@adam_tiktok39: ህጻን ኢሰያስ... ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ፡ ስውእ ኢሰያስ ጸጋይ፣ ካብ ኣብኡ ኣቶ ጸጋይ ተስፋዝጊ፡ ኣደኡ ወ/ሮ ሃይማኖት ፍስሓጽዮን፣ ኣብ 1956 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ፡ ህጻን ኰይኑ፡ ትምህርቲ ምስ ጀመረ፣ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ፡ ኣብ ማሕበር ሃዋርያት ኣስመራ፡ ናይ ማእከላይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣርባዕተ-ኣስመራ ከምኡ ድማ ካልአይ ደረጃ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ናዝሬት፡ “Bible school” ኣብ ዝብሃል ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ፡፡ ኣብ መዛዘሚ ሃገራዊ መርመራ 2ይ ደረጃ፡ ሓደ ካብቶም ዝልዓለ ውጽኢት ዝመዝገቡ ተመሃሮ ኰይኑ፣ ብዘይካ ናይ ቛንቋ ኣምሓርኛ ውጽኢት “B”፣ ካልኦት ዝተረፉ ዓይነታት ትምህርቲ፡ “A” ብምምዝጋብ፡ ኣብ ትምህርታዊ ጉዕዝኡ፡ ታሪኻዊ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ካብ ህጻንነቱ ስሙ ክኹልዕ ጀመረ። ተጋዳላይ ኢሰያስ... ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዎ ልዑል ነጥቢ ኣመዝጊቡ ክነሱ፣ ናይ ዩኒቨርስቲ ጉዕዝኡ ኣወንዚፉ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ንዝነበረ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምውዳቕ፡ ኣብ 1977፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽንባር፣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ።ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝምሓደር ዘሎ ማህሚመት፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን መባእታዊ ፖሎቲካዊ ትምህርቲን ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ተወጋኢ ሰራዊት እንዳ ኣርባዕተ ተመደበ። ተጋዳላይ ኢሰያስ፡ ኣብ 1978 ዓመተ-ምህረት፡ ኣብ ኵናት ዓዲ-ያቖብ ስለ ዝተወግአ፡ ሓያል ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣጋጠሞ።ኣብ ሕክምና ዓራርብ ብዝተገብረሉ ሕክምናዊ ክንክን ኵነታት ጥዕንኡ ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ፣ ኣብ 1981፡ ምስ ትምህርታዊ ዓቅሙን ንቅሓቱን ዝዳረግ ምደባ፣ ናብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ፡ ጨንፈር ምርምርን ሰነዳትን ተመዲቡ ክሳዕ ከባቢ 1983 ዓመተ ምህረት ኣብ ምርምራዊ ስራሓት ነጠፈ። ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ... ብድሕሪ 1983፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ተውህቦን ክእለትን ስነ ጥበብ ዘስተባህሉ ሓለፍቱ፡ ካብ ጨንፈር ምርምርን ሰነዳትን፣ ናብ ማእከላይ ባህሊ ህግሓኤ ቀየርዎ።ከም ትጽቢት መጋደልቱ፡ ኣብ ድርሰታት ግጥሚ፡ ድራማ ተዋፊሩ፣ ብስነ-ጥበባዊ ዕዮታቱ፡ ንብዙሓት ስነ ጥበባውያን ተጋደልቲ፡ ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ ፡ ናብ በሪኽ ከም ዝድይቡ ክገብሮም እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ድማ ፍናኑ ሰማይ ከዕርግ፡ ብመንገዲ ስነ ጥበብ ኣቢሉ ድሃይ ሰውራ ክረክብ፡ ከም ብዙሓት ናይቲ እዋን ስነ ጥበባውያን፡ ዓቢ እጃም ኣበርከተ። ፍርያቱ ካብ ዝተቋደሱ ስነ ጥበባውያን ንኣብነት፡ ተኽለ ክፍለማርያም(ወዲ ትኹል)፡ ኣኽሊሉ ፎቶ( ተፈኖ)፡ ብርኽቲ ወልደስላሴ(ታንኪ) ምስማይ ይክኣል።ገለ ካብቲ ብስነ ጥበባዊ ኢሰያስ ዝተደርሰ፡ “ለሚን-ለሚነይ”፡ “እታ መሬተይ”፡ “ተጋዳላይ”፡ “ሓዳስ ቤተይ”፡ “ሓሬና”፡ “ፋኑስ ብርክሊሎ”፡ "ይክኣሎ"፡ ወዘተ…ዝኣመስሉ ሕደማታት ገድሊ ምጥቃስ ይክኣል። ኢሰያስ ድሕሪ 1991... ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ 1991፡ ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ ጸጋይ፣ ኣብ ባህላዊ ማእከል ጨንፈር ዜና፡ ከም ጋዜጠኛ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ”፡ ኣብ ክፍሊ ባህሊ ሚንስትሪ ዜናን ባህሊን፡ ኣብ ባህላዊ ጕዳያት ህግደፍ፡ ብሞይኡ ተመዲቡ ሰሪሑ። ኣብ 1994፡ ኣብ ምምስራት ጕጅለ ባህሊ ህጻናት ሸዊት፡ ምስ ብጻዩ ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ ፍስሃ ዮውሃንስ(ጃሽዋ)ን ካልኦትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ጌሩ።ንኸም ብዓል ስነ ጥበባዊ ጀማል ሮመዳን፡ መሰረት ዓይኖም፡ ኤረና ኣፈወርቂ፡ ሚልዮን እሸቱ፡ ልዋም ተኸስተ ከምኡ ድማ ቶማስ ኣሰፋው ዘፍረየ፡ ብሞይኡን ፍልጠቱን ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ዝነብር እውን እዩ። ብተወሳኺ ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ ጸጋይ፡ ብርክት ዝበሉ ሕደማታት እውን ጽሒፉ እዩ።ንኣብነት፡ “ኢራብ ኢሎማ” (ስነ ኣበባ ሃይለ)፡ “ዋርሳይ እዞም ሰባት መንዮም፧” “ኣባ ሰልዒ”፡ “ኣንቢበዮ ደብዳቤኡ” (ስነ ሄለን መለስ)፡ “ኤረና”(ነፍ ኣብርሃም ኣፈወርቂ)፡ “መስርዕ ብሬን”(ስነ ኣሮን ኣብርሃም)፡ “ኣምበሳደር” (ስነ እስቲፋኖስ ኣብርሃም) ወዘተ…. ካልእ... ©ናይ መድረኽ ድራማ፡ “ዓባየይ”፡ “ዕትብቲ”፡ “ልቢ” “ወዲ ኣርባዕተ”፡ “ምድረ-ማያውያን ኣናብስ”፡ ወዘተ… ©ተኸታተልቲ ፊልም፡ “ሰሚራ”፡ “ንእሽቶ ሓወይ፡ ክንዲ ሓሙተይ”፡ ትማሊ” ። ©ኣዘንታዊ ፊልም፡ “ፍቕሪን ኲናትን”፡ “እታ’ደ”(ምስ ወዲ ፈራዳይ)፡ “ራሄል” ። ©ከም ኣላዩ፡ “ዊንታ” ፡ “ዘይድበስ ጓሂ” ። ኢሰያስን ትምህርትን ... ተጋዳላይ ኢሰያስ፡ ዓቕሚ ፍልጠቱን ተመክሮኡን ንምዕባይ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ክልተ ዓመት ክምሃር እንከሎ፣ ኣብ 2000-2001 ድማ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ብ”ትያትር ስታዲስ” ናይ ማስተርስ ዲግሪ ምርካቡ፡ መምህር ኤፍረም ካሕሳይ(ወዲ ዃዳ) ሓደ እዋን ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንድሕረ ባይታ ስውእ፡ ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ ጸጋይ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይሕብር። መስዋእቲ ኢሰያስ ... ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ ኢሰያስ ጸጋይ፣ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት፡ ስነ ጥበባዊት ከድጃ ኣደም ኣብ 1990 ዝምድና ድሕሪ ምምስራት፡ ሰለስተ ቈልዑ ማለት፡ ሚለን፡ ሪምን ከምኡ ድማ ናባይን ዝብሃሉ ወሊዶም እዮም።ተጋዳላይ፡ ስነ ጥበባዊ፡ ኢሰያስ ጸጋይ ተስፋዝጊ፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ወቕዒ ልቢ፡ ብ23 ሓምለ፡ 2012 ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ፡ ኣብ መበል 56 ዕድሚኡ ዓሪፉ። መወከሲ፡ ©ኢንሳይክሎፐድያ ኤርትራና “ቅጺ-2” ገጽ 493-494 ብኣማን ተኸስተ ©ናይ ፈይስቡክ ገጽ መምህር ኤፍረም (ወዲ ኳዳ) መምህር ዮሴፍ ወርቀ ሽወደን #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habeshak #tigraytiktok #eritreantiktok #eritrea
Adam first Page
Region: BG
Friday 26 June 2026 10:28:19 GMT
Music
Download
Comments
zoo :
🙏🙏🙏🙏
2026-06-26 16:13:23
1
zemen.48🪐 :
The king 👑
2026-06-26 16:41:06
0
ኤርትራ ንዘላኣለም ንበረልና :
2026-06-26 19:39:56
0
ምስጢር ፍቅርኪ🇪🇷💚🥷 :
2026-06-26 16:26:20
0
Asmerom Azmarino :
2026-06-26 17:48:16
0
Heaven. :
2026-06-26 18:10:16
0
ablelomhaile281 :
💫✨️👑 R.I.P.💚⛪️🙏🙏🙏
2026-06-26 17:56:10
0
Menbar hante eya ✝️🙏 :
🥰🥰🥰👑
2026-06-26 19:40:06
0
helenegebreslase :
2026-06-26 17:16:25
0
Johne Estifanos :
2026-06-26 14:14:41
0
ኖጎዳ (123) :
wawwww
2026-06-26 16:54:31
0
ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ።🇪🇷🇩 :
ahhhhhh ❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-06-26 17:49:03
0
Fata💚 :
🥰🥰🥰ንፊዕ
2026-06-26 13:54:37
0
widi gulgula :
waww 🥰🥰🥰
2026-06-26 11:20:57
0
ቢሊ❤️🩹 :
Legend Eseyas Tsegay wetru ab lbna Rip❤️
2026-06-26 21:56:08
0
Yemikoo :
Kokeb Derasi RIP!
2026-06-26 19:57:17
0
helenegebreslase :
Kebrn mogasen nsematetatna 🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🌹🌹🌹🤩🤩🤩🤩💚💚💚💚❤️❤️❤️❤️🤲😭😭💔💔 Rip wetru abi lebena alkum Sewatena
2026-06-26 17:18:32
0
alem xewar :
bselam aref kbur snetbebawi eseyas xegay harbegna aynebrn eu tariku eu zwres 🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-06-26 12:27:06
0
I love Eritrea 🇪🇷 :
♥️♥️♥️
2026-06-26 19:06:35
0
I love Eritrea 🇪🇷 :
🥰🥰🥰
2026-06-26 19:06:33
0
alonaberediat :
👑👑👑❤️🙏🙏🙏
2026-06-26 20:45:17
0
dawa :
🥰🥰🥰
2026-06-26 18:34:53
0
Asmait Tesfamariam :
❤️❤️❤️
2026-06-26 19:25:42
0
wedimogos2 :
🥰🥰🥰
2026-06-26 12:26:31
0
To see more videos from user @adam_tiktok39, please go to the Tikwm
homepage.