@kidanzelalem: እቲ ተገሊጹ ዘይውዳእ ፈልፋሊ ዒላ ናይ ኣደ ፍቕሪ! ካልእ ኩሉ እንተሃልዩካ እዩ ዝለግበካ፤ ኣዴኻ ግን ክፍተትካ ክትመልእ እያ ትቐርበካ! ሃልዩካን ኣይሓለወካን ነዴኻ ኩሉ ግዜ ፍቱው እኻ። እተን ህጻን ከለኻ ዝጠመታኻ ኣዒንታ ኣባኻ ኩሉ ግዜ ሕደ እየን። ምናልባት ዕድመ ወሲኽካ፡ ዓቢኻ፡ ምስልኻ ተቐይሩ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት እውን ትመርሕ ትኸውን፤ ነዴኻ ግን ኩሉ ግዜ እቲ ኣብ ማህጸና ዝዓኾኸ ፍቱው ህጻን እኻ። እዚ ፍቕሪ እዚ ብዝኾነ ዋጋ ኣይቅየርን እዩ። ኣዴኻ ኩሉ ግዜ ብዛዕባኻ ጽቡቕ ስለትሓስብ፡ ክትዓብየላ፡ ክህልወካን ክጥዕመካን ልዕሊ ማንም ተመናይትን ደጋፊትካን እያ። እንተኾነ ፍቕራ ኣካላ ስለዝኾንካ እምበር፡ ስለዘለካን ዘይብልካን ብትሕዝቶ ዝልካዕ ኣይኮነን። እኳዳኣ ወላ ኣብቲ ዘለካን ኢድካ ዝመልኣልካን ግዜ፡ ካብትን ካብዝን ኢላ ክትውስኸልካ እምበር ከተግድለልካ ኣይትደልን እያ። እተን ቆልዓ ከለኻ ብኣኻ ዝሻቐላ ኣዒንታ ኩሉ ግዜ ናባኻ ምስ ጠመታ እየን። ምናልባት እታ "ኣጋፐ" እትብል ናይ ግሪኽ ቃል "ኣምላኻዊት ፍቕሪ" ትበሃል—ነደ እውን እትገልጽ እያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣጋፐ ማለት "ፍቕሪ ብዘይ ቅድመ-ኩነት" ማለት እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እውን "ኣምላኽ ንሕና ገና ሓጥኣን እንከለና እታ ፍቕሩ ስለዝገለጸልና እምበር ንሕና ስለዘፍቐርናዮ ኣይኮነን" ብምባል፡ ነቲ ፈጣሪ ንደቂ ሰባት ዘርኣዮ ፍቕሪ የነጽር። ኣደ እውን ንውሉዳ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከም እተፍቕሮ ጥርጥር የብሉን። "እዚ ሃበኒ እሞ ኣነ እውን እዚ ክህበካ" ብምባል ዘይኮነስ፡ ምንም ከይተገብረላን ክግበረላ እውን ከይተጸበየት እተፍቕር ብምዃና፡ እዚ መግለጺ እዚ ነደ እውን ዝምጥና እዩ ክበሃል ይኸኣል። መቸም ፍቕሪ ወላዲት ጸብጺብካ ኣይውዳእን እንድዩ! እቶም ወለድኹም ብህይወት ዘለውልኩም፡ ፈጣሪ ምሉእ ጥዕናን ነወሕ ዕድመን ይሃበልኩም። ወለድና ብህይወት እንከለዉ እቲ ዝግባእ ክብርን ሓልዮትን ክንህቦም ሰናይ እዩ!
ሰረት
Region: GB
Friday 21 August 2026 22:57:58 GMT
Music
Download
Comments
mebra :
yes yes yes
2026-08-23 17:48:48
0
alem xewar :
tkkl yeah nay bhaqi 🥰🥰🥰
2026-08-23 16:27:53
0
kibrom haftom :
ብትክክል ሓቂቂቂቂቂቂቂ👍👍👍👍👍👍👍
2026-08-22 13:12:57
0
ተጋዊ :
መን ከም ኣዶ 🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-22 12:04:00
0
semhar :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-21 23:09:54
0
ሃፍትሽ :
🙏🙏🙏🙏❤❤❤❤
2026-08-22 09:23:06
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.