@kidanzelalem: ሓቢርካ ምንባር ብዙሕ ዋጋ ምኽፋል ዘይኮነ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ምእማን እዩ ዘድልየካ። ዘድልየካ ትፈልጥ እንተኾይንካ፡ ንሰብ ዘድልዮ እውን ኣይጠፍኣካን እዩ። እቲ ዘድሊ ድማ ክትህብን ክትወሃብን ድሉውን ፍቓደኛን ምዃን እዩ! መፍትሒ ኩሉ ነገር ግን ትረዳድኣሉ ቋንቋ ምህላው እዩ። ሓበራዊ ቋንቋ እንተዘይሃልዩካ፡ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ክትነቓቐፍ ኮነ ክትነኣኣድ ቋንቋኻ እንተዘይተራኺቡ፡ ክህነጽ ዝኽእል ዝምድና የለን። ከምቲ ግቡእ ክንክን ዝሰኣነት ተኽሊ ቀስ-ብቐስ እናቖምሰለት ትሓርር፡ ኣብ መንጎኻ እትረዳድኣሉ ናይ ሓባር መራኸቢ ቋንቋ እንተዘይሃልዩ ድማ በብቊሩብ ናብ ጓንነት ኢኻ ትኸይድ። ብባህሪኡ ወድ ሰብ ረብሓታቱ እዩ ዘቐድም። ገለ ካብቶም ዝረኽቦም ረብሓታት ክጎድሉ እንተጀሚሮም ድማ ዝነበሮ ዝምድና እናደስከለ ይመጽእ። እቲ ዓቢ ጸገም ግን ከምቲ ንሱ ረብሓታቱ ዘቐድም፡ እቲ ካልእ ሰብ እውን ቀዳምነት ከምዘለዎ ንምዝካር ዝድንጒ ምዃኑ እዩ። እዚኣ ኸኣ እያ እታ "ስስዐ" ትበሃል። ስስዐ ሓንቲ ካብተን ሓቢርካ ንኸይትነብርን ብሓደ ንኸይትጎዓዝን ዝገብራ ግናይ ባህሪ እያ። ክልተ ዓይነት ኣነባብራ ከምዘሎ ቅድሚ ኩሉ ምዝካር የድልየና፦ ሓደ ሰብ ኣብቲ በይኑ ዝነበረሉ፡ ልቡ ብኻልእ ሰብ ኣብ ዘይተሓዘኣሉ ግዜ፡ ብዘይካ ነፍሱ ካልእ ስለዘይብሉ "ፈታዊ ነፍሱ" እንተኾነ ጸገም ኣይኮነን—ምኽንያቱ ነፍሱ ዘየፍቅር ንኻልኦት ግቡእ ፍቕሪ ክህብ ስለዘይኽእል። ምስ ሰባት ክትነብር ከለኻ ግን "ሓበራዊ ኣነባብራ" ከምዘድሊ ምግንዛብ ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ሓበራዊ ናብራ ናይ ግለይ ትብሎ ኣሊኻ ናይ ኩልና ዝበሃል መረዳእታ ሒዝካ ክትከይድ እንተዘይኪኢልካ፡ ቋንቋታትካ ክረዳዳእ ኣይክእልን እዩ። "ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም" ከምዝበሃል፡ በበይኑ ዝኾነ ልምዲ ሒዝካ ጸላኢ መጻኢኻ ኢኻ ትኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ካብ በይንኣዊ ህይወት ናብ ካልኣውነት ዘለዎ ናብራ ክትሰጋገር ከለኻ፡ ነቶም ውልቃዊ ልምድታትን ኣካይዳን ንጎኒ ገዲፍካ ኣብቲ ናይ ሓባር ድሌትን ረብሓን ምጥማት ዘድሊ። ከምቲ ኣብ ስደት ምስ ኣተኻ ንዓኻን ነቲ ተሰዲድካሉ ዘለኻ ዜጋን ናይ ሓባር መራኸቢን መረዳእድእን ቋንቋ ዘለኩም፡ ምስቲ ካልኣየይ እትብሎ ሰብ እውን ናይ ሓባር ቋንቋ የድልየኩም። እዚ ቋንቋ እዚ እዩ ክትቀራረብ፡ ክትረዳዳእ፡ ክትወሓሓጥ ዝገብረካ፤ እዚ ቋንቋ እዚ እዩ እውን ሓበራዊ እምነት ክህልወካ ኣብ ልብኻ እምንቶ ዝተክል። ኣስተውዕል! ወድ ሰብ ብምኽንያት እዩ ክነብር ዝደሊ—ኣብቲ ዝነብሮ፡ ዝኸዶን ዘጎዓዞን ተስፋ ክገብረሉ፡ ክተኣማመነሉን ክህንጠየሉን ዝኽእል ምኽንያት እንተዘይሃልይዎ፡ ናይ እምነት ዓንዲ ክተክል ምሕሳብ ልክዕ ከም ካብ ብዕራይ ጸባ ክትሓልብ ምጽባይ እዩ። ናይ ምንባርካ ምኽንያት እንተተጸንቒቑ፡ እምነት ሞይቱ ኣሎ፡ ተስፋ ተወዲኡ ኣሎ፡ ድሌት ኣብቂዑ ኣሎ፡ ትዕግስቲ ተጸንቒቑ ኣሎ—ኣብዚ ደረጃ እዚ እንተበጺሕካ ድማ ተጓኒኻ ኣለኻ ማለት እዩ! ስለዚ ኣብ ክንዲ እቲ ዝኸበደ ናይ ምንባር ስልቲ ንመርጽ፡ ነቲ ዝቐለለ መሪጽና እቲ ዝበለጸ ኣነባብራ ክነብር ንፈትን። ባዕላትና ነካብዶ እንተዘይኮይኑ፡ ሓበራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክንህቦ ዝግበኣና ምዃኑ እንተተረዲኡና ህይወት ከቢድ ሕቶ ኣይተሓተናን እያ። ኣብ ስራሕ ይኹን፡ ኣብ ዝምድና፡ ኣብ ፍቕራዊ ህይወት ይኹን ምሕዝነት—ካብታ ብሓባር ክንተኣሳሰረላ ዝጀመርና ግዜ፡ ሓበራዊ ረብሓታትና ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዘለዎም እንተኣሚናን ኣተግቢርናን፡ እቲ ንደልዮ ጥዑይ ዝምድና ካብ ምህናጽ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን። ረብሓኡ እናጎደልካሉ፡ እንዳሃሰኻዮ፡ እንዳበደልካዮ፡ እንዳዓመጽካዮን እንዳጎሃኻዮን ምሳኻ ጥዑይ ዝምድና ክህልዎ እንተተጸቢኻ ግን—ንባርነት እናጸዋዕካዮ ዝመጽእ ሰብ ስለዘየለ ጥዑይ ህይወት ኣይትጸበ!
ሰረት
Region: GB
Thursday 13 August 2026 07:58:06 GMT
Music
Download
Comments
Sisey ❤️🇪🇷 :
Nay bhaki 👌
2026-08-13 17:56:09
2
አደይዓለመይ :
ሓቂ
2026-08-13 14:28:21
2
black man :
ብሓቂ🥰🥰🥰
2026-08-13 09:36:06
2
ሓፍቲ ወዲ ወልደኣም :
በሓቂ የቀንየልና 🥰🥰🥰
2026-08-13 15:30:36
1
bay bay tiktok :
nay bahqi 💯🤝✌️
2026-08-13 14:47:25
1
ዘይትዓርብ ፀሓይ :
2026-08-13 11:59:10
1
gal haleka :
yes nay bahqi🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-13 16:12:24
1
@fre galTigay💊🔐 :
2026-08-13 14:42:07
1
Senu Senu :
you are right ✅️😌 👌 👏 🙌 ☺️
2026-08-13 13:04:07
1
galraya galraya :
ብሱል፣ዝኾነ፣ሐሳብ፣በኡውነት፣
2026-08-14 09:30:46
1
Gerye :
ባሓቂ🙏🙏🥰🥰🥰🥰
2026-08-13 17:03:50
1
zuwadey :
right
2026-08-13 15:48:19
1
it's merry aslino :
tkkl ✌✌
2026-08-13 18:44:40
1
Jezus is love ❤️ :
2026-08-13 13:28:27
1
meksbyy nty♥️🫶 :
yes🙏
2026-08-13 19:08:47
1
yemane Goitom :
ብሓቂ
2026-08-13 15:58:17
1
Fish🐟 👑 :
right
2026-08-13 14:16:08
1
fthey 💙 🦋2123🦋 A,k 💙 :
yes
2026-08-13 18:30:13
1
Tsegay gebremichael :
fact bro smart adice
2026-08-13 18:39:47
1
hiyabey :
yes
2026-08-16 20:15:04
0
ከም ፍቓድኻ ይኹን :
i am proud txs bro about this advice 🥰🥰🥰
2026-08-16 22:59:03
0
.brkti gal Asbiy :
ብትኽክል 👍
2026-08-21 22:40:10
0
ኩሉ ምስግዜ)👨🔧 :
👍👍👍👍👍
2026-08-18 13:29:41
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.