@kidanzelalem: "ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ" ክበሃል ሰሚዕካ ትኸውን፤ ንዓይ ግን "ሰይጣን ይሓይሽ እዩ" ዝብል እምነት የብለይን! ተመን ኩሉ ግዜ ተመን እዩ—ቦታ ይቐይር ፡ ሕብሪ'ውን ይቕይር ይኮውን፡ መርዙ ግን ምስኡ እዩ። ስለዚ ምስ ተመን ምምሕዛው ትኽክል ኣይኮነን። ርኢኻ! ናይ ሓሶት መሓዙት ከኣ ልክዕ ከም ተመን እዮም፤ ግዜን ቦታን ኣጽኒዖም እዮም መርዞም ዝኽዕዉልካ። ስለዚ ካብ መርዛም ተመን ምርሓቕ እምበር፡ ተመሳሲልካ ምንባር ኣይኮነን እቲ መፍትሒ። ምስ ተመን ተመሓዚኻ ምንባር ማለት ብገዛእ ፍቓድካ ሞትካ ምቅልጣፍ ማለት እዩ፤ ልክዕ ከምኡ ናይ ሓሶት መሓዙት ምሓዝ ከኣ ብገዛእ ፍቓድካ ህይወትካ ምብልሻው እዩ። ብዙሕ ግዜ ናይ ሓሶት መሓዙት ማስክ ገይሮም ስለዝመጽኡ፡ ኣብ መጻወዲኦም ከእትዉና ዝቐለለ እዩ። ምኽንያቱ ሓለይቲ መሲሎም፡ ብኣኻ ዝግደሱ መሲሎም፡ ምሳኻ ኣብ ጎንኻ ከምዘለዉ ኣምሲሎም ስለዝመጽኡ እምነትካ ክትህቦም ቀሊል እዩ። እንተኾነ ቁሩብ ከተስተብህል እንተጀሚርካ ሕብሮም ንምልላይ ዘሸግር ኣይኮነን። ከምቲ ቅድም ክንብል ዝበልናዮ፡ ናይ ሓሶት መሓዙት ፈተውቲ ነፍሶም ጥራይ ብምዃኖም፡ ብኣኻ ኪኖ ቃላዊ 'መብጽዓ ዝመልቆም ግብሪ ስለዘየለ፡ እዚ ሓደ ካብቲ ብቐሊሉ እትለልየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ካልእ ድማ፡ ናይ ሓሶት መሓዙት ፍሽኽትኦም ናይ ውሽጢ ስለዘይኮነ፡ ገለ ጽቡቕ ከጋጥመካ ከሎ ናይ ቅንኢ መንፈስ ስለዝረኣዮም፡ እንተደኣ ካብ ዕዉር እምነት ወጺእካ ኣስተውዒልካሎም ንምልላዮም ዘሸግር ኣይኮነን። ስለዚ ህይወትካ ክጥዒ፡ ጉዕዞኻ ድማ ክሰልጠካ እንተደሊኻ፡ ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ርስሓት ምእላይ ግዲ እዩ! ኣስተውዕል! እኽሊ ነቐዝ እንተኣትዩዎ ጥዑይ እኽሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፤ ልክዕ ከምኡ ናይ ሓሶት መሓዛ ዘለዎ ህይወት ድማ ጥዕና ዝጎደሎ ኮይኑ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ መካይድኻ ኣለሊ፡ ወሳኒ ኩን፡ ዝረኣኻዮ ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይትበል—ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዘየተኮረ ምሕዝነት ኣይትልገብ!

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Monday 10 August 2026 08:55:48 GMT
30940
716
27
179

Music

Download

Comments

temu.tk4
Temu Tk :
Nay behaqi bro!! fact..
2026-08-10 14:36:37
0
sisq379meb
SISQO mebra💚🙌🏻☦🙏🏻 :
that is true ✅👌🏻
2026-08-10 18:59:46
0
mnbar.bmela6
One day💝👑 :
it 's fact 👌✌️
2026-08-10 10:48:32
1
user5887741001965
1234 :
you are right✅🥰🥰🥰
2026-08-10 13:31:25
1
kuchimg54ebres
Adhin (ኩቺ) :
thanks😇🥰🥰🥰
2026-08-10 10:45:43
1
wedimeley896
🆆𝑒🅘𝑑 🆂𝑒🅝𝑎🅵𝑒✌️💙 :
❤️👌
2026-08-10 14:39:23
1
maru.maru710
maru maru :
nay bahaqi 🥰
2026-08-10 19:10:57
0
abrhs22
@𝙖𝑏⚔️ :
bhaki🙏🙏
2026-08-10 17:21:39
0
hailay5921
Hailay :
❤️❤️❤️❤️
2026-08-10 13:15:23
0
galmama439
𝓶𝔂 𝔀𝓸𝓻𝓵𝓭🌍🫶🌹 :
ya ናይ ባህቅ 🥲😔🙏
2026-08-10 12:56:24
1
masho.masho18
MASHO16 :
ኣምላኽ ዳኣ ይሓሉ እ/ር ኣነስ ክንደይናይ🙏🙏🙏
2026-08-10 13:08:23
1
wedi.mama107
𝚑𝚎𝚛𝚒 ℎ𝑎𝑤𝑖 𝑎𝑠𝑢 👸🎵✝️ :
you are right ✅️tkkl qexlelu 💯💫✅️✅️
2026-08-10 09:41:51
1
gott.ist.liebe2
Respekt gehört vor alle🙋‍♂️ :
ዓርከ ሰበይተይ እያ ። ካልእ ኣይደልን ።
2026-08-10 18:27:39
0
sabumahader
sakutmehader :
nay behaqi
2026-08-10 18:58:30
0
i.am.patient.by.nature
𝕜𝕕𝕦𝕤 𝑔𝑒𝑟𝑒𝑥🌿🌿🌿 :
ኢቲስ ፋክት
2026-08-10 11:49:07
1
userpu4b1wepdj
ኦ ምልእተ ፀጋ ደስ ይበልኪ :
እግዚኣብሄር ኣምላክ ባዕልካ ሓልወና
2026-08-10 14:54:13
1
hadguberhe485
suway :
🥰🥰🥰
2026-08-10 14:55:32
1
dani.aragawi
Dani Aragawi :
🙏🙏🙏
2026-08-10 14:30:48
1
wedimeraguz4
🐇🐆.Jo.. Neymar🩸 :
👌👍
2026-08-10 11:30:35
1
bahreydagnew1
@bahreydagnew :
😂😂😂
2026-08-10 16:44:54
0
mesi11224
mesi1122 :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-10 14:43:33
1
rahel.tekeste89
Rahel Tekeste :
👏🏼👏🏽👏🏽
2026-08-10 15:28:51
1
rahel.tekeste89
Rahel Tekeste :
@👍
2026-08-10 15:29:16
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About