@onelogochiwa: ዓዲ ኽፈልት ፈራያት ሊቃውንቲ መምህር ሊቀ መዘምራን አካለ ወልድ ቀሲስ መሓሪ ገብረ ተዋሕዶ እትሕበነሎም ብሊቅነቶም ዝፍለጡ፡ ብመምህርነቶም ዘብርሁ፡ ብመንፈሳውነቶም ኣርኣያ ዝኾኑ መምህር አካለ ወልድ እዮም። መምህር አካለ ወልድ ካብ ኣቦኦም ቀሺ መሓሪ ገብረን ኣዲኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ተማኑን ብዕለት ፲፯ የካቲት ፲፱፻፲፯ ዓ.ም. / 24 የካቲት 1905 ኣብ ሎጎጭዋ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ኽፈልት ተወለዱ። ጸጋ ጥምቀት ካብ ውሉድነት ተቐቢሎም ብጸጋን ብቑመትናን ዓበዩ። ኣብ ጊዘ ሕጻንነቶም ንኣቦኦምን ንኣዲኦምን ክገግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 10 ዓመት ዕድመኦም ደብረ ድማህ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣትዮም ኣብ እግሪ መምህር ገብረ እግዚአብሔር በረኸትኣብ ተቐሚጦም ፊደል ብምቝጻር ዘሎ ትምህርተ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን ብግቡእ ኣጠናቐቑ። 'ቃላትካ እምብዛ ጥዑም እዩ ንድፋይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር።' (መዝ. 119:103) ከምዝበል ንቓል እግዚአብሔር ኣዝዮም ስለ ዘስተማቐርዎ ናብ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ደብረ ኰል ገዳም ኣቡነ ቡሩክ ኣምላክ (መራጉዝ) ኣትዮም ካብ መምህር ዘመንፈስ ቅዱስ መዝገበ ቅዳሴ ምስ ኣመቱ ኣጽሒፎም ተማህሩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ከይተሓጸሩ ዝለዓለን ተወሳኺን መንፈሳዊ ትምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ኣብ ዝተፈላለዩ መምህራን ተማህሩ። ብፍላይ ግና ኣብ ጎንደር ካብ የኔታ ይትባረክ ምዕራፍን፤ ጾመ ድጓን፤ ኣቋቋማን ተማሂሮም ርእሶም ዝኸኣሉ ወደ መዝሙር ኮኑ። ቀጺሎም ካብ መምህር ልዑል ቃል ትርጓሜ መጻሕፍትን፤ቅኔን ምስ ኣገባቡ ብዕምቆት ተማህሩ። እግዚአብሔር፤ ነቲ ጽንዓት እምነቶምን ሠናያት ኣእምሮኦምን ተመልኪቱ ብርሃን ዓለም ክኾኑ ስለዝጸውዖም ብእኡ ተመሪሖም ኣብቶም ብዙሓት ሊቃውንቲ ዘፍረዩ መምህር ክፍለ በዓል እንድርታ ኣቋቋም ምስ ይትበሃሉ ኣጠናቒቖም ብመምህርነት ተመረቑ። በዚ ከይተወሰኑ ኣብ ዝርከብ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝማሬን መዋሥእትን ተማሂሮም ኣመስከሩ። መምህር አካለ ወልድ ከም እሙን ኣገልጋሊ መኺሊቶም ንኽርብሑ፡ እቲ ዅሉ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ መንበር ዘርጊሖም ንኽምህሩ ኣብ ጎንደር ወረዳ ሰቐልት ብፍላይ ስሙ ጎንደዋ ገብርኤል ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ን22 ዓመት ዝኣክል ብመምህርነት ኣገልገሉ። ብዙሓት ሊቃውንት ድማ ኣፍረዩ። ብድሕሪዚ ኣብ 1952 ዓ.ም.ግ ናብ ዝተወልዱሉ ዓዶም ዓዲ ኸፈልት ተመልሱ። መንበሮም ዘርጊሖም ነቲ ዝተዋህቦም ሃብተ መምህርነት ብዘይሰልኪን ብዘይበለጽን ኣገባብ ን44 ዓመት ኣገልገሉ። ካብ መንበሮም ከይተንስኡ ምስ ዝመጽእ ተማሃራይ ዅሉ፡ ኵሉ እናዀኑ ብዓቕልን ፍቕርን ምሉእ መዓልቲ ነዊሕ ሰዓታት ይምህሩ ነበሩ። በዚ ኸኣ ብዝኆም ክንደዚ እዮም ኢልካ ንምቝጻር እኳ ዘጸግም እንተ ኾነ ብዙሓት መምህራን፤ ካህናትን፤ ዲያቆናትን ኣፍርዮም'ዮም። ብኣቋቋማ፡ ብዝማሬወ መዋሥእት ብቅዳሴ ብሓፈሻ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህሩ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ዘምሃርዎም ብቐረባ ኣስማቶም ዝተፈልጡ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሊቃውንት ኣፍርዮም እዮም። መምህር አካለ ወልድ ኣብ ጎንደር 22 ካብ ዓዶም ዓዲ ኸፈልት ድማ 44 ብድምር 66 ዓመት ብመምህርነት ኣገልግሎም። መምህር አካለ ወልድ ብባህርዮም ምግሩን፡ ብትሕትናኦም ፍሉጥ ምስ ካህናት ኮነ ምስ ምእመናን ገጽ ቍጥዐ ከየርኣዩ ብዓቕልን ብትዕግሥትን ይነብሩ ነበሩ። ኣብ ደብረ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዝተለምደ ቐለም ከየቋረጹ፡ ጸሎተ ዜማ-ውዳሴ ማርያም ምስታ ናይ ሠርክ ዝጥዕምዋ መግቦም ከይተረፈ ነበረት። ድሕሪ መንበር ትምህርቲ ድማ ኵሉ ግዜ ቅዱስ መጽሓፍን ገድለ ቅዱሳንን ዜና ኣበውን ብዘይ ምቍራጽ ዕለታዊ መግቦም ነበረ። መምህር አካለ ወልድ ምሉእ ሕይወቶም ከም መልኣኽቲ ዀይኑ ብንጽሕናን ብድንግልናን ከም በዓል ኤልያስ፡ ዮሓንስ፡ ጳውሎስን ካልኦት ኣበውን ተወሲዶም ዝነበሩ ንጹሕ መምህር እዮም ነይሮም። መምህር አካለ ወልድ ከምቲ "ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኰንኩምን" ዮሐ. 15:19-20 ዝበሎ ኣምላኻዊ ቃል ዕድሜኦም ምሉእ ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ ብቑዕ ኣቦ እዮም። ከምኡ ውን "ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃን ኢኹም" ማቴ.5:14-16 ብዝበሎ መሠረት ንቤተ ክርስቲያንና ብትምህርቶም መምህራንን ሊቃውንትን ብምፍራይ ኣብሪሆምዋ እዮም። ከምቲ ነብየ እግዚአብሔር ዳዊት "ጻድቅስ ከም በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከም ዘግባ ዘሊባኖስ ትኵላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር ወይበቍሉ ውስተ ዐጸዱ ለአምላክነ/ ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ ንሳቶም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም ኣብ ዓጸደ ኣምላኽና ውን ይለምልሙ።" (መዝ. ፺፩/92:12) ዝበሎ፡ መምህር አካለ ወልድ ቀሺ መሓሪ ድማ ምሉእ ዕድሜኦም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ተተኺሎም፡ ኣብ ኣጸደ ቤተ እግዚአብሔር ብዙሓት መምህራን ዝፈረዩ እዮም። እምበኣር ኣብ መወዳእታ ኣቦና መምህር አካለ ወልድ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም ጉያኦም ወዲኦም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ብ፭ ግንቦት ፲፱፻፺፰ ዓ.ም./ 11 ግንቦት 2006 ኣብ መበል 101 ዕድሜኦም ብሰላም ዓሪፎም። ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ድማ ብኸምቲ ንሊቅነቶምን ሞያኦምን ዝግብኣ ስብሓታት በጺሑ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ግዜ ኣብ ዓዶም ዓዲ ኸፈልት ሎጎ ጭዋ ሓመድ ኣዳም ለበሱ። ምንጪ መርበብ ሓበሬታ ልሳነ ተዋሕዶ ዘኤርትራ አስመራ!

ጓል ሎጎጭዋ 🤍🕊️
ጓል ሎጎጭዋ 🤍🕊️
Open In TikTok:
Region: CH
Wednesday 01 July 2026 13:53:26 GMT
14396
1056
71
51

Music

Download

Comments

eri.frist
ቓንዛ ስደት👮‍♂️🇪🇷🇪🇷 :
ዓዲ ከፈለት ዓዲይ ዓዲ መዘምራን♥️♥️♥️
2026-07-01 20:33:35
7
tesb25logchiwa1
Tes📞🤍ሎጎ ጭዋ :
Sidray ☦️🕊️🤍🤍🤍
2026-07-02 05:55:34
2
samithebestman
Sami the best man 🇨🇭 :
my lovely village ❤️♥️💖 💕 😍 💗 ❤️♥️
2026-07-02 20:34:31
0
alemkonto7
abi :
thanks 🥰🥰🥰🥰🥰 Lego chewa adeyyyyy🥰🥰🥰🥰
2026-07-01 17:30:15
1
sometimelov
love2me :
መምህረይ ኔሩ ኣካለ ወልድ 1988
2026-07-02 09:00:36
1
mikifilhodemaria21
mamahalaley ♥️🙏 :
adi liqawnti adey 🙏🙏🙏🥰
2026-07-01 22:30:53
1
habtomamanue
ወዲ ትግርኛ🫵🏿🥷🏻 🍉🍉🌽🥦🥬☦️✝️ :
Yes🥰🥰🥰🥰
2026-07-02 00:24:01
0
temesgenfetari155
wlad shabyaa 🇪🇷🤍🇪🇷♥️ :
♥️♥️♥️🤍🌴
2026-07-01 22:47:57
0
deliea1
delie 🤍 🇪🇷 👑✌️ :
fam 🤍🤍🤍
2026-07-01 23:44:03
0
natiamanuel51
Nati :
adey love ❤️😍 💖 ❣️
2026-07-02 00:25:29
1
bxay.hade.zeyrsa
kiki bxay hade :
this is my villag
2026-07-01 16:05:32
1
pawndi
Genetey ms belku🤲🤲🤲 :
adey adi jeganu 🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-07-01 21:39:01
1
galgash76
Gal👸gash🌴🤍 :
jeganu sedray😇🤍
2026-07-01 23:28:05
0
sebeyumekseb21
ሆባይ ሰማይ🦅 :
ሎጎቶት🙏
2026-07-02 08:12:42
0
esuzemuy
esuzemuy :
❤️❤️♥️
2026-07-01 20:30:50
0
rozinatm
Rozi :
2026-07-01 21:40:22
0
hagereyeritreai0
I LOVE YOU ERITREA ሃገረይ :
2026-07-03 02:41:21
0
adam.halal.1080
ሓበሻዊት🇪🇷🇻🇳🇪🇹 🥀🙏🏽🌳 :
ጽልማ
2026-07-01 19:01:53
0
atfieka.tifa3
𝕓𝕝𝕒𝕔𝕜 𝕞𝕒𝕟🎧🎼 :
Adey xaeda one dey 🙏🙏🙏🙏
2026-07-01 21:27:47
0
user844937935455
ከም ዓለመይ :
2026-07-01 20:17:00
0
wedigash13
wedigash13 :
🤍🤍🕊👑🥰
2026-07-01 14:18:30
0
To see more videos from user @onelogochiwa, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About