>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>> ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ "ክሳዕ ሞት እሙን ኩን" ትብል ኣገዳሲት ጥቅሲ ኣላ። ርግጽ ኢዩ። "እንተሞይተ ደኣ ኩሉ ኣብቂዑ እንድዩ" ዝብል ሕቶ ክለዓለካ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ እቲ እትዘርኦ ዘርኢ ቅድሚ ናብ ፍረ ምብቃዑ ብሞት ከምዝሓልፍ ኣይትረስዕ! እዚ ጥቅሲ ዘመሓላልፎ መልእክቲ "ንዕላማኻ ክሳዕ ሞት ጽኑዕ ኩን፡ ኣብ ዕላማኻ እሙን ኩን" ንምባል ኢዩ። ኣብዚ ኢዩ ዘሎ እቲ ምስጢር። ሓደ ሰብ ንዕላማኡ ክሳብ ሞት እሙን ክኾውን እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ፈተና ክጸንዕ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ፈተና ምጽናዕ እንተዘይክኢሉ ከኣ ካብ መንገዱ ምንድልሃጽ ወይ ምውጻእ ከጋጥሞ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ኢዩ ከኣ ቅድም ምስ ነብስኻ እኹል ምርዳዳእ ዘድልየካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘለኻዮ እትኸዶ መንገዲ፡ ዕላማ ኩሉ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ተላዚብካ ምትእምማን እንተዘይፈጢርካ ብዘመጸ ተቓውሞ ኣንፈትካ ክትቅይር ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘሎ። ሓቅን ክውንነትን ሒዝካ እምበር ስምዒት ሰባት ክገዝኣካ ኣይትፍቀድ! ምናልባት እንዛረቦ፡ እንጽሕፎ፡ እንሰርሖ፡ እንነብሮ፡ እንጎዓዞ፡ እንሃንጾ ህንጸት ንሰባት ዘይከዕግቦም ይኽእል ኢዩ። ግን ቅድሚ ንሰባት ይምእሞኦም'ዶ ኣይምእምኦምን ምባልና፡ እቲ እንገብሮ ኣብ ክውንነትን ስነመጎታዊ ሓቅን ዝተሰረተ ድዩ ኢልና ክንሓስብ ኢዩ ዝግበኣና። ሕጊ ልዕሊ ሰባት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ሕጊ መሰረታዊ ሓቅን መምርሕን ሰባት ኢዩ። እንተኾነ ሓደ ሕጊ ንሓደ ሰብ ከዕግቦ ነቲ ካልእ ድማ ዘይከዕግቦ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ናይቲ ሕጊ ጸገም ዘይኮነ ትጽቢትን ድሌትን ናይቶም ሰባት እዩ። "መልክዕ ከም ጠማቲኡ" ከምዝበሃል ኣመለኻኽታ ሰባት በበይኑ ስለዝኾነ ዘይዕግቡነት ክህሉ ግድን ኢዩ። ዘይዕግቡነት ግን ዉልቃዊ ስምዒት እምበር ኣድማሳዊ ሓቂ ስለዘይኮነ ንስኻ ነቲ ቀዋሚ ሓቂ ደኣ እምበር ንግዝያዊ ስምዒት ናይ ምግዛእ ግዴታ የብልካን! ስለዚ ኢኻ ድማ ንስምዒት ሰባት ከተኽብሮ እምበር ክገዝኣካ ከተፍቅደሉ ዘይብልካ። ንስምዒት ሰባት ኣኽብር፡ ርኢትኦም ተቐበል፡ ከምቲ ወርቂ ብሓቂ ዝሓልፍ ንርኢቶታቶም ብሚዛን ሓቅን ክውንነትን ፈትሾ፡ እንተኾነ ሚዛን ስተርሶ ኣብ ኢድካ እምበር ኣብ ኢድ ካልኦት ኣይትግበር! - @kidanzelalem"/> >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>> ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ "ክሳዕ ሞት እሙን ኩን" ትብል ኣገዳሲት ጥቅሲ ኣላ። ርግጽ ኢዩ። "እንተሞይተ ደኣ ኩሉ ኣብቂዑ እንድዩ" ዝብል ሕቶ ክለዓለካ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ እቲ እትዘርኦ ዘርኢ ቅድሚ ናብ ፍረ ምብቃዑ ብሞት ከምዝሓልፍ ኣይትረስዕ! እዚ ጥቅሲ ዘመሓላልፎ መልእክቲ "ንዕላማኻ ክሳዕ ሞት ጽኑዕ ኩን፡ ኣብ ዕላማኻ እሙን ኩን" ንምባል ኢዩ። ኣብዚ ኢዩ ዘሎ እቲ ምስጢር። ሓደ ሰብ ንዕላማኡ ክሳብ ሞት እሙን ክኾውን እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ፈተና ክጸንዕ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ፈተና ምጽናዕ እንተዘይክኢሉ ከኣ ካብ መንገዱ ምንድልሃጽ ወይ ምውጻእ ከጋጥሞ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ኢዩ ከኣ ቅድም ምስ ነብስኻ እኹል ምርዳዳእ ዘድልየካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘለኻዮ እትኸዶ መንገዲ፡ ዕላማ ኩሉ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ተላዚብካ ምትእምማን እንተዘይፈጢርካ ብዘመጸ ተቓውሞ ኣንፈትካ ክትቅይር ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘሎ። ሓቅን ክውንነትን ሒዝካ እምበር ስምዒት ሰባት ክገዝኣካ ኣይትፍቀድ! ምናልባት እንዛረቦ፡ እንጽሕፎ፡ እንሰርሖ፡ እንነብሮ፡ እንጎዓዞ፡ እንሃንጾ ህንጸት ንሰባት ዘይከዕግቦም ይኽእል ኢዩ። ግን ቅድሚ ንሰባት ይምእሞኦም'ዶ ኣይምእምኦምን ምባልና፡ እቲ እንገብሮ ኣብ ክውንነትን ስነመጎታዊ ሓቅን ዝተሰረተ ድዩ ኢልና ክንሓስብ ኢዩ ዝግበኣና። ሕጊ ልዕሊ ሰባት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ሕጊ መሰረታዊ ሓቅን መምርሕን ሰባት ኢዩ። እንተኾነ ሓደ ሕጊ ንሓደ ሰብ ከዕግቦ ነቲ ካልእ ድማ ዘይከዕግቦ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ናይቲ ሕጊ ጸገም ዘይኮነ ትጽቢትን ድሌትን ናይቶም ሰባት እዩ። "መልክዕ ከም ጠማቲኡ" ከምዝበሃል ኣመለኻኽታ ሰባት በበይኑ ስለዝኾነ ዘይዕግቡነት ክህሉ ግድን ኢዩ። ዘይዕግቡነት ግን ዉልቃዊ ስምዒት እምበር ኣድማሳዊ ሓቂ ስለዘይኮነ ንስኻ ነቲ ቀዋሚ ሓቂ ደኣ እምበር ንግዝያዊ ስምዒት ናይ ምግዛእ ግዴታ የብልካን! ስለዚ ኢኻ ድማ ንስምዒት ሰባት ከተኽብሮ እምበር ክገዝኣካ ከተፍቅደሉ ዘይብልካ። ንስምዒት ሰባት ኣኽብር፡ ርኢትኦም ተቐበል፡ ከምቲ ወርቂ ብሓቂ ዝሓልፍ ንርኢቶታቶም ብሚዛን ሓቅን ክውንነትን ፈትሾ፡ እንተኾነ ሚዛን ስተርሶ ኣብ ኢድካ እምበር ኣብ ኢድ ካልኦት ኣይትግበር! - @kidanzelalem - Tikwm"/> >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>> ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ "ክሳዕ ሞት እሙን ኩን" ትብል ኣገዳሲት ጥቅሲ ኣላ። ርግጽ ኢዩ። "እንተሞይተ ደኣ ኩሉ ኣብቂዑ እንድዩ" ዝብል ሕቶ ክለዓለካ ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ እቲ እትዘርኦ ዘርኢ ቅድሚ ናብ ፍረ ምብቃዑ ብሞት ከምዝሓልፍ ኣይትረስዕ! እዚ ጥቅሲ ዘመሓላልፎ መልእክቲ "ንዕላማኻ ክሳዕ ሞት ጽኑዕ ኩን፡ ኣብ ዕላማኻ እሙን ኩን" ንምባል ኢዩ። ኣብዚ ኢዩ ዘሎ እቲ ምስጢር። ሓደ ሰብ ንዕላማኡ ክሳብ ሞት እሙን ክኾውን እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ፈተና ክጸንዕ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ፈተና ምጽናዕ እንተዘይክኢሉ ከኣ ካብ መንገዱ ምንድልሃጽ ወይ ምውጻእ ከጋጥሞ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ኢዩ ከኣ ቅድም ምስ ነብስኻ እኹል ምርዳዳእ ዘድልየካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘለኻዮ እትኸዶ መንገዲ፡ ዕላማ ኩሉ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ተላዚብካ ምትእምማን እንተዘይፈጢርካ ብዘመጸ ተቓውሞ ኣንፈትካ ክትቅይር ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘሎ። ሓቅን ክውንነትን ሒዝካ እምበር ስምዒት ሰባት ክገዝኣካ ኣይትፍቀድ! ምናልባት እንዛረቦ፡ እንጽሕፎ፡ እንሰርሖ፡ እንነብሮ፡ እንጎዓዞ፡ እንሃንጾ ህንጸት ንሰባት ዘይከዕግቦም ይኽእል ኢዩ። ግን ቅድሚ ንሰባት ይምእሞኦም'ዶ ኣይምእምኦምን ምባልና፡ እቲ እንገብሮ ኣብ ክውንነትን ስነመጎታዊ ሓቅን ዝተሰረተ ድዩ ኢልና ክንሓስብ ኢዩ ዝግበኣና። ሕጊ ልዕሊ ሰባት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ሕጊ መሰረታዊ ሓቅን መምርሕን ሰባት ኢዩ። እንተኾነ ሓደ ሕጊ ንሓደ ሰብ ከዕግቦ ነቲ ካልእ ድማ ዘይከዕግቦ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ናይቲ ሕጊ ጸገም ዘይኮነ ትጽቢትን ድሌትን ናይቶም ሰባት እዩ። "መልክዕ ከም ጠማቲኡ" ከምዝበሃል ኣመለኻኽታ ሰባት በበይኑ ስለዝኾነ ዘይዕግቡነት ክህሉ ግድን ኢዩ። ዘይዕግቡነት ግን ዉልቃዊ ስምዒት እምበር ኣድማሳዊ ሓቂ ስለዘይኮነ ንስኻ ነቲ ቀዋሚ ሓቂ ደኣ እምበር ንግዝያዊ ስምዒት ናይ ምግዛእ ግዴታ የብልካን! ስለዚ ኢኻ ድማ ንስምዒት ሰባት ከተኽብሮ እምበር ክገዝኣካ ከተፍቅደሉ ዘይብልካ። ንስምዒት ሰባት ኣኽብር፡ ርኢትኦም ተቐበል፡ ከምቲ ወርቂ ብሓቂ ዝሓልፍ ንርኢቶታቶም ብሚዛን ሓቅን ክውንነትን ፈትሾ፡ እንተኾነ ሚዛን ስተርሶ ኣብ ኢድካ እምበር ኣብ ኢድ ካልኦት ኣይትግበር! - @kidanzelalem"/>