@kidanzelalem: ጽቡቕ ዕድል ምህላው ጽቡቕ ሰብ ከራኽበካ ይኽእል ይኹን እምበር፡ ሃብቲ ክሰርሓልካ ግን ኣይክእልን እዩ—እቲ ምንታይ ምህብታም ናይ ገዛእ ርእሱ መገድን መስርሕን ስለዘለዎ። ምናልባት ኣብ ቁማራዊ ዓለም ሓንሳብ ትስዕር ሓንሳብ ትሰዓር ስለዝኾነ፡ ነታ ናይ ምስዓር ህሞት ከም ዕድል ተጠቒምካ ክትርእያ ትኽእል ትኸውን። ግን ኣስተውዕል! ኣብ ቁማር ትረኽቦ ሃብቲ ብቑማር ከምዝጠፍእ፤ ብደቒቕ ረኺብካዮ ብደቒቕ እውን ዝጠፍእ ስለዝኾነ ከም ሃብቲ ገይርካ ምርኣይ ዝከኣል ኣይመስለንን። ሃብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ብልሓት፡ መንገዲ፡ ጻዕሪን ሜላን ዘድልዮ ሞያ እዩ። ኩሎም እዞም ዝበልናዮም ነቲ ሓደ ሰብ ኣእምሮኣውን ገልቦታውን ዝሰርሖን ዝኸፍሎ ዋጋን ዘመላኽቱ እዮም። ብድሕሪ እዚኣቶም እዩ ድማ መሰረት ዘለዎ ዓወት ክህልዎ ዝኽእል። ርሑቕ ከይከድና፡ እዞም መስረቲ ናይዚ ሎሚ ማሕበራዊ መራኸቢን መወናጨፊን ኮይኑ ንብዙሓት እውን ተጠቐምቲ ድራር ዕለትን ምንጪ ሃብትን ገይርዎም ዘሎ—ፌስቡክ፡ ዩቱብ፡ ቲክቶክ፡ ማይክሮሶፍት-ኦፊስ፡ ከምኡ እውን ወናኒ ተስላ ኤሎን ዝተኣታተዎ ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ (Artificial Intelligence)—ገለ ካብቶም ብጻዕሪ ሰብ ዝመጹ ሃብቲ እኹላት ምስክር እዮም። እዞም ዝጠቐስናዮም ግለ-ሰባት ንሃብቲ ከይዶሞ እምበር ባዕሉ ብዕድል ኣይኮነን መጺእዎም። ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ ኮይኖም ገዚፍ ገንዘብ ዓለም ዝውንኑ ሃብታማት፡ ረሃጾም ኣፍሲሶም ኣካሎም ቆሲሎም እምበር ብኾፎም ብትምኒትን ብዕድልን ዝረኸብዎ ኣይኮነን። ብዙሓት ጎየይቲ፡ ልቦም ብኣፎም ክትወጽእ ክሳዕ እትደሊ ጎዮም እምበር ብባህጊ ጥራይ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ኣይኮኑን። ናይ መብዛሕትና ሽግር ብኾፍካ ምምናይ እዩ። በቐንዱ ትምኒት ሕማቕ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ክህልወካ ናይ ምድላይ ባህጊ ስለዝኾነ። እቲ ሽግር ዝኸውን ምብሃግ እምበር ምንውስዋስ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኣእምሮኻ ኣብ ሓደ ቦታ ጨቢጥካ እሞ በየን እዩ እትደልዮ ሃብቲ ክመጽእ፧ ሃብቲ እኮ ኣብ እግርኻ፡ ኣብ ኢድካ፡ ኣብ መልሓስካ፡ ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ኣካላትካን እዩ ዘሎ! ንዕኡ ብግቡእ ምስ ኣስራሕካዮ እዩ ብዘስራሕካዮ መጠን ብገንዘብ ተለዊጡ ጁባኻ ዘህጥር። ሓደ ሓደ ልምድታት ክመዓራረ ዘለዎ ኣሎ፤ እሱ ድማ ተጸባይ ምዃን ከም ሞያ ምሓዝና እዩ። ወላ እቲ ክገብር ዝኽእል፡ ክሰርሕ ዝኽእልን ክንቀሳቐስ ዝኽእልን "ድራር ዕለት ኣይትኽልኣኒ" ብምባል ነፍስኻ ምድራት ዘሎና ልምዲ እዩ። ኣብቲ ክትገብረሉ ዘይትኽእል፡ ኣብቲ ዓቕምኻ ካብ ድራር ዕለት ምርካብ ሓሊፉ ካልእ ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ቦታን ኩነታትን ዘለካ ምርጫ "ድራር ዕለት ኣይትኽልኣኒ" እዩ። ክትሰርሕ እናኸኣልካ፡ ባይታን ዓቕምን ከለካ፡ ከማኻ ተወናጭፎም፡ ሓሲቦም ሰሪሖም ሓፍ ክብሉ እናረኣኻ ነፍስኻ ገዲብካ ከምኡ ምባል ግን ፈቲኻ ንስፍና ምግዛእ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝህቦ መሰረታዊ ሓቂ የብሉን። ወላ እቲ ቅዱስ ቃል እውን እንተኾነ "ኣብ ማእከልኩም ክሰርሕ ዘይደሊ እንተሎ ኣይብላዕ" እዩ ዝብል። ብቐንዱ እቲ ናይ ፍጥረት መጽሓፍ እውን "እንጌራኻ ድማ ብጻዕርኻ ክትበልዕ ኢኻ" እዩ ዝብል። ብጻዕርኻ እምበር ብኾፍካ ብምምናይን ብልማኖን ኣይብልን እዩ። ስለዚ እቲ ሕጊ ህይወት ስነ-ፍጥረት እውን በመሰረቱ ንጹር እዩ። ነዚ ንጹርነት እዚ ዘባላሽዎን ዘሐንቕቖን ልምዳዊ ባህሊ ወይ ሃይማኖታዊ ልምዲ እዩ። እሞ'ኸ ደኣ ተገዛእቲ ልምድታት'ዶ ተኸተልቲ ክውንነትን ሓቅን—ኣየናይ እዩ ምርጫና ክኸውን ዝግብኦ፧ ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ እውን እዩ ወድ ሰብ ሃይማኖታዊ ስነ-ምግባርን ባህላዊ ስነ-ምግባርን ክህልዎ። እንተኾነ እዞም ስነ-ምግባራት እዚኦም ንሞራሉ፡ ንኣእምሮኡን ንስነ-ልቦናኡን ሓፍ ዘብሉ፡ ወናኒ ናቱ ኮይኑ ክዓቢ ዝገብሩ እምበር፡ ተጸባይ ቁራስ እንጌራ ኮይኑ ብትምኒት ጥራይ ዝነብር ገይሮም ዝኣስሩ ክኾኑ ኣይግብኦምን! ከማኻ መንእሰይ እንዳመሃዘ፡ እንዳተማራመረ፡ እንዳሰርሐን እንዳተለወጠ ብምኻድ ፡ ንባዕሉን ንሕብረተሰቡን ንዓለሙን እንዳጠቐመ፡ ንስኻ ግን ኣማዕዲኻ ክትርኢ ገለ ትርፍራፍ እንተሃበካ ሃንቆው ክትብል ነዚ ኣይተፈጠርካን። ስለዚ መጻኢኻ ኣብ ኢድካ ምሳኻ ከምዘሎ ተረዲእካ ዓለምካ ፍጠራ! ብሕጽር ዝበለ ሓሳበይ ከምዚ ገይርኩም ጥርንፍ ኣቢልኩም ተረድእዎ፦ "ክትገብሮ ንትኽእል ነገር ካብ ካልኦት ኣይትድለዮ!" ንግዜ ብግቡእ ተጠቐመሉ፤ ንዕድሜኻ ኣብ በበታኡ ስኹዓዮ። ኣብቲ ናይ ምፍጣር፡ ምግባር፡ ምዕያይ፡ ምጉያይን ምምሃዝን ዘሎ ዕድሜኻ ዕየየሉ፡ መሓዘሉ፡ ጉየየሉ። "ዕንቊሮኣብ ተነፊሓ ሓርማዝ ኣይትኾውንን እያ" ከምዝበሃል፡ ኣብቲ ሓርማዝ ክትኮነሉ ዘይትኽእል ድማ ዕንቊሮኣብ ኮንካ ኪድ። ወድሓንኩም! ኩሉ ርኢቶታትኩም ብኣኽብሮት ከምዝቕበሎ ከረጋግጸልኩም ባህ ይብለኒ።
ሰረት
Region: GB
Wednesday 12 August 2026 08:47:39 GMT
Music
Download
Comments
feqar eye nzefqreni :
❤️
2026-08-12 15:41:25
0
ሲታዊ :
yes 💯%
2026-08-13 20:37:45
0
이정현 :
2026-08-12 14:27:36
0
mebrahtom gdey :
ብትክክል መምሃሪ ሓሳብ እዩ🙏🙏🙏🙏
2026-08-13 07:37:41
0
Efi Haw semere :
lebam xbuk hasabn rieton eyu bro
2026-08-12 20:32:56
0
user538668105381 :
😁😁😁
2026-08-12 18:24:56
0
I HAVE A DREAM :
💋💋💋
2026-08-12 11:06:17
0
Samiabi :
🥰🥰🥰
2026-08-12 13:36:15
0
ተመስገንካ ፈጣሪ ኣቦይ :
🥰🥰🥰
2026-08-12 11:40:08
0
Asfaw :
❤️❤️❤️
2026-08-12 11:29:22
0
이정현 :
🥰🥰🥰
2026-08-12 14:26:40
0
2030✍️ :
😍😍😍
2026-08-12 10:34:27
0
ኣንድ ቀን :
❤️❤️❤️
2026-08-12 09:47:22
0
𝓴𝓸𝓴𝓲💜 :
💜
2026-08-12 09:09:00
0
Hewan(hewi) :
🥰🥰
2026-08-13 01:49:34
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.