@kidanzelalem: ብዙሕ ግዜ ንኻልኦት ክንህብ ገዛእ ርእስና ንርስዕ ኢና፤ ቀዳምነት ንሕና ክንኮኖ ዝግበኣና፡ ቀዳምነትና ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኮይኖም ንረኽቦም ኢና። በዚ ድማ ጉዕዞና "ኣደይን ኣቦይን በበይኑ ጸሎቶም" ክኸውን ግዴታ እዩ ዝኸውን። ንኻልኦት ምሃብ ጽቡቕ እዩ—ሃልዩካ ክትህብ ክኢልካ ምሃብ ዝበለጸ ናይ ሕልና መግቢ እዩ። እቲ ጸገም ዝኸውን ግን፡ ካብ ምሃብ ሓሊፍካ መሳርሒ ክትኸውን፡ ሰባት ድማ ንግርህነትካ ክጥቀምሉ ከለዉ እዩ። "ብመጠን ንበሩ" ዝብል ሓደ ደስ ዝብል ክፍሊ ጽሑፍ ኣሎ። ብመጠን ምንባር ምኻኣል ማለት፦ ንሕማምካ እተመጣጠን መድሃኒት ምሃብ ማለት እዩ። መድሃኒት ብዓቐን እዩ ዝስራሕ—ነፍሲ ወከፍ መድሃኒት ነቲ ክፍውሶ ዘለዎ ሕማም ወይ ከዐግሶ ዝተደልየ ነድሪ ተገይሩ እዩ ዝስራሕ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይቲ ሕማም ኩነታትን ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ ሰብን ተራእዩ ብዓቐን እዩ ዝወሃብ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፦ ኪኖ ዓቐን ምስ ዝውሰድ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ስለዝዓቢ እዩ። እቲ ንሕና ኣብ ካልኦት እንገብሮ እውን ዓቐኑ ልክዕ እንተዘይኮይኑ፡ ንኻልኦት እናጠቐምና ገዛእ-ርእስና ግና እንጎድእ ክንኸውን ናይ ግድን ይኸውን። ስለዚ እዩ ድማ፦ እቲ ዘፍቕር ብልክዕ፡ እቲ ዝኣምን ብምኽንያት፡ እቲ ዝህብ ብመጠን፡ እቲ ዝሰምዕ እውን #መቓልሕ ጥራይ ዘይኮነስ ፍረ ዘለዎ ክሰምዕ ዝግብኦ! እዚ ዓይነት ከይዲ እንተመሪጽና ኢና ካብቲ ክጎድኣና ዝመጽእ ሓደጋ ንነፍስና ጥዑይ ክንክናዊ ምክልኻል ንምግባር ዝጥዕመና። ስለዚ "ካብ ሓሚምካ ሕክምና፡ ተኸናኺንካ ጥዕና!" እዩ እሞ፡ ንነፍስና ግቡእ ምክንኻን ንግበረላ—ንኻልኦት ክንጎየሎም እንከሎና ንዓኣ ከይንርስዓ ጥንቃቐ ንግበር! ንኹሉ ምስማዕዶ ይሓይሽ ወይስ ገዛእ ርእስኻ ምስማዕ፧ ንስኹም እውን ርእይቶኹም ኣብ ታሕቲ ኣካፍሉና!
ሰረት
Region: GB
Tuesday 18 August 2026 12:32:51 GMT
Music
Download
Comments
🫶ስቅታይ ትርጉም ዩ👀 :
2) afqir gna ke b lebka mekusal ayekun 🫶👍🙏
2026-08-18 14:35:29
0
nsn :
ካሌቲ🥹
2026-08-18 13:23:39
0
ganersawi forever ♥️ ❤️ 💙 💖 :
እመን👑
2026-08-18 17:55:38
0
ምስጉን :
🥰🥰
2026-08-18 18:50:07
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.