@haftomehavegamil.com: #አግአዚያን ትግራይ#ትግራይ_ንዘለኣለም_ትነብር🙏🇻🇳💊♥️🇻🇳♥️🇻🇳 ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ 6ይ ዘመን መበል 12 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ክልተ ኣጀንዳ ተመያይጡ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ፈለማ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ብፍላጥ ይኹን ብምድንጋር ካብ መጋቢት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዕጥቂ ሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ንቡር ሂወቶም ተመሊሶም መነባብረኦም ብኣግባቡ ክመርሑ ብምግባር ኣብ ትግራይ ኮይኖም ህልውናን ድሕንነትን ህዝቦም ከረጋግፁ ዝከኣለሉ ዕድል ክወሃቦም ከም ኣጀንዳ ሒዙ ተመያይጡ ዝወሰነ ኮይኑ፤ ንፃውዒት መንግስቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ ዓዶም ንዝምለሱ ተጋሩ ብዘይምንም ፀገም ናብረኦም ንኽመርሑን በቢዝምጥኖም ዓውዲ ስራሕ ንኽዋፈሩ ዝከኣል ደገፍ ክግበረሎምን ዘኽእል መፈፀሚ መስርሕ (ማንዋል) ፀዲቑ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝርዝር መብርሂ ክህበሉ እዩ። ካልኣይ ናይ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ኣጀንድኡ ድማ ኣፈፃፅማ ብሄራዊ ምትእኽኻብ እቶት በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝምልከት ኮይኑ፤ እዚ ስራሕ እዚ ብላዕለዋይነት ዘተሓባብር ዘሎ ዓብይ ኮሚቴ ዘዳለዎ ሪፖርት ስራሕ ገምጊሙ። ነዚ መደብ ኣብ ምዕዋት ደቂ ትግራይ ዝነበሮም ተሳትፎ ዕዙዝን ተስፋ ዘስነቕን ኮይኑ ብቐፃልነት ትግራይ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ዝተመስረተ፣ ዝተወሃሃደን ካብ ግዕዝይና ብዝረሓቐን ኣገባብ ተመሪሑ ነቲ ፀላኢ ኣብ ልዕሌና ኣንቢርዎ ዘሎ ዕፅዋ ኣብ ምቅላልን ህልውናናን ድሕንነትናን ኣብ ምርግጋፅን ብዕቱብ ንኽስራሕ ነቲ ዓብይ ኮሚቴ መምርሒ ስራሕ ተዋሂቡ። ናይዚ ብሄራዊ ምትእኽኻብ እቶት ቀንዲ ዕላማ እቲ ጄኖሳይዳዊ ስርዓት ንዘካየዶ ወራር ኣብ ምምካት ዋጋ ንዝኸፈሉ ሓርበኛታት ንምሕካም፣ ዝተመዛበሉ ወገናት እግሪ ንምትካልን ትግራይ ካብቲ በፂሕዋ ዘሎ ጉድኣት ንምሕዋይን ማእኸል ዝገበረ እዩ። ብምዃኑ ድማ ደቂ ትግራይ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ዝጀመርዎ ዘበራትዕ ተሳትፎ ከሕይሉን ትግራይ ዓርሰ ምርኮሳኣ ብደቃ ክተረጋግፅን ኩሉ ትግራዋይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ንቕድሚት ክምርሽ ፃውዒት ቀሪቡ። ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት 28 ሓምለ 2018 ዓ/ም
ከኦሪት-ህወሓት- 💊☦️-
Region: LY
Tuesday 04 August 2026 15:40:58 GMT
Music
Download
Comments
There are no more comments for this video.
To see more videos from user @haftomehavegamil.com, please go to the Tikwm
homepage.