@kidanzelalem: ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ ጎደና፧ ተኸኣኢልካ ምስ ሰባት ምንባርዶ ወይስ ነፍስኻ ክኢልካ በይንኻ ምንባር፧ ክልቲኡ ነናቱ ጽቡቕ ዘለዎ መርገጺ እኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ምምራጽ ዘድልዮ ግዜ ግን ሓደ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ተኸኣኢልካ ምስ ሰባት ምንባር እኳ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝህቦ ጥቕምን ኣገዳስነትን እንተሃለዎ፡ እንተኾነ ብዋጋ ነፍስኻ ግን ክኸውን የብሉን! ኣብ መወዳእታ ምስ ሰባት ነበርካ በይንኻ፡ ናይ ህይወት ፍርዲ ብውልቕኻ ስለዝኾነ፡ ምስ ነፍስኻ ተላዚብካ ነፍስኻ ክኢልካ ምንባር ቀዳማይን እቲ ዝሓሸን ምርጫ ምዃኑ ኣየካትዕን። ጣዕሚ ህይወትን ሓርነትን ብቐጥታ ምስቲ ብውልቕኻ ትኸዶ ከይዲ ዝዛመዱ እዮም። ሓርነት ናይ ምንባርን ሓርነት ናይ ናጻ ምሕሳብን ኣባኻን ካብኻን ክጅምር እቲ ዝበለጸ እዩ። እቲ ምስ ሰባት እትነብሮ ሕጊ ረቒቕን ጥንቃቐ ዘድልዮን እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ናይ ገዛእ-ርእሱ ብድሆታት ዝበዝሖ ምዃኑ ኣየካትዕን። "ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ" ከምዝበሃል፡ ምስ ሰባት ምንባር ጠባይ ሰብ ክትሕሉ ጠባይካ ዘርስዕ ምዃኑ ሕቡእ ምስጢር ኣይኮነን። ነቲ ዝወሓደ ንምርካብ ዝበዝሐ ከፊልካ ኢኻ ምስ ሰባት ትነብር። እንተኾነ ሰብ ምዃንካ ምስ ሰባት እውን ምንባርካ ንኸይተርፎ፡ ነቲ ተኸኣኢልካ ምንባር ከም መሰረታዊ ምርጫ ክትመርጾ ምኽኑይ እዩ። በንጻሩ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ምንባር ዝህቦ ጥቕሚ ቆጺርካ ዘይውዳእ እዩ። ቅድም ቀዳድም ጎይታ ነፍሱ ይገብረካ፤ ራእያትካ ሰፊሑ ፈጣሪ ሜላን ምንባሩ ዘጸብቕን እውን ዝገብር እዩ። ኪኖ እዚ ሓሊፉ ውሕስነት ምንባርን ጉዕዞ ህይወትን እውን ዝፈጥር እዩ። ነቲ እትነብሮ ናብራ ባዕልኻ ትቕልሶ፤ ምስ ነፍሱ ልዝብ ዘለዎ ዕዉት ሰብ ገይሩ ዝፈጥር እውን ብምዃኑ፡ ዝያዳ ማንም ክምረጽ ዝግብኦ ኣማራጺ እዩ! ሓደ ሓደ ግዜ በይንኻ ምንባር ከም "ፈታዊ-ነፍሱ" ክገብረካ ወይ ከጸውዓካ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ዓሻ እንተዘይኮይኑ፡ ለባም "ነፍስኻ ፈቲኻ" ኢሉ ዝቕየመካ ኣይኮነን። ነፍሱ ዘይፈተወ እሞ ነፍሲ መን ክፈቱ እዩ፧ ነፍሱ ዘይፈተወኸ በየናይ ሕጊ እዩ ንኻልኦት ክፈቱ፧ ስለዚ እቲ ብህሎ እኳ ንግዜኡ ዘይልሙድ ብምዃኑ ሕርኽርኽ ዝብለካ እንተኾነ፡ ህድእ ኢልካ እንተሓሲብካሉ ግን እቲ ቅኑዕ ምርጫ ኮይኑ ከም እትረኽቦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነፍስኻ ፍቶ፡ ነፍስኻ ኣኽብር፡ ጎይታ ነፍስኻ ኩን! ንኻልኦት ዝግብኦም ክብርን ሓልዮትን ሃቦም—ብዋጋ ነፍስኻ ምውራድ ግን ክኸውን የብሉን! ኩሉ ብልክዕን ክውንነትን ይኹን።
ሰረት
Region: GB
Saturday 22 August 2026 13:08:11 GMT
Music
Download
Comments
Gigital Creater :
2026-08-22 22:14:47
0
❤️☦️ :
ንበይነይ ነፍሰይ ክኢለ::
2026-08-22 13:26:54
0
1997🤐💙💙💙 :
✌️✌️✌️
2026-08-22 21:53:45
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.