@bbahleyayhafri_19: #onthisday እንኳዕ ን2018ዓ/ም በዓል '''ኣሸንዳን ኣውርስን''' ኣብፀሓኩም ኣብፀሐና እናበልና ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ፈተውትን ኣኽበርትን ተምቤን ካብ 16-18 ነሐሰ ን3+ መዓልቲታት ዝፀንሕ ባህላዊ ፀወታ ኣውርስ፤ጓዳ፣ኣስታሊለይን በዞም ውቁባት ዓይነታት ባህላዊ ፃውቲታት እናተዛናጋዕኹም ክትቕኑዩታ ምፁታ!!! -----------=====-------- *ተምቤን፦ንኢንቨስትመንት ዝኸውን ዝተፈላለዩ ማኣድናት ዝሓዘት፣ብመዳይ ሃፍቲ እንስሳ ብበዝሒ ዝወነነት፣ ንዓይኒ ሃወፅቲ ዝስሕብ ጥንታዊ ካብ ከኩሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ገዳማት ብበዝሒ ዝሓዘት ውቅብቲ ዓዲ እያ። --------====------ *ተምቤን፦መቦቆል ኢትዮጵያዊ ንጉሰነገስት ሃፀይ ዮውሃንስ፤መቦቆል ንግስተ ሳባ(ንግስተ ኣዜብ)፤መቦቆል ፈላማይ ኣፍሪካዊ ጄኔራል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋን ጀግና ኣሞራን እያ። -------=====------ *ተምቤን፦ ተቐባላይ ጋሻ ማሕበረሰብ ዘለዋ፤ዓዲ ንበር ኽበር፣ዓዲ መዓር ጠስሚ፤ዓዲ ሜስን ጮሟን፤ፅሩይማይን ንፁህ ኣየርፀባይ ዝወነነት ምችውቲ ኸባቢ እያ። --------=====--------- * ተምቤን፦ካብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ብ90 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ብኣንፈት ምዕራብ እትርከብ ቆላማ ስፍራ እያ ተምቤን። ማእኸል ስሕበት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብምዃና ምስቡዙሕ ከባብታት ትግራይን ጎረባብቲ ክልላትን ዘራኽቡ ብፀሊም ቀርጣመ ዝተለበጡ ፅርግያታት ፦ መቐለ-- ዓቢይዓዲ --ዓድዋ ፤ ዓቢዪይዓዲ--ሓውዜን--ዓዲግራት ፤ ዓቢዪይዓዲ--ጉያኣምበራ-- ፍየልውሃ ፤ ዓቢዪይዓዲ--ጉሮሮ--ሰመማ--ሽረ ፅርግያታት ዝተሰረሐላ ዓዲ እያ ተምቤን። ስለዚ ሰብ ውልቀ ሃፍትን፣ፕሮጀክትታትን፣ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዝውዕሉ እኹል ጥረ ኣቕሓን ቦታን ስለ ዘለዋ ኣብ ዝመረፅኩም ሃፍትኹም ኣብ ተምቤን ኢንቨስት እንተገይርኩም ትርፋማታት ኢኹም።ስለዚ ብምኽንያት በዓል''' ኣሸንዳን ኣውርስን''' ምፁታ'ሞ ኩሉ ንኢንቨስትመንትኹም ይጥዕም እትብልዎ ዘርፊ ዓውደ-ኢንቨስትመንት ምረፁ። #ኣሸንዳ_ትግራይ💊❤️💛❤️ #ትግራይ_ንዘለኣለም_ትነብር🙏🇻🇳ኣውርስ_ተንቤን_ዓብዪ_ዓዲ💃💥💜 #foryoupage #creatorsearchinsights
ብባህለይ ሸው_kebi_🥇_19_🙏
Region: ET
Tuesday 04 August 2026 11:46:21 GMT
Music
Download
Comments
Tsegay(Tg7) :
ዶጉዓማ ኸ ተምቤን ኣይኾነን ድዩ ?
2026-08-08 13:22:52
1
ሕይወቴ ሕይወቴ :
ልሃርፋ መዓልቲ ብሰላም የፅንሐና 👑
2026-08-06 04:46:03
1
meri :
መፀት💋💋💋💋💋💋💋💋💋💋
2026-08-04 20:34:02
1
ሀየሎም :
🙌አዎ
2026-08-05 16:11:02
1
Axumawithajos :
woawe
2026-08-05 18:39:56
1
chahmay :
🥰🥰🥰
2026-08-04 11:52:21
1
♡ሸዊT :
❤️❤️❤️
2026-08-04 11:51:49
1
genet hailay.1 :
❤️❤️❤️
2026-08-04 18:50:13
1
negasi adisu :
❤️❤️❤️
2026-08-05 05:53:46
1
Jerry.eyu :
♥️♥️♥️
2026-08-04 15:44:45
1
Haftom :
❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-08-04 11:49:09
1
tsegatsega 92 :
❤️❤️❤️
2026-08-05 11:59:34
1
ኩሉ ንጽቡቅ እዩ :
😘😘😘
2026-08-04 11:48:02
1
Shushay Muzey :
💞💞💞💞💞
2026-08-06 08:51:22
1
To see more videos from user @bbahleyayhafri_19, please go to the Tikwm
homepage.