@kidanzelalem: ምሩጽ ብህሎ እዩ። ሓቂ ድማ እዩ። ሰብ ኣብ ውሽጡ ዝተደጎለ ሓይሊ ከምዘለዎ እንተተረዲኡ፣ ካብቲ ዝግምቶ ንላዕሊ ሓያል ምዃኑ ንምርዳእ ኣይሽገርን'ዩ። >>>>>>>>>>>>>>>>> ኣብ ጉዕዞ ህይወት ብዙሕ መሰናኽላት የጋጥሙና እዮም። ሓድሓደ ግዜ ተስፋታትና ዝተጸንቀቑ መሲሉና፣ ኢድካ ንምሃብ ዝደርኽ ኩነታት ንሓልፍ። ግን ወርቂ ብሓዊ ሓሊፉ ከም ዝኹላዕ ዘይምርሳዕ። ========= እቶም ፈተናታትን ማሕለኻታትን እዮም ነቲ ዝሓየለ ሰብ ኣባኻ ዝቐርጹ'ሞ ተጠቐመሎም እምበር ካብኦም ኣይትህደም። >>>>>>>>>>>>>>>> ሓደ ሰብ ብጉዕዞ ሳህራ ሓሊፉ ናብ ምዕራባዊ ሃገራት ምስ በጽሐ፣ ኣብ ተዛማዲ ሰላምን ውሕስነት ናይ ምንባርን እናሃለወ ፡ ምንባር ህይወት ከመይ ክኸብዶ ይኽእል፧ ጉዕዞ ሳህራ ካብቶም ዝኸበዱ ፈተናታት ህይወት እዩ። ጸምኢኻ ዝስተ ዘይትረኽበሉ፣ ጠሚኻ ዘይትበልዓሉ 'ንርእስኻ'ውን መጽለሊ ዘይብሉ ምድራዊ ስኢኦል ኢዩ። >>>>>>>>>>>>>>>>>> ስለዚ ካብዚ ዓይነት መከራ ሓሊፍካ ናብ ዝብላዕ፣ ዝስተ፣ መጽለሊ፣ ትምህርቲን ስራሕን ዘለዎ፣ ቦታ ኾይንካ ምምራር ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝወሓደ ገድሊ ህይወት ዘለዎ ምስቲ ምድሪ ሲኦል ተነጻጽሮ እንተሃሊኻ 'ኣብዚ እዩ እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘድሊ። ================= እቲ ዝኸበደ ሓሊፍካ ኣብቲ ዝፈኸሰ ፈተና ህይወት ዘለዎ መድረኽ ኢኻ ዘለኻ። ስለዚ ምልስ ኢልካ ምስ ውሽጥኻ ተላዘብ። እቲ ዘሎካ ብቕዓት'ውን ተጠቐመሉ። ሽዑ እቲ ዝደመቐ ብርሃን ኣባኻ ከምዘሎ ክትርዳእ ኣይክትሽገርን ኢኻ። ================ ኩሉ ነገር ኣብ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጅምር። ርሑቕን ቀረባን ዝበሃል ኩሉ ግዜ ብጂኦግራፊያዊ ርሕቀት ኣይልካዕን፤ ብዕላማን ብእምነትን እዩ ዝልካዕ። ስለዚ ነቶም ዝገጥሙኻ ፈተናታት ከም ኣካል መስርሕ ህይወት ተቐበሎም። ካብቲ ዝገጥመካ ማሕለኻ ንላዕሊ እቲ ኣባኻ ዘሎ ውሽጣዊ ሓይሊ ከምዝዓቢ ተረዲእካ ጉዕዞኻ ቀጽል። ================= ከምቲ ወለድና ፦ "ዓይኒ ሃካይ ብርኪ ሻባይት።" ዝብልዎ። ብዓይንኻ ትርእዮ ነገር ርሑቕ ክመስል ይኽእል ኢዩ፣ ብብርኽኻ ግን ኩሉ ተበጻሒ እዩ። ስለዚ፣ "ኣይክእልን እየ" ኣይትበል። "እኽእል እየ" በል። ብርክኻ ድማ ናብ ዕላማኻ ከብጽሓካ ኢዩ። ኣይመስለኩምን ደቂ ዓበይቲ፧ #Red #sea

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Thursday 23 July 2026 08:42:58 GMT
4345
264
8
28

Music

Download

Comments

user7204025572000
ሰላም ጋል ተዋህዶ✝️ :
ብሓቂ
2026-07-23 22:42:57
0
.2170253
ማርያም,ያ ዋሓሰይ21 ❤️❤️❤️ :
Nay bhaqi bro asli 🫂🥰🥰🥰
2026-07-23 12:31:00
0
esu.esu75
𝑚𝑒𝑟𝑎 :
🥰🥰🥰
2026-07-23 19:56:50
1
user6209507653005
ትግራይ ኣደይ ደመይ ልዘልኣለም ንበሪ 💪💪 :
👏👏👏
2026-07-23 21:44:16
0
user3020188767310
ሻም :
🥰🥰🥰
2026-07-23 16:24:50
0
henok_tsegay15
ልቢ ትማሊ :
🙏🙏🙏
2026-07-23 15:15:27
0
user11807632023046
mister :
🥰🥰🥰
2026-07-23 09:27:42
0
amit.gereziher
Amit Gereziher :
👏👏👏
2026-07-23 22:43:38
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About