@gualmoma5: #🌎 ""ናፍቖት ልበይ"💍💖🌎 ፍቕረይ፡ እቲ ምሳኻ ዘሎኒ ሰላምን ቅሳነትን ብወርቅን ብሩርን፡ ወይ ድማ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ክቡር ነገር ኩሉ ዘይትካእ ዓብዪ ናይ ፈጣሪ ህያብ እዩ። 💍💖🤴🌎 ንስኻ ንዓይ መላእ ዓለመይ ኢኻ፤ ካብ ዓይነይ ቁሩብ ክትርሕቕ ከለኻ፡ ንብምሉኡ ዓለም ጸላም ኮይኑ፡ ውሽጠይ ከኣ ብባዶነትን ብናፍቖትን ክውሓጥ ይጅምር። 🌎 ንምጽኣትካ፡ ነቲ ልቢ ዘረስርስ ድሙቕ ፍሽኽታኻን ነቲ ጥዑም ድምጽኻን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ። ኣዝየ እየ ዝፈትወካን ብምሉእ ልበይ ዘፍቅረካን! 💖🤴 ካብ ዓይነይ ርሒቕካስ ንብዓት ይውሕዘኒ፣ ብዘይ ብኣኻስ ናብራ ባዶ ይመስለኒ። እቲ ምሳኻ ዘሕለፍክዎ ናይ ትማሊ ሰላመይ፣ ሎሚ የናፍቖ ኣሎ እቲ ናተይ ልበይ። ደጊመ ክሓቕፈካስ ይጽውዕ ኣሎ ውሽጠይ።💖💍🤴 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት፡ ስምካ ክጽውዕ ከለኹ ልበይ ብሓጎስ ትርዕድ። ንስኻ ጥራይ ኢኻ ነቲ ውሽጣዊ ህድኣተይን ናይ ምንባር ተስፋይን እትመልሶ። ብዘይ ብኣኻ ዘሎ ግዜ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን፤ ምሳኻ ዘሎ ግዜ ግን ፍቕረይ፡ ንዘለኣለም ክቕጽል እምነዮ። 💍🌎💖 ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጽቡቓት ቦታታት ኩሉ፡ እቲ ዝበለጸ፡ ዝሙኡቕን ዝውሕስን ቦታ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓቕፎኻ እዩ። ናፍቖትካ ውሽጠይ መሊኡዎ ኣሎ... ብቕልጡፍ ተመለሰለይ እሞ ነቲ ዝነቐጸ ናፍቖት ልበይ ብፍቕርኻ ኣርውዮ። 💖🌎🫂✨ ጸሓፊት selu 💖🌎👸🌸

𝑠𝑒𝑙𝑢👸
𝑠𝑒𝑙𝑢👸
Open In TikTok:
Region: ET
Saturday 18 July 2026 19:02:54 GMT
4979
225
3
96

Music

Download

Comments

fthi_hafti_senu
M💝F 🔐 :
🥰🥰🥰
2026-07-19 06:25:33
1
name05566
name :
🥰🥰🥰
2026-07-18 19:20:10
1
rodas.1230
mariamey ade gaytay whasey 🙏 :
🥰🥰🥰
2026-07-19 10:17:05
1
To see more videos from user @gualmoma5, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About