@kidanzelalem: ንወርቂ ወርቂ ዘብሎ ካብ ወርቅነቱ ስለዘይቅይር እዩ። ወርቂ ብግዜን ብሓውን ሓሊፉ ወርቂ ኮይኑ እዩ ዝርከብ። እቲ ናይ ሓሶት ወርቂ ግን ዕድመ ወርቂ የብሉን። እቲ ናይ ሓሶት ሰብ እውን ከምኡ እዩ—ከይድካ ከይድካ ኣብ ሓደ ቦታ ምስ በጻሕካ ሓዲጉካ ዝኸይድ ወይ ዝምለስ እዩ። ስለዚ እዩ ኣብ ሰብ ክትጽጋዕ ዘይብልካ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓደጋ ዘውድቐና ግርህነትና እዩ። ነቲ ከጋጥመና ዝኽእል እንተስ ብሸለልትነት ወይስ ብግርህነት ንኣትዎ እሞ፡ ሳዕቤን በደልን ስቓይን ይገብረና። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኸኣ ተመን ንህቢ ክኾነልና ስለንጽበ እዩ! እንተኾነ ተመን ሕንዚ ደኣ እምበር መዓር ከንጠብጥበልና ኣይክእልን እዩ። መዓር ካብ ንህቢ እምበር ካብ ተመን ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ኽፉኣት ሰባት ጥልመት እምበር እምነት ክንጽበ የብልናን። ስለዚ ንህይወት ብግርህነት ዘይኮነስ ብጥበብን ምስትውዓልን እንተነበርናሉ እዩ እቲ ዋሕስ መጻኢና። "ባዕለይ እየ ባዕለይ" ትብል ዘረባ ድሕሪ ሓደ ጌጋ ምግባርና ብተደጋጋሚ እንብላ ቁዝማ እያ። ሓቂ እዩ ኣብ ጉዕዞ ምግጋይ መካይዲ ሰብ ስለዝኾነ ክንጋጌ ንኽእል እኳ እንኾነ፤ እንተኾነ ጌጋን ዕሽነትን ክንፈላልዮ ኣሎና! ነቲ ንነብሮ ህይወት ብጥበብ፡ ብጉርሒን ብጥንቃቐን ዘይምግባርና ዕሽነትና እምበር ስለንሰርሕ ምግጋይና ኣይኮነን። ዕሽነት ብቐንዱ ካብ ሸለልትነት፡ ካብ ግርህነትን ካብ ገለልትነትን ዝበቚል እዩ። ንነፍስኻ ካብ ፍልጠት እንተግሊልካያ፡ ካብ ጥበብን ካብ ክውንነትን እንተርሒቕካያ ክትዕሹ ባህርያዊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ካብቲ ንህይወትና ዘይጥቅም ነገርን ካብ ዘይጠቕሙና ሰባትን ምርሓቕ ግዴታና ዝኾነ። ሓንቲ ኩሉ ግዜ እትዕንቅፈካ እምኒ ክትኣልያ ወይ ክትእለየላ እንተዘይክኢልካ፡ እቲ ጸገም ናይታ እምኒ ዘይኮነስ ናትካ እዩ! ንሕና እውን ካብቶም ዝጎድኡና ክንርሕቕ ድሌትን ቅሩብነትን እንተዘይሃሊና፡ ብቐንዱ ጸላእቲ ነፍስና ባዕልና ምዃና ኣይንረስዕ። ነቲ ሓደ ግዜ ዝጎደኣካ፡ ካልኣይ ግዜ ክጎድኣካ ኣይትፍቀደሉ!

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Saturday 22 August 2026 06:55:23 GMT
9993
340
9
41

Music

Download

Comments

sm.wan4
SM Wan :
ብሓቂ My bro
2026-08-22 18:52:43
0
.qeeun71
ማዚ 💌Queen💎 :
behak👌
2026-08-22 21:25:28
0
selmi.hasab3
selmi hasab :
behaqi bro
2026-08-22 19:54:39
0
hijman0
👀 Ik :
ja man
2026-08-22 07:23:11
0
user9350257530283
በእምነት :
ትክክለኛ
2026-08-22 13:40:12
0
tesfalemtewelde34
alem xewar :
🥰🥰🥰
2026-08-22 15:51:01
0
user2872333353328
ሃፍትሽ :
❤❤❤❤
2026-08-22 09:18:57
0
ama29849
ama :
✌️✌️✌️
2026-08-22 19:58:05
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About