@creamseohyun:

크림서현
크림서현
Open In TikTok:
Region: KR
Saturday 04 July 2026 08:42:52 GMT
7331
110
4
4

Music

Download

Comments

you646645
담곰이 나라 공쥬🕊 :
안녕 귀엽다
2026-08-30 21:16:08
0
user98148617102032
🤟🤟롤팡 작지(작은지유)🛼🐶 :
이 노래 이름 뭐예요
2026-08-15 16:11:43
0
gaonx_00
가온 :
1
2026-07-05 08:16:49
0
kiney099
safa150 :
🥰🥰🥰
2026-07-05 16:55:18
0
To see more videos from user @creamseohyun, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኪኖኻ ንውሽጥኻ ዘለልዮ የለን፡ ካባኻ ንላዕሊ እውን ንድሌታትካ ከንብብ ዝኽእል የልቦን። ስለዚ ኣብ ምርጫኻ ብዘይ ቀልዓለም፡ ብዘይ ጸቕጢ፡ ብዘይ
ኪኖኻ ንውሽጥኻ ዘለልዮ የለን፡ ካባኻ ንላዕሊ እውን ንድሌታትካ ከንብብ ዝኽእል የልቦን። ስለዚ ኣብ ምርጫኻ ብዘይ ቀልዓለም፡ ብዘይ ጸቕጢ፡ ብዘይ "ከይብሉኒ" ነቲ ናይ ውሽጥኻ ድሌት ምምራጽ ደሓን ዝዀነ ህይወት ሰላማውን ህዱእን ኣብ ምንባር ካብ ዝሕግዙኻ ቀዳማዊ ምርጫ እዩ! ብዙሕ ግዜ ንወዲ ይኹን ንጓል "እንታይ ዓይነት ሰብኣይ ትደሊ፡ እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ትደሊ፧" ኢልካ ክትሓትት ከለኻ "ለባም ጥራይ ይኹን እምበር፡ ለባም ጥራይ ትኹን እምበር" ዝብል መልሲ እዩ ዝምለሰልካ። እዛ መልሲ ናይ ብዙሓት መልሲ—ልሙድቲ (Common) ቃል እያ! እቲ ብዙሕ ከምኡ ስለ ዝብልን ከምኡ ዓይነት ጭርሖ ስለ ዝደጋግሞን ዝብሎ ቃል እዩ። ግን እቲ ሓቂ ንሱ ድዩ፧ ብልክዕ ምርጫኻ እንታይ እዩ፧ ለባም ጓል ዶ ወይስ ምልክዕቲ፧ ዘናጢ ዶ ወይስ ጓል ገዛ፧ ወሓለ ዶ ወይስ ወደወዶ፧ ኣየናይ እዩ ምርጫኻ፧ እቲ ልክዕ ውሽጥኻ ዝደልዮን ዝሓስቦን ኣበይ እዩ፧ "ከይብሉኒ" ግደፎ—መመላእታ ናይቶም ብዙሓት ምዃን ሕደጎ፡ "ለባም ንፉዕ" ክትበሃል እውን ኣይትድለ! ውሽጥኻ ዘይኣምነሉ ካብ ምዝራብ፥ በቶም ብዙሓት 'ዓሻ' ተባሂልካ ውሑስ ህይወት ምንባር ይበልጽ! ስለዚ ብልክዕ ምርጫኻ ኣየነይቲ ጓል እያ፧ እታ ጽብቕቲ፡ እታ ሸጥ መዓንጣ፧ እታ ቅርጻ እትሕሉ፡ እታ ደጋዊ ኣካላታ ሰሓቢ፧ ወይስ እታ ወሓለ፡ እታ ማይ-ማይ እትሽትት፧ እታ ሽታ ጸብሒ ዘይፍለዮ ክዳውንታ፡ እታ ወላዲት እታ ሓላይት፧ እታ ጽባቔኣ ኣብ ውሽጣ፡ እታ ቅድሚ ነብሳ ነብስኻ እትሰርዕ፧ ኣየናይ እዩ ምርጫኻ—ዶስ ክልቲአን፧ ወይስ ንኽልቲኡ ባህርያት ዘማልአት፧ ኣይሰሳዕካን፧ ስለዚ እዩ ምርጫኻ ብንጹር ምንባር ዘድልየካ! ብልክዕ ንዓኻ እታ ውሽጥኻ ዝሓረያ ንሳ እያ ናትካ፡ ንሳ እያ መካይድትኻ—ንዕኣ ኢልካ ኢኻ ከቢድ ዋጋ ምኽፋል እትኽእል። ነታ ዘይምርጫኻ ምርጫ ብዙሓት ግን ይትረፍ ከቢድ ዋጋ ኩባያ ማይ እውን ምቕባል ኣይትኽእልን ኢኻ! ስለዚ እዩ እቲ ነቓዕ ዝገፍሕ፡ እቲ ህይወት ዝመርር፡ እቲ በደል እውን ዝበዝሕ! ቅድሚ ዂሉ ቅድሚ ምምራጽካ ባዕልኻ ክትመርጽ ከም ዘለካ ኣለሊ። እቲ ብዙሓት ዝብልዎ ነቶም ብዙሓት ሕደገሎም—ምኽንያቱ እቲ ናይ ብዙሓት ስምዒት ስምዒትካ ዘይክኸውን ስለ ዝኽእል። ንስኻ ሓደ ኢኻ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ድማ ትሓስብ! እዛ ሓንቲ እዚኣ መን እያ፡ ኣየነይቲ እያ—ቅድም ምስ ነብስኻ ድላይካ ኣረጋግጽ ብድሕሪኡ ሕርያኻ ሕረ! እንተ ዘይኰነ "ለባም" ኢልካዮም ሓንቲ ጽብቕትን ወሓለን፡ ገዝኣ ብግቡእ እተናብር፡ መኽበሪት ሰብኣያን ናብራኣን ኣምጺኦም ልብኻ ግን እታ ከም "ከምኬፍካ ማሺ" ቃሕ ዝብሎ እንተ ዀይኑ፥ ነታ ምስኪን ክትብድላ ኢኻ—ነቲ ምስኪን እውን ክትብድልዮ ኢኺ! ቅድም ምርጫኻ ኣለሊ—ንውሽጥኻ ኣይትሓስዎ! ሰባት "ከይብሉኒ" ገዲፍካ ምስቲ ድላይካ ተሰማማዕ ብደሓን ክትነብር! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ምርጫ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ

About