@holame068: #moyobamba_perú🇵🇪

️Sam💙
️Sam💙
Open In TikTok:
Region: PE
Sunday 19 July 2026 20:00:43 GMT
2071
84
3
23

Music

Download

Comments

melsitapjiji
melsitaap :
SE VE BUENAZOO 🤤
2026-07-20 00:10:58
1
lolaacast
lolaacast :
Este domingo si o si voy
2026-07-20 00:35:12
1
To see more videos from user @holame068, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

🔥ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ዓረብ ነስተውዕል 🙏       ናይ ኣወዳት ጉድ ኣንብቢ ​ኣብ ሕይወትና እቲ ዝዓበየ ውድቀት፡ ናይ ቁጠባ ወይ ናይ ስራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ስነ-ምግባርን ናይ ሕልናን ውድቀት እዩ።  ሎሚ ብፍላይ ኣብ ስደት እንነብር  እቲ ጽቡቕ ቃላት ዝዛረበሉ መልሓስና ተመሊሱ ጽያፍ ቃላት ከውጽእ ከሎ፡ እቲ
🔥ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ዓረብ ነስተውዕል 🙏 ናይ ኣወዳት ጉድ ኣንብቢ ​ኣብ ሕይወትና እቲ ዝዓበየ ውድቀት፡ ናይ ቁጠባ ወይ ናይ ስራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ስነ-ምግባርን ናይ ሕልናን ውድቀት እዩ። ሎሚ ብፍላይ ኣብ ስደት እንነብር እቲ ጽቡቕ ቃላት ዝዛረበሉ መልሓስና ተመሊሱ ጽያፍ ቃላት ከውጽእ ከሎ፡ እቲ "ናተይ፡ ዓለመይ፡ ህያበይ፣ዝያዳይ፣" እናበልና ዝኣተናዮ ቃል ተገልቢጡ ናብ ምንዓቕን ጸርፍን ክቕየር ከሎ ክንርኢ ምግራም ጥራይ ዘይኮነስ ስምዒታዊ ድኽመትና እዩ ዘርኢ። ብፍላይ ኣነ ዝገርመኒ መብዛሕቲኡ ወዲ ዝጥቀመላ ቃል ኣላ። ጓልዛ... እትብል ቃል፣እዛ ቃል እዚኣ ካብ ኣፍ ሓደ ወዲ እንተሰሚዕኽያ እዚ ወዲ ገና ጥረን፣ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ዘለዎን ሰብ እዩ። ውሽጢ ባዶ ስለ ዝኾነ ሓሳባት ካብ ምውጻእ ብጸርፊ ክዕብልለኪ እዩ ዝቕድሞ።ምኽንያቱ እሳ እያ ዓቕሙ። ፍቕሪ ማለት ክብሪ እዩ፤ ዋላ ኣብ እዋን ሕርቃንን ዘይምስምማዕን እቲ ንኻልእ ሰብ ዘለካ ክብሪ ከይቀነስካ ሓሳብካ ክትገልጽ ከለኻ እዩ ሓቀኛነቱ ዝፍለጥ። ብ ኣሜንኣሜን ክብሪ ዘይብሉ ፍቕሪ ግን ግዝያዊ ስምዒት ጥራይ እዩ። ​ካብኡ ዝኸፍአ ግን፡ እቶም ኣብ ዓዲ ሓዳር ዘለዎም፣ ቆልዑ ምስ ሰበይቶም ገዲፎም ዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ውሽማ ሒዞም ክነብሩ ከለዉን እዚ ተግባር እዚ "ንቡር እዩ" ኢሎም ክገልጽዎ ከለዉን ዝስምዓካ ቃንዛ መወዳእታ የብሉን። ኣብዚ ዓዲ ድማ እቶም ብጣዕሚ መታራመስትን፣ዘይእሙናትን፣ከም ነፋሒቶ ዝቀያየሩ ዘይትጽበዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እዮም። እታ ኣብ ዓዲ ዘላ ሰበይቲ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ዘለዋ ስምዒትን ድሌትን ተረሲዑ፡ ከም ሓደ ኣብ ዓዲ ዝጽበ ንብረት ገይርካ ምውሳዳ ፍጹም ናይ ኣተሓሳስባ ድኽመትን ክድዓትን እዩ። ሓዳርን ፍቕርን ካብ መንፈሳዊ ሓድነትን ክብርን ወጺኦም፡ "ምስ ዝመቸወኒ ወይ ምስታ ቅርሺ ዘለዋ ክቕጽል እየ" ናብ ዝብል ናይ ንግዲ ስምምዕ ክቕየሩ ከለዉ፡ እቲ ንሰብኣዊ ፍጡር ዘለና ክብሪ ጠፊኡ ከም ዘሎ የርኢ። ሰብኣዊ ክብርናን ቃልናን ክሳብ ዘየኽበርና፡ እቲ ብኣፍና እነውጽኦ ጥዑም ቃላት ኩሉ ትርጉም ኣልቦ እዩ።written by amenamen #ፍቕሪ #ምኽሪ #ህይወት #ትግርኛ

About