@kidanzelalem: ኣብ ጉዕዞ ህይወት ምውራድን ምድያብን ኣሎ። ብኸቢድ ፈተናታት እንሓልፈሉን፡ ደጋፊ ሰብ ብምስኣን ቁሊሕ-ምሊሕ እንብለሉ ግዝያት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ ካብ ጎድንኻ ከይተፈለየ ብዘድልየካ ኩሉ ምሳኻ ዝነበረ፡ ጻውዒትካ ዝተቐበለ ሰብ ግን ናይ ሓቂ መሓዛን ሕያዋይ ሰብን እዩ'ሞ፤ ከምቲ ኣብ ጸገምካ ኣብ ጎድንኻ ዝነበረ፡ ኣብ ራህዋኻ እውን ፈጺምካ ኣይትረስዓዮ። ብዛዕባ ሰብ ብዙሕ ሰሚዕናን ተበሂሉን እዩ—"ሰብ ርጉም ሓጺር እዝኑ"፡ "እንሰሳ ካብ ሰብ ይሓይሽ"፡ ወይ "ሰብ ምእማን ገዲፈዮ እየ"። እዚ ኩሉ ነቲ ብሰባት ዝገጠመና ዘይጥዑም ነገር፡ ኣብቲ ሰብ ዝደለናሉ እዋን ሰብ ዝኾነና ምስ ሰኣና፡ ወይ ሰባት ንጸገምና ጸገም ክውስኹሉ ምስ ኣስተውዕልና ዝበልናዮ ብምዃኑ ኣየጣዕስን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ልክዕ ከምቶም ሕሱማት፡ ሕልና ዘለዎምን ሕያዎት ሰብኣውያንን እውን ኣዝዮም ብዙሓት እዮም'ሞ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ "ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ" ከይገበርና፡ ነቶም ሰብ ውዕለትና ዝግባእ ክብሪ ንሃቦም። "ኣማኒኻ ኣይትጥለም፡ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ" ከም ዝብሃል፡ ነቶም ዝተኣመኑና ክንእመኖም፡ ነቶም ሰብ ዝኾኑልና ሰብ ክንኮነሎም፡ ነቶም "ኣለናልካ" ዝበሉ "ኣለኹልኩም" ክንብሎምን፡ ነቶም ጉዳይና ግዲ ዝብሎም ሰባት ድማ ግቡእ ኣፍልጦ ክንህቦምን ይግባእ። ከምቲ ምህላዉ እሾኽ ዝኾነካ ሰብ ዘሎ፡ ምህላዉ ምልኣት ዝኾነልካ ሰብ እውን ኣሎ። ብቐንዱ ጽቡቕ ምምራጽ ንዓና ውሽጣዊ ሰላም ስለ ዝህበና ኩሉ ግዜ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምምራጽ ተመራጺ እዩ፤ እንተዘይተኻኢሉ ግን ነቶም ንስሌና ዝደኸሙን ሰብ ዝኾኑልናን ውዕለት ምምላስ ሰብኣዊ ግዴታና እዩ። ኣብቲ ዝጸልመተኩም መብራህቲ ዝኾነልኩም፡ ኣብቲ ሰብ ዝደለኹምሉ እዋን ሰብ ዝኾነልኩም እንተልዮም፡ ኣብ ታሕቲ መንሽ ን (Mention) ብምግባር ኣመስግንዎም!
ሰረት
Region: GB
Wednesday 19 August 2026 11:53:38 GMT
Music
Download
Comments
ሉል :
🥰🥰🥰ya naybaki
2026-08-19 21:57:38
1
SaidSaid :
ewa naybak🥰🥰
2026-08-19 16:28:12
0
ሩፉታ ልበይ :
Ya nay bhaki ane kulu negerey hawey aleni ab thti fetariiiii amlak ymesgen🙏🙏🙏
2026-08-19 21:39:12
1
ጽባሕ🇮🇱 575M፡ :
ኣብዚ ሰዓት ምንም ዝጎድል ዘይብለይ ሙሉእ ኣለኩ።ኣብ ገለ ክፋል ሂወተይ ግን ካብ ገዛይ ምሉእ ወጽየ ጎዲለ ብዙሕ ገንዘብ ሒዘ ኔረ ጠፊኡ ብዙሓት ፈተውቲ ኔሮምኒ ጸሊኦምኒ ኩሉ ሂወተይ ጽይቅይቅ ክጥርንፈሉ ኣብዘይክእል እዋን በጺሐ ኔረ ካብ ዝነበርክዎ ሃገር እስራኤል ብዘይ ሓንቲ ቅርሺ ኑኡጋንዳ መጽየ፡ዝገደደ መርየት ጽልምት ኢላትኒ ከላ ናይ ሕጂ ክብርቲ ብዓልቲ ቤተይ 4 ምጭዋት ቆለውዕ ወሊዳ ኣብ ሰላም ክነብር ዝጠቅም ሰብ ክከውን ስለ ዝገበረትኒ ኣነ ሕጂ ኣዝየ ሓይለ ንሳ ቁሩብ ናይ ኣብ ርእሲ ርእሲ ምዕባይ ቆልዑ ኣዳኪምዋ እንክርኢ ብዙሕ ከይትጉዳእ ይፈርሕ ተባረኪ ድማ ይብላ🥰
2026-08-27 19:22:02
0
hayme❤️❤️❤️ :
🥰🥰
2026-08-19 14:23:48
1
Natur :
🙏🙏🙏
2026-08-19 14:33:46
1
በእምነት :
🥰🥰🥰
2026-08-19 14:38:59
1
abrham :
🥰🥰🥰
2026-08-19 22:53:34
1
ዓቅሊ ግበሪ ነብሰይ :
🥰🥰🥰
2026-08-19 12:48:27
1
mili :
🥰🥰🥰
2026-08-25 14:40:58
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.