@kidanzelalem: እቲ ሎሚ ንኻልኦት እትገብሮ ጽባሕ ትርጉም ከም ዘለዎ ኣይትጠራጠር። ህይወት ናይ ገዛእ ርእሳ ዑደት ኣለዋ ፡ ስለዚ ሎሚ ንኻልኦት እትገብሮ ጽቡቅ ነገራት ጽባሕ ውሕስነትካ እዩ! ============= ጽቡቕ ምስ እትገብር፡ . ክልተ ነገራት ዘክር። እቲ ቀዳማይ ሕልናኻ ተዕግብ ምህላውካ ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዓስቢ ምህላውካ እዩ። እቲ ዋጋ ክፈላለ ይኽእል እዩ ፣ ምናልባት'ውን ዝተረሳዕኻ ኮይኑ ኣብ ዝስምዓካ ደረጃ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ፡ ናይ ሕልና ጣዕሳ ስለዘይብልካ 'እዚ ከሕጒሰካ ይግባእ። >>>>>>>>>>>>>>>> ሓደ ነገር ግን ርጉጽ እዩ። እትወሃቦ ፡ ብመጠን እቲ እትህቦ ዝልካዕ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ወላዲ ዲኻ ፡ ውላድካ ብመጠን እቲ እትህቦ እዩ ዝመልሰልካ። ኣገልጋሊ ዲኻ፡ ነዓኻ'ውን ዓስብኻ ብመጠን ኣገልጉሎትካ ዝልካዕ'ዩ! ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ብመጠን እቲ እንህቦ እዩ መልሲ ዝረክብ። ስነ-ምግባር ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት ፡ መምርሒ ህይወት ዘይመሃርናዮ ቆልዓ ከምቲ ንደልዮ ክኸውን ምጽባይ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ============== ከምቲ እንደልዮ ክኸውን እንተደሊና መጀመርያ በቲ እንደልዮ መንገዲ ክንሃንጾ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ'ውን ከምቲ መጽሓፍ "ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ" ዝብል፡ እቲ ብጥዑይ ህንጸት ዝሃነጽናዮ ቆልዓ፡ እቲ ንደልዮ ፍረ ከም ዝፈሪ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ፍረ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ኣብ እንገብሮን እንሰርሖን ከም ዝምርኮስ ብምርዳእ ፣ ሎሚ ከመይ ንሃንጾ ምርዳእ የድሊ። ንስኹም'ከ እንታይ ርኢቶ ኣሎኩም፧

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Saturday 25 July 2026 08:51:04 GMT
4174
203
2
13

Music

Download

Comments

esu.esu75
𝑚𝑒𝑟𝑎 :
awe lekiA 110 zarkey
2026-07-25 09:44:03
1
user54462755638108
ዘይትግመት ሰብ ኹን :
🥰🥰🥰
2026-07-25 09:12:24
2
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About