Language
English
عربي
Tiếng Việt
русский
français
español
日本語
한글
Deutsch
हिन्दी
简体中文
繁體中文
API
Home
How To Use
Language
English
عربي
Tiếng Việt
русский
français
español
日本語
한글
Deutsch
हिन्दी
简体中文
繁體中文
Home
Detail
@i.67c: كيف انساك و انت#explore #4u #تصميمي #عود #شيلات
هادي
Open In TikTok:
Region: SA
Thursday 20 August 2026 00:14:51 GMT
21739
1111
4
136
Music
Download
No Watermark .mp4 (
0.66MB
)
No Watermark(HD) .mp4 (
0.79MB
)
Watermark .mp4 (
0MB
)
Music .mp3
Comments
.0 :
الله الله 🤩.
2026-08-20 10:27:02
0
M :
اول + مبدعع
2026-08-20 00:25:59
0
To see more videos from user @i.67c, please go to the Tikwm homepage.
Other Videos
- شعور سيء. 💔👩🏻🦯ستعلمك الحياة: أن الشيء الوحيد الذي تثق فيه هو نفسك. 👍👩🏻🦯##عبارات_خواطر_✍اقتباسات_موسيقى🎵.
#happymoments#tiktoktürkiyeailesi❤️💕🌹🌹 #tranding #viralvideotiktokteam1millonviews
Part-2 Namkeen Hosht Ki ye Turkish Recipe Ek Bar Zaroor Try Karen #turkish #gosht #Recipe #quickrecipes #viral
#paketsantet #dikiriminpaketsantet #filmpaketsantet
እዛ ምድሪ ገፋሕ እያ፤ ንኹሉ ዝኣክል መንበሪ እውን ኣለዋ። ኩሉ ብሓባር ክነብረሉን ክበልዓሉን ዘኽእል ጸጋታት እውን ዝወነነት እያ። እቲ ካባና ዝድለ ልክዕካ ፈሊጥካ ብስኒት ክንነብር ፍቓደኛ ምዃን እዩ! ስኒት ከም ስማ ጥዕምትን ተበሃጊትን እያ። ኣብ ስኒት ሓጎስ፡ ሰላም፡ ህድኣትን ምክንዋንን ኣሎ። ስኒት እንተሃልዩ ዕቤት ኣሎ፡ ሓቢርካ ምጉዓዝ ኣሎ፡ ተስፋን መጻእን እውን ኣሎ። ስኒት እንተልዩ ናይ እሂን-ምሂን መድረኽ ኣሎ። እሂን-ምሂን እንተልዩ ድማ ምስራሕ ኣሎ—ዓወታት ዝጭበጡ ብስራሕ ስለዝኾኑ ድማ ዕቤት ኣሎ ማለት እዩ። ስኒት ኣብ ገዛ፡ ስኒት ኣብ ስራሕ፡ ስኒት ኣብ ዕዮ፡ ስኒት ኣብ ፍቕሪ፡ ስኒት ኣብ ሕውነት ስኒት ኣብ ምሕዝነት እታ ኣገዳሲት ባእታ እያ። ስኒት እንተነጊሱ፡ እቲ ዝሕሰብ ሓሳብ እውን ኪኖ ታራ ሓሳብ ኣድማዕን ኣፍራይን ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን። "ሓቢሮም ከይዓዩስ፡ ንዑ ንውረድ እሞ ንዘረባኦም ንደባልቆ" ትብል ጽሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣላ። እዛ ጥቅሲ ኣብቲ ሓደ እዋን ባቢለናውያን ሓቢሮም፡ ተሰማሚዖም ሰማይ-ነጠቕ (ሰማይ ዝበጽሕ) ህንጸት ክሃንጹ ኣብ ዝሓሰቡሉ ከምዝተባህለት ዝንገረላ እያ። ዋና መልእኽቲ ናይታ ጥቅሲ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ናብታ "ንሕድሕዶም መታን ከይሰማምዑ" ትብል ሓረግ እንተስተብሂልና ግና፡ ስኒት (ተቓዲኻ ምንባር) ክሳብ ክንደይ ኣዐዋቲ ምዃኑ ኢና ንግንዘብ። ኣብ ጥፍኣት ይኹን ኣብ ልምዓት ስኒት እታ መሓውር ሓይሊ ናይ ዓወትን ምክንዋንን እያ። ሎሚ ናብራና ላዛ ስኢኑ፡ ጨው ውሒድዎ ሲኦል ዝኸውን ዘሎ ስኒት ስለዝውሓዶ እዩ። ሓቢርና ሓባራዊ ጥቕሚ ከይንገብር ዝዓግተና እውን ዋሕዲ ስኒት እምበር ዋሕዲ ሓበሬታ ወይ ኣፍልጦ ኣይኮነን። እቲ ፍልጠትን ሓበሬታን'ሲ ልዕሊ ማንም ግዜ ሎሚ እኳ ይበዝሕ! ብሰንኪ ስኒት ዘይምህላው፡ ተኸባቢርካን ተኸኣኢልካን ዘይምኻድ ግን እቲ ንደልዮ ናብራ፡ እቲ ንደልዮ ዓወት፡ ነቲ ንደልዮ ሸቶ ከይንሃርም ዕንቅፋት ኮይኑና ኣሎ። መልክዕና፡ ዓቕምታትና፡ ደረጃናን ብጽሕናናን በበይኑ ስለዝኾነ፡ የግዲ ኣብ ኩሉ ነገራት ክንሰማማዕ ኣሎና ማለት ኣይኮነን—እተፈላለየ ርእዮት ክህልወና ግድን እዩ። ብዙሕነትና ተቐቢልና ምክብባር እንተወሲኽናሉ ግን ሓቢርና ብሓደ ዘይንጎዓዘሉ ምኽንያት የልቦን። ነዚ እዩ ድማ ምክብባር ዘድልየና—ምኽንያቱ ብዘይ ምክብባር ብስኒት ምንባር ስለዘይከኣል! ስለዚ ክንጥዒ፡ ናብራና እውን ክምቅርሲ፡ ጉዕዞ ህይወትና ምክብባር ይሃልዎ—መታን ተሳኒና ብሓደ ክንቅጽል።
About
Robot
API
Legal
Privacy Policy