@tihloagame: ኣዕርኽቲ መርዓዊ❤🔥 ቀደም ኣብ ዓድና (ዓጋመ) ሓደ ሰብ ክምርዖ ከሎ መተዓብይቲ ፣ ወዲ ሓው'ቦ፣ ወዲ ኣሞ ፣ ወዲ ሓትነ ፣ ወዲ ኣኮ እናተብሃለ ዓሌት እናተቖፀረ ፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝእከቡ ክሳብ 30 ዝኾኑ ብዙሓት ኣዕርኽቲ እዮም ዝዓርኩ ነይሮም ። እንተውሒዱ ን2 ሰሙን እንተበዚሑ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን እናተሓፀኑ ድማ ፡ <ገዛ>ወርሒ ሙሉእ እንዳ መርዑ የምስልዋ ። ህዝቢ እቲ ዓዲ እውን ንመርዑ ዝኸውን ምግቢ "ከበዳ" ሒዙ ይኸይድ ። ንሳቶም ድማ እቲ ዝመፀ "ከበዳ" ቆፂሮም ብምቕባል ፤ 2 ኣዕርኽቲ ናብ ዝባን ናሕሲ እቲ ህድሞ ይድይቡ'ሞ! ድምፆም ዋዕ ኣቢሎም ! እንዳ እገለ ክንድዚ ከበዳ ኣምፂኦም እናበሉ ይዛረቡን ይዕልሉን ። እቶም ካልኦት ኣዕርኽቲ ድማ ገዛ ገዛ እናዞሩ እንቁላሊሕ 🥚ይእክቡ ፤ ብፍቓዱ ዝህቦም እንተረኺቦም ፅቡቕ ፤ የብልናን እንድሕር ተባሂሎም ግን ንምርግጋፅ ዝኣክል እንዳ ሞጎጎን ፤ ደርሁ እንቁላሊሕ🥚የውድቓሉ እየን ኢሎም ዝገመትዎ ቦታን ኣትዮም እዮም ዝፍትሹ ነይሮም ። ገለገለ ኣዕርኽቲ ደርሁ ምስራቕ እውን ኣይሓድጉን እዮም! 😀ገፅካ ፀለሎ ተላኺኻ ሰብ ምድንጋፅ እውን ስርሖም እዩ ። መቸም ናይ ኣዕርኽቲ ፅቡቕነትን ፅይቅነትን ብዙሕ እንድዩ ፤ እቲ ደስ ዝብለካ ነገር ግን ንሳቶም ብዝገብርዎ ነገር ዝኾነ ዝኹሪ ይኹን ቂም ዝሕዝ ሰብ ዘየለ ምዃኑ እዩ ። ዕርክነት ማለት ልክዕ ከም መዓልቲ ነፃነት እዩ ። 🔥❤ ሎሚ ኮይንኻ ዓድና ክትርእያ ከለኻ ግን ብግልባጡ እዩ ። ካብ 13 ዕድመ ጀሚሩ ኩሉ መንእሰይን ዕሸልን ናብ ስደትን ሞትን ውሒዙ ። ተሞርዒኻ ኣይኮነን ዶ እቲ ብዕድመ ይኹን ካልእ መሓዛኻ ዝኾነ ወዲ ሓውቦ / ወዲ ሓትነ (ቤተሰብ)፣ መተዓብይቲ ክዓርከልካ፤ እቲ ብስጋ ይኹን ብኣተዓባብያ ምሳኻ ዘይራኸብ ድሕሪ ግዜ ዝተላለኻዮ ሰብ እውን ንጋዶ 🥺 ሽላ እዮም የ ሽላ በላኦም የ ሊላይ እዮም የ ሊላይ በላኦም የ 🕺 እዚ ደርፊ ድማ ፅቡቕ ክዘሉ ከለዉ ዝድረፍ ደርፊ እዩ። እንተዘይክኢሎምዎ ግና "ኣይከማኡን የ ፤ ኣይከማኡን የ ይበሃል ኣሎ ! ኣሯኽ የ ኣሯኽየ ከምኡ ድዩ ኣላዕላ ኣብራኽየ " እናተብሃለ ይድረፍ ። ብዝኾነ ከምዚኦም ብዙሓት ኣዕርኽቲ ክርኢ ከለኹ ደስ እዩ ዝብለኒ ፤ እቲ መርዓዊ እውን ዕድለኛ እዩ።🔥❤ #tigrignamusic #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹 #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #habeshatiktok #tiktok

Bahli Agame 🍚🥢💛
Bahli Agame 🍚🥢💛
Open In TikTok:
Region: SA
Tuesday 18 August 2026 21:26:21 GMT
15830
1330
36
126

Music

Download

Comments

user86691756901365
akuuu :
stamru
2026-08-20 07:12:05
0
gabriel_19_27
Piccolo Halewlew :
This is Eritrean culture 🇪🇷🇪🇷🇪🇷
2026-08-20 16:03:06
1
salam.salam9670
ጎርዞ ትግራወይቲ (💃🇻🇳💝🇪🇹) :
2026-08-21 01:42:32
0
lewhatey7
ሊýã🍫 :
እዉሽሽሽ ደሰ ክብሉ ❤️❤️❤️
2026-08-19 15:19:45
1
user27348334149816
Atsede Tsegay :
ባህልና ጥዑም🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-19 17:52:08
1
nabiyat1
ነቡ ዕባይ ገጠር ♥️💊🇸🇦❤ :
ሑፃና ክከኑ ኣለዎም🥰
2026-08-20 16:53:40
0
nag.nag715
ዓጋማዊት 🫅✝️🎀🌼🕊 :
ዓጋማዊያን❤❤
2026-08-18 23:12:32
0
user2888100793212
adisu :
🥰❤️❤️❤️❤️
2026-08-19 17:26:29
0
grmaleul2
grmaleul :
2026-08-19 10:28:41
0
heywanhbbsh
ሂዋን ሓፍቲ ሚሊ 👩‍❤️‍👩💊💘 :
ሰይይይይይ ሰይይይይ ፅሩያተይ ዓጋመ ዓደይ ክርዓተይ 👑👑🥰🥰🥰🥰🩷🩷🩷
2026-08-19 01:05:35
1
sebkfu224
😵 𝙗𝙖𝙧 𝙛𝙤𝙤𝙩 :
ዕድመ ንጦርነት ዓርኪ ዶ የለን የ ኢሉ ከፃውት ብፍሉይ ዝፈትዎ ዝነበርኩ angshey ካብ ደብረብርሃን ክምለሱ ከለው ተሰዊኡ🥺🥺🥺
2026-08-19 06:08:08
1
solomon0845
Mo SolomoN :
መዓስ ባ ክምለስ ይከውን እዚ ጥዑም ግዜ
2026-08-19 08:36:51
3
temesgen.amla3
ኣፅባዊት💚(Y)👌 :
ኣበይ ዓዲ እዮም ዕድልና ክንፍትንስ ጋያሱ ደስ ክብሉ
2026-08-20 23:11:52
0
shshay.gebremicka
Shshay Gebremickael :
sey sey sey sey sey sey sey sey ayyyyy bahlna des kbl
2026-08-19 17:03:30
0
user6343339301810
user6343339301810 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-20 12:46:00
0
gaait8
◇ቃባፅ Gal ዓጋመ➺🎧🎼🧡 :
🧡🥰🥰🥰
2026-08-19 19:33:14
0
black.man25864
black man :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-20 13:53:02
0
user4076179476928
ማኣርግ ዕባይ ኣፅቢ ወንቦርታ 💪💞💋👸💊 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-19 21:22:00
0
sheshayetgalekesh
sheshayit tesfay :
❤️❤️❤️
2026-08-20 01:05:26
0
tititadese617
titi titi :
🤣🤣🤣🤣
2026-08-20 04:15:26
0
user9635251445300
Desta hagos :
♥️♥️♥️
2026-08-19 18:33:34
0
tsegu64
Tega444 :
🥰🥰🥰
2026-08-20 06:07:44
0
shewit121627
Shewit & berihu :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-19 16:24:33
0
seniyemaryamli929
Seni Ye Maryam Lij :
🥰🥰🥰
2026-08-18 21:30:14
0
To see more videos from user @tihloagame, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About