@r1651371: .......... ዝተራኸብናሉ ከምዛ ሎሚ ዕለት ቅድሚ 2 ዓመት ቅዱስ ሚካኤል መዓልቲ እዩ::ጽላል ዘርጊሕና ንልብሲ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓገዝ ዝኸዉን ገንዘብ እንዳ ለመንና እንከለና:ሓደ ቆማት ጨሓም ግርማ መጎስ ዝዓደሎ ምልኩዕ ወዲ ናባና ክመጽእ ብማዕዶ ረኣኹ::ካብ ቁልነተይ ጭሕሚ ስለ ዝፈቱ ፈለማ ዝረኣኽዎ ጭሕሙ እዩ::ብህድእ ዝበለ ኣሳጉማ ናባና ብምቕራብ ድማ ኣብ ጥቓና ምስ በጽሐ ጁብኡ ክፍትሽ ጀመረ:: ልብሲ ክትገዝኡ ደሊኹም? በለኒ ፍሽኽ እናበለ ፍሽኽ ክብል እንከሎ ድማ ጽባቐኡ መልሱ ይጎልሕ ነበረ:: ኣነ ድማ እወ በልክዎ ፍሽኽ እናበልኩ ዋላ እኳ ሓንቲ ፍጮ እንተላትኒ ከም ህያብ ጽባቐ ስለ ዝሪኣ ኣይሓፍርን እየ::.... ክሳብ ሕጂ ግን እቲ መንእሰይ ካብ ጅቡኡ ገንዘብ ኣየውጸአን ኣብ ጎነይ ኮይኑ ግን ኩለን ጁብኡ ድሕሪ ምፍታሽ: ይቕሬታ ኣብ ገንዘብ ረሲዐ እየ መጺአ ሞባይለይ ድማ ቻርጅ ወዲኣ ስለዚ ቁጽሪ ተለፎንኪ ሃብኒ ገዛ ምስ ኣተኹ ክሰደልኪ እየ ንስኺ ድማ ሓደራይ ተብጽሕለይ በለኒ:: ናይ ትምህርቲ ሰንበት ኣካዉንት እኮ ምሃብክዎ ግን ስለዘይፈለጥክዎ እየ::ሕራይ ኢለ ድማ ቁጽሪ ቴለፎነይ ሃብክዎ ናቱ እዉን ተቐበልኩ::ድሕሪ ሰዓታት ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝሰደዶ 5000 ከም ዘብጻሕኩሉ ክነግሮ ዝደወልኩ ኣነ እየ::ቁሩብ ድሕሪ ምዕላልና ናብቲ ሰንበት ዝነበረና መደብ ክሳተፍ ዓደምክዎ ክመጽእ ምኳኑ ምስ ሓበረኒ ቴለፎንና ዓጸና:: ምኽንያቱ ብዘይፈልጦ ቴሌፎኑ መዝጊበ ኣብቲ ናቱ ቴሌግራም ኣትየ ስእልታቱ ክገላብጥ ሓደርኩ::ኣብታ ምሸት ዝጀመረ ምርቅርራብና ብዝበለጸ እናዓበየ ይኸይድ ነበረ::ኣብ ዉሽጢ ኣዋርሕ ድማ ፍቅራዊ ጉዕዞ ጀመርና..... ብዛዕባይ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝፈልጥ::ብዛዕብኡ ድማ ዘይነገረኒ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን ኩሉንትናኡ ገላሊጹ እዩ ነጊሩኒ::ግን ሓደ ነገር ጥራይ ሓቢአዮ ድንግል ከምዘይ ኮንኩ ኣይነገርክዎን!!ንምንታይ ኣይትብሉንን ትኾኑ???? እቲ ከማኺ ዓይነት ንጽህቲ ጓል ሄዋን ጻዕዳ ልባን ንጹህ ነብሳን ፈጣሪኣ እትፈርሕ ስድራቤታ እተኽብር ጓል መናብርቲ ክረክብ ወትሩ ምስ ተመነኹ እየ ዝብል ቃል እዩ ኣሲሩኒ:እንታይ ደኣ ቅድሚ ትምህርቲ ሰንበት ምኳነይ ኣብ ሲኦል እየ ኔረ ዕዋላ ዘዋር ሕማቕ ሰብ እየ ኔረ ድንግል ኣይኮንኩን ኢለ ከመይ ኢለ ክነግሮ?????እቲ ኣበር ኣልቦ ኣፍቃርየይ እንተገደፈኒ ኸ??? ዕዋላ ኣመንዝራ እያ ኔራ ተባሂሉ ክዉረየለይ? ናይ ዉሽጠይ ኣብ ዉሽጠይ ዓቑረ እናተሸቁረርኩ ኣብ 2 ዓመት ሌላና ንዝያዳ ዓመትን መንፈቕን ብ ፍቕሪ ምስ ተጎዓዝና ንመርዖ ዝብል ሕቶ ኣቕረበለይ::እሞ ድማ መርዓና ብስርዓተ ተኽሊል እዩ ዝብል ዉሳኔኡ ልዕሊ እቲ ክጻወሮ ዝኽእል ዓቕለይ ኣጽበበለይ ግን ሕራይ ደኣ በልክዎ ምኽንያቱ ክኽሰር ዘይብሉ ወዲ ስለዝኾነ::ዕለተ መርዓና እናቐረበ ምስ ከደ ሓደ መዓልቲ ምስ ኣባት ነብስና ክንዘራረብ ደልየ ኣለኹ ኢለ ሒዘዮ ናብ ቤተክርስትያን ከድኩ ኣብቲ ቀጽሪ ኮፍ ኢልና እንከለና ድንግርግር ብዝበለ ስምዒት ይጥምተኒ ነበረ ምኽንያቱ ምሉእ ለይቲ ክበኪ ሓዲረ ሽዑ እዉን ቀላያት የዒንተይ ንብዓት መሊኡ እዩ ዝነበረ:: እንታይ ኢኺ ኮንኪ በጃኺ እባ ንገርኒ ልዕሊ. ዓቐን. እኮ ኣሻቕልክኒ በለኒ? በቃ ድንግል ኣይኮንኩን ኢለ እቲ ዓፊነዮ ዝነበርኩ ምስጢረይ ምስ ንብዓተይ ብሓንሳብ ፈነኽዎ!!ዘዋር እየ ኔረ ጥፍእቲ እየ ኔረ ድሕርዚ እየ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተመሊሰ ኣገልጋሊት ኮይነ ኣነ ሓጥያተኛ እየ ግን ሓስየ ኣኽሊሉ ኣይደፍእን ካብ እግዚኣብሄር ኣይትበልጽን በቃ ስለዝሓሰኹኻ ይቕረ ግበረለይ ክኸስረካ ፍጹም ኣይደልን እንተደኣ ጸሊእኻንን ተቐይምኻንን ግን ግን ግደፈኒ ኢለ መልሱ ከይሰማዕኩ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ብጉያ ብምዉጻእ ገዛይ ከይደ ኣብ ዓራተይ ኮይነ ብብኽያት ክንኽነኽ ጀመርኩ:: ይቕረ ዕለልኪ እየ ኩሉ ሓዲገልኪ እየ በዚ ዘጋጠመ ዝልወጥ ነገር የለን ክምርዓወኪ እየ ዝብለኒ መሲሉኒ ኔሩ ክድዉለለይ ይጽበ ኔረ ግን ፈጺሙ ኣይደወለን ብዘይ ዝኾነ ነገር እታ ለይቲ ብኾፈይ ምስ ንብዓት የዒንተይ ክቃለስ ደኣ ኣሕለፍክዋ::ወጋሕታ መሬት የዐርዩ ከይበርሀ ግን ማዕጾ ገዛይ ተኳሕኩሐ ጉያ ሓዊሰ ከይደ ከፈትክዎ ኣብ ፊተይ ደው ኢሉ ዝጸንሓኒ ድማ ቢኒ ኣፍቃርየይ እዩ ኔሩ ጌና ክልቴና ቃል ከየምሎቕና እንከለና ኣብ ሑቕፉ ተጠምቲመ ይቕረ ግበረለይ ኢለ ተነኽነኽኩ:: የፍቅረኪ እየ ኣይተቐየምኩኽን ነዓኺ ክምርዖ እየ ዝደሊ ኣብ ሑቅፉ ተሸጉጠ ድማ ነቲ ናይ ሓዘን ዝነበረ ንብዓተይ ናብ ናይ ሓጎስ ቀይረ ካብ ሑቅፉ ምልቃቕ ኣበኹ:: ኣብ መዓልቲ መርዓና ከይትተርፉ በዚ ኣጋጣሚ ይዕድመኩም ኣለኹ:: ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ⛪ ንዘልኣለም ትንበር 🙏
🤔🤔COንFUዝED🤔🤔
Region: KE
Monday 24 August 2026 17:06:11 GMT
Music
Download
Comments
sol :
betam yemiyamr new mechreshachu yasamrlachu
2026-08-29 02:54:46
0
SELE :
wa address ba mo
2026-08-24 18:47:17
17
ኮኾበ ንሒሳ(ሓው ዘሪጋ) :
ብጣዕሚ መሃሪት ዛንታ፣ ኣዝያ መሲጣትኒ፤
ርሑስ ጋማ ቃል ኪዳን ኣብረሃም ወሳራ ይግበረልኩም ።
2026-08-25 09:41:44
21
melat12 :
ብጣዕሚ ትገርም ዛንታ መርዓ ኣብርሃም ሳራ ይግበረልኩም
2026-08-25 15:19:58
5
DaNi :
congratulations 🥰🥰🥰🥰
2026-08-25 11:04:42
2
love is free :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰 enqae des bleki Happy wedding
2026-08-25 06:17:24
1
Danu :
congra🙏🙏🙏🙏🙏
2026-08-24 22:01:51
2
ኣሩ ፈታዊት ዓባያ 🤱 :
wawww kemzi geru zrdalki bteami eyu zefqreki hadarkum ybarek haftey nty
2026-08-27 16:20:38
0
ሰምዓ ኮነ መልኣክ :
🙏 ኣብ ቤቱ የፅንዕኺ 👏
2026-08-29 01:25:17
0
𝑘~እንደርታዊት🇲🇨💊፪፫☦️ :
ግን ግልፅነት ኣቀድማ ኣሕዋተይ ልብክን ከይትግዳኣ ዳሓር😌🙏ርሑስ ጋማ መርዓ አብርሃም ሰራ ይግበረለኩም😘😘😘😘😘
2026-08-25 20:24:22
2
M)ነኝ የእናቴ😭ናፋቂ😭 :
ርሑስ ጋማ ቃል ኪዳን ኣብረሃም ወሳራ ይግበረልኩም ።
2026-08-27 22:02:06
0
mflay zeykalelu :
🥰🥰🥰Amlak hadarkum ybarkelkum, mehari zkon hiwet🥰
2026-08-25 01:45:08
2
ቁሱ ፍቅር :
ርሑስ ጋማ ይግበረልኩም🙏🥰
2026-08-27 06:05:14
0
🌿𝙝𝙖𝙢𝙚𝙧𝙚𝙮🌿፳፩🍎💫🍎 :
እመ ብርሃን ምስ ልዑል ወዳ ኣማኑኤል ምሳኩም ትኩን ፍቅርኩም ይባርክ ቃል ኪዳን ኣብርሃም ሳራ ይግበርልኩም ዝሓፍተይ ናተይ🙏🙏🙏ግን መኣስ እዩ መርዓኩምpelaes🙏🙏
2026-08-25 21:12:24
3
tik Tok :
ብጣዕሚ መሃሪትን መሳጢትን ዛንታ እያ ብዝኮነ መርዓ ኣብርሃምን ሳራን ይግበረልኩም ኣሕዋተይ 💕🙏🙏🙏🥰🥰
2026-08-27 07:41:05
0
ሪኮባ ኢዮብ 💇 :
congra ❤️
2026-08-24 23:35:16
0
Abi :
congests
2026-08-26 13:35:21
0
Melu 👸🍫 :
ርሕስ ጋማ ይኽነልኩም ሓዳርኩም ይባረኽ🙏
2026-08-26 11:12:33
0
@neba g :
wow መሳጢ ታሪክ መባልይቲ ይግበርኩም 🙏
2026-08-26 20:23:26
0
የድንግል ማርያም ልጅ ነኝ ❤⛪ :
ሩሕሰ ጋማ ይግበረልኩም💞💞💞🥰
2026-08-26 23:50:46
0
mahi ❤❤❤ :
cangra fkrkum ybzah
2026-08-26 21:06:59
0
Hlfi🦋💜👸 :
ርሕስ ጋማ ይኽነልኩም ሓዳርኩም ይባረኽ🙏
2026-08-26 21:09:21
0
ሜሪ :
ብጣዕሚ መሃሪትን መሳጢትን ዛንታ እያ ብዝኮነ መርዓ ኣብርሃምን ሳራን ይግበረልኩም ኣሕዋተይ 💕💕💕💕
2026-08-27 06:26:54
0
To see more videos from user @r1651371, please go to the Tikwm
homepage.