እዮም። ንሶም ኣባል እቲ “ማሕበር ሸውዓተ” ወይ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ፣ ኣብ ጥቅምቲ 1961 ኣብ ልዕሊ ምክትል መራሒ መንግስቲ ኤርትራ (ቀሺ መልኣከሰላም ዲሜጥሮስ) ንዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ተባሂሎም ካብ ዝተኸሰሱ ሓርበኛታት ሓደ እዮም።ምንጪ ታሪኽን ውርሻን፤ስድራቤታዊ ታሪኽ፡ ኣቦሓጎኦም ደጃዝማች ምራጭ ሓደ ካብ እሙናት ወተሃደራት ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ምንባሮም ይፍለጥ።
2026-06-23 19:00:55
6
tantino :
We proud of our Fathers🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-06-24 08:29:03
0
ሊባነት 4ሽሞታ :
ታሪኽ ኣቦታትና
2026-06-25 11:25:13
0
ሰፍኣ ውላድ ሎጎ ጭዋ 🇪🇷🇪🇷🤍🤍 :
🥰🥰🥰
2026-06-23 21:55:10
1
sewe mehome :
❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-06-24 05:57:16
1
عيسى حسين :
🥰🥰🥰
2026-06-23 19:01:39
1
🙇♀️ :
👑😇
2026-06-23 19:09:03
1
ወዲ ገጠር💍🥂💘 :
💯💯💯
2026-08-09 09:21:45
0
cunha :
🥰🥰🥰
2026-06-28 18:19:29
0
Kulu haja መራ :
👑👑👑👑👑👑👑👑👑
2026-07-02 08:08:10
0
Abeniera :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-07-15 06:06:02
0
Te 🚦🚥🚢 :
♥️♥️♥️
2026-07-18 12:56:15
0
10 /19 :
🥰
2026-06-24 06:56:23
1
To see more videos from user @onelogochiwa, please go to the Tikwm
homepage.