@anggunmayang10: Membalas @yahelah99 yang masih bingung pilih shadenya, nih aku spill semua shade Lip Matte Madame Gie Always On💋😍 kalo dapet promo murce gercepinn ya Bebb!!🤩🔥 #lipmatte #lipmattemadamegie #madamegie #madamegiealwayson #lipmatteviral

Amselle
Amselle
Open In TikTok:
Region: ID
Thursday 30 July 2026 08:14:23 GMT
2337
6
2
0

Music

Download

Comments

yahelah99
yahelah99 :
udah dateng kakk, 🥰🥰🥰
2026-07-30 08:24:11
0
To see more videos from user @anggunmayang10, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ምናልባት ኩሉ እትረኽቦ ምኽሪ ክሕግዘካ ዘይክኽእል ይኸውን፤ ሸለል ክትብሎም ዘይግባእ ምኽሪታት ግን ኣለዉ። ንሶም ድማ
ምናልባት ኩሉ እትረኽቦ ምኽሪ ክሕግዘካ ዘይክኽእል ይኸውን፤ ሸለል ክትብሎም ዘይግባእ ምኽሪታት ግን ኣለዉ። ንሶም ድማ "መምርሒ ህይወት" ይበሃሉ። ጥበበኛ ሰሎሞን፡ "#ንቖልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ ንገሮ እሞ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ካብኣ ፈልከት ኣይክብልን እዩ" ብምባል ብዛዕባ ምኽርን ጽልዋኡን ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ሰብ ነቲ ዝሰምዖ፡ ዝመሃሮ፡ ዝነብሮን ዝለማመዶን እዩ ዝመስል—ብእኡ እዩ ድማ ምስሊ #ህይወቱ ዝቕረጽ። ቀሪቦም ምኽሪ ዝህቡኻ ኮነ ብርሑቕ ብተፈላጥነቶም ትሕዝቶኦም ኣብ ኣእምሮኻ ዘብጽሑ ሰባት ኣብ ህይወትካ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም። እቲ ዝበለጸን ክርሳዕ ዘይብሉን ምኽሪ ግን፡ እቲ #ወላዲ ንውልዱ ዝህቦ ጥዑይ ምኽሪ እዩ። መቸም ንቖልዓ ልዕሊ ወለዱ ዘፍቕርዎ ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብ፡ ምግናን ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝህቦ መሰረታዊ ሓቂ የብሉን። ቆልዓ ንወለዱ እቲ ዝኸበረ ህያብ እዩ፤ ወለዲ ምእንቲ ውላዶም መስዋእትነት ንምክፋል ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን—ምኽንያቱ ተካኢኦም፡ ደሞም፡ ስጋኦምን ክፍሊ ኣብራኾምን ስለዝኾነ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ንፉዕ ወላዲ ንውልዱ "ክትብዕ፡ #ሰብኣይ ክኾውን፡ ክትነፍዕ" ዘተባብዖ። #ሓቂ እዩ! እቲ እንነብረሉ ማሕበረሰብ፡ መንግስቲ ወይ ትካላት፡ ዜጋታት ክምርሕሉን ክነብሩሉን ዘኽእሎም ትምህርትን ሓበሬታን ብምህብ ጽቡቕ ዜጋ ክቐርጹ ምጽዓሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ድሒሩ ዝመጽእን ካልኣውን ስለዝኾነ፡ እቲ ዝዓበየ መሰረት እቲ ወላዲ ንውልዱ ዝህቦ ምኽሪ እዩ። ውላድ ኣንበሳ እንተደኣ ኣብ በረኻ ምስ ኣቦኡ ዓብዩ እዩ ንጉስ ዝኸውን እምበር፡ ምስ ከልቢ እንተዓብዩስ ካብ ከልቢ ዘፍልዮ ውሑድ እዩ ዝኸውን። በዚ ከኣ እዩ ኣብ በረኻ ወለዱ ዝገብርዎ እናረኣየ ኣሰሮም እናተኸተለ ልክዕ ኣንበሳ ኮይኑ ዝዓቢ። ሓደ ቆልዓ እውን ንፉዕ ወላዲ እታ ክኸደላ ዝግባእ መገዲ ብትብዓትን ብንቕሓትን እንተኣርእዮ፡ ተባዕን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተኣማመንን ኮይኑ እዩ ዝቕረጽ። ቆልዓ ካብቲ ኣብ ደገ ዝረኽቦ ምትብባዕ ንላዕሊ፡ ናይ ወለዱ ምኽሪን ምትብባዕን እዩ ነብሱ ዝኣምን ኮይኑ ክዓቢ ዝገብሮ። ከምዚ ኮይኑ ብግቡእ ተኾስኲሱ ዝዓቢ ቆልዓ ድማ፡ ዘተኣማምን፡ ተባዕ፡ ራእይ ዘለዎ፡ ብነገራት ዘይጃጁ ኮይኑ ንዕኡን ንማሕበረሰብን ዝጠቕም ተካኢ ወለዶ ይኸውን። ልክዕ ከምቲ ምኽሪ ንቖልዓ ከመይ ከምዝጠቅም ዝረኣናዮ፡ ነቶም ዝዓበና እውን ምኽሪ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ኣቦታት "መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ፡ እግሪ ቀዳማይ ርኢኻ ሳዕስዕ" ዝብልዎ፡ ካብቲ ቅድሜኻ ዝነበረን ዘሎን ተመክሮ ምኽሪ ምውሳድ ጠቓሚ እዩ። እቲ ዝድለ ግን፡ ከምቲ ንመግቢ ብግቡእ ሓይኽካ ትውሕጦ፡ ነቲ ዝወሃበካ ምኽሪ እውን ምስ ክውንነት ብምንጽጻር ነቲ ዝጠቕመካ ጥራይ ምውሳድካ ምርጋጽ እዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ህይወት መምርሒ፡ ብተመኩሮን ምህሮን ዝፈረዩ ኣዝዮም ጠቐምቲ ዝኾኑ ትምህርትታት ኣለዉ። ስለዚ ኣብቲ ምኽሪ ዘድልየካ እዋን ንምኽሪ ብግቡእ ተቐቢልካ ተጠቐመሉ። ኣስተውዕል! ዝበዝሕ ሰብ ንመካይቱን መዋዕልቱን እዩ ዝመስል—ስለዚ ውዕሎኻን መዋዕልትኻን ኣለሊኻ፡ እቲ ዝሓይሽን ዝጠቕምን ንህይወትካ ምረጸላ!

About