@kidanzelalem: ኩሉ ሰብ ክሳዕ ዝደልዮ እዩ ምሳኻ ዝጸንሕ። ከምቲ ሓደ ግዜ ምሳኻ ዝነበረ፡ ሓደ መዓልቲ ካባኻ ዘርሕቐሉ ግዜ ኣለዎ። ንዘልኣለም ምሳኻ ዝጸንሕ የለን—ብምርጫ ይኹን ብርሕቀት ወይ ምስ ግዜ፡ ኩሉ ሰብ ገዲፉካ ዝኸይድ እዩ። ስለዚ ብገዛእ ርእስካ ደው ምባል ተመሃር! "ህይወት ገድሊ እያ" ክበሃል ሰሚዕኻ ኣለኻ፤ ጽቡቕ ብህሎ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ብሓያል ገድልን ጻዕርን ዝሕለፍ እምበር፡ ኩሉ ከምትደልዮ—"ኣልጋ-ብኣልጋ" ከምዝብልዎ—ብድቁስካ ዝኸውን ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ ጻዕሪ ህይወት፡ ኩነታት ሰብ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ዓቢ ገድሊ እዩ። ሕጂ ምሳኻ ዝነብር ዘሎ፡ ምናልባት ድሕሪ ገለ ግዝያት ምሳኻ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ነብሰ-ወከፍ ግዜ ሓድሽ ገጽን ሓድሽ ባህርይን እናስተኣናገድካ፡ "ጽባሕ ካብ ሎሚ ይሓይሽ ይኸውን" እናበልካ ብኸቢድ ገድልን ፈተናን ኢኻ ትሓልፍ። ነዚ ኸኣ እዩ ኣብ ጉዕዞ ህይወት በይንኻን ብገዛእ-ርእስኻን ደው ምባል ምምሃር ዘድልየካ። ህይወትካ ጽጋዕተኛ ጌርካያ እንተጸኒሕኻ፡ ኣብቲ ሰባት ሓዲጎምኻ ዝኸዱሉ ግዜ ነገራት ክኸብዱኻ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ ንነፍስኻ ገዛእ-ርእሳ ክኢላ ክትነብር ኣላምዳ። ከምቲ ኣደ ዝወለደቶ ውሉድ ዓቕሚ ሰብ ምስ በጽሐ፡ ናይ ውልቁ ህይወት ንምምራሕ ሓዲጉዋ ካልእ ህይወት ዝጅምር፤ እቶም እተለማመድካዮም ሰባት እውን ሓደ መዓልቲ ነናብ ዝጥዕሞም ካባኻ ከምዝርሕቁ ኩሉ ግዜ ዘክር። ከመዮ ደቂ ዓድና "ሰውራስ ያላሊ እምበር ኣየማኑን እዩ" ዝብልዎ፡ ህልውና ሰባት እውን ዘላቒ ኣይኮነን። ምስ ሰባት ሓበራዊ ምንባር ይሃልኻ፤ ግን ጽጋዕተኛ ናይ ሰብ ኣይትኹን! ምኻዶም ናፍቖት እምበር፡ ሕማም ወይ ኣብ ህይወትካ ጠበሳ ዝገድፍ ክኸውን የብሉን!

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Monday 24 August 2026 16:34:06 GMT
16876
760
21
83

Music

Download

Comments

userwin088
wedi keren :
ya
2026-09-17 19:57:31
0
yosanhaftom
yosi :
Nay bhaki🥰🥰🥰🥰🥰
2026-09-03 08:52:50
0
botin1433
botin rusua :
nauis good 🥰🥰🥰🥰
2026-08-24 22:26:26
1
filawi69
filawi :
ja every day 1 enjoy life and happy
2026-08-26 00:02:04
0
danielkidane309
Hawi asmu :
2026-09-17 21:16:09
0
abrsha231
abrshe 🤩19 :
Nay bhaki Good
2026-09-04 07:58:02
0
saeed23146
Saeed :
ትኽክል እዩ ግን እቲ ዝድለ ክሳብ ዘሎ ምሳኻ ኣኽብሮ ንዘልኣለም ዝጸንሕ ሓደ ፈጣሪ ጥራይ ኢዩ
2026-08-24 23:32:57
1
abdurubli
gari fila lawka :
realy
2026-09-03 07:03:38
0
it.is.mi6
it is mi :
2026-09-13 21:25:06
1
user7506227161032
ጃቡ :
2026-09-11 18:56:40
1
qendiel77
ኣድማስ :
ya
2026-08-25 08:37:31
1
tesfalemtewelde34
alem xewar :
tkkl nay bhaqi 🥰🥰🥰🥰
2026-09-01 16:51:28
0
sami.aberhely
ወዲ ተርቤኖስ :
2026-09-07 22:14:20
0
......2189
Ĥãfťĩ Řôvi❤✝️📚 :
ያ።
2026-08-26 10:55:21
0
fqr742
btesfa a znebr💝💝💞💞💞 :
ya
2026-09-01 07:39:48
0
daniwedi09
ወዲ Emba🇧🇪 :
ya❤❤❤
2026-08-27 20:27:07
0
fire.gebrekidan
fire gebrekidan :
🥰🥰🥰
2026-08-24 18:48:29
1
user7506227161032
ጃቡ :
🙏🙏🙏
2026-09-11 18:54:41
1
adunaweldezgihowa
adunaweldezgihowareyou :
🥰
2026-09-09 12:24:21
0
user34485566188003
user34485566188003 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-08-30 14:50:37
0
hayle6402
hayle :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-18 13:06:49
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About