@filialone: ​ትብጻሕ ናብታ ናይ መጻኢት ሰበይተይ .!! ​ናይ መወዳእታ ምርጫይ ክትኮኒ ቅድሚ ምሕታተይ ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ፡ ብርሃን መጻኢኺ ዘጸልምት ካልእ ምኽንያት ከም ዘይኮነኪ ክትፈልጢ እደሊ..!! ህይወት ኣብ ቅድሜኺ እኹል ቃልስን ፡ ትዕግስትኺ ዝፈታትን ብድሆታትን ከተጽንሓልኪ ትኽእል ትኸውን ፣ ከምኡ ውን ምርጫታትኪ ብምንፋግ ፡ ብኹሉ እትዓይዮ ዕዮታትን ፡ እትረኽብዮ ርኽበይታትን ንኸይትዓግቢ መታን ፡ እኹል ከም ዘይኮነ ንክስመዓኪ ክትገብር ትኽእል እያ..!! " ኣነ ድማ ኣብ ከምዚ ህሞት ፡ ንጾርኪ ዘካብድ ዘይኮነስ ፡ ኣቃሊለን ኣገናዚበን ዝፈትሕ ሰብኪ ክኸውን እየ..!! " ልኡምነት ርህራሂኡ ልኢኹ ፡ ሓሳባት ብምፍጣር ፡ ዘህድእ ሰብኪ ክኸውን እየ..!! " ናይ ወትሩ ህላወይ ንልብኺ ዝሽብር ዘይኮነስ ፡ ህዱእ ክኸውን ዝገብርን ፡ ሰላምኪ ካብ ምዝራግ ዝከላኸልን ሰብኪ ክኸውን እየ ..!! ​ብድኻም ዝተሰነፈ መንፈስ ዝወረሮ ኣካልን ፡ ዘይተዛረብክዮም ቃላት ዝመልአ ልብን ፡ ዘይነባዕክዮም ንብዓት ዝዓቆረ የዒንትን ፡ ሒዝኪ ናብ ገዛ እንተመጺኺ ፡ ዝኾንክዮ ንምፍላጥ ቅድሚ ምሕታተይ ፡ የእዳውኪ ብምሓዝ ትረጋግእሉ ግዜ ክፈጥረልኪ እየ..!! ካባይ ለውሃትን ርህራሄን ንምርካብ ፡ ትኸፍልዮ ዓስቢ ከም ዘይብልኪ ውን ከዘኻኽረኪ እየ ..!! ኣነ ድሮ ናትኪ እየ ፡ ሕሰም ዓለም ንኸይለግበክን ፡ ውሕስነት ዘለዎ ናብራ ንክህልወክን ፡ ዝጋደል ደጋፊኽን ፡ ማንም ሰብ ዘይተዓዘቦ ጓህን እህህታን ተሰኪምኪ ፣ "ጽቡቕ ኣለኹ " ብዝብሉ ቃላት ንኽትሕብኢ ዘይፈቅድ ቃላት ህዋሳትክን ፡ ትስፍው በዓል ቤትክን እየ ..!! ክልተ ብሓባር ጥራይ ዝነበሩ ሰባት ዘይኮነስ ፡ ክልተ ብሓባር ዝበለዩ ኪዳን ክንከውን ስለ ዝደሊ ፡ ፍቕርን እምነትን ዝመልኦ ሓልዮትን ምድግጋፍና ፡ ወትሩ እንነብሮ ቦታና ክኸውን እዩ ...!! ​ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ህቦብላ ንሓድሕድና ህዱእ መዕቆቢ ክንከውን ስለ ዝደሊ ፡ ጥርጣረታት ቅድሚ ምርድዳእ ፡ ትዕቢት ድማ ቅድሚ ሕድገት ፈጺሞም ዘይብጽሑ መንገድና ክኾኑ እዮም ..!! ፍቕርና ኣብ ፍጹማት መዓልታት ጥራይ ዘይኮነስ ፣ ኣብዘይ ፍጹማት መዓልታት ውን ንሓድሕድና ብምድግጋፍን ብምትሕሓዝ እንከላኸለሉ ውሑስ ቦታና ክኸውን እዩ ..!! ​ሰላምኪ ክኸውን እንተ ኽኢለ ፡ ንስኺ ድማ ናተይ ዕረፍቲ ክትኮኒ እንተኽኢልኪ ፡ ሽዑ ንእግዛብሄር ዝለመናዮ ኩሉ ክህልወና እዩ..!! ​ናይ መጻኢ በዓልቲ ቤተይ ባህጊ ልብኺ ንምምላእ ዘይደኽመልክን ፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ዝከላኸለክን ፡ ብእግዛብሔር ዝተዓድለክዮ በረኸትክን ፡ ዘይትጠዓስሉ ምኽንያት ምስጋናኽን ክኾነኪ እየ ..!! Fili-A² #fyp #foryou #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹 @Bekuredingle @lidya major @Meri ❤️Hafti Dani M.D❤️✝️ @No One🕸🇨🇭 @La_Joven_🦋 @Princess👸__Betty👑 @𝗬🫀 @ጽንብላሊዕ🦋 @ሚku ጓል ፋጨ 🌸 @𝑨𝒅𝒂𝒎𝑻²🎤🎬🎶 @𝐀,𝐆✰🎙️✰♪ @Haኒ Boይ @꧁༒𝐍𝐀𝐓𝐈 _ 𝐀✞︎𒀯

FILI-A² 🔏 📚 ✍️
FILI-A² 🔏 📚 ✍️
Open In TikTok:
Region: ZA
Wednesday 26 August 2026 17:48:32 GMT
3715
252
13
151

Music

Download

Comments

rk327659864323rk1
Azmarino🍷1 :
Aleku Filey🥺🥰🥰🥰🤭
2026-08-26 17:54:43
0
limatla7
ፍቅሪ"ዩ እምነተይ🌹💘🔐 :
ፊሊ ሃወይ🥰😍
2026-08-26 19:14:09
0
chalu675
chalu💞 :
ብድኻም ዝተሰነፈ መንፈስ ዝወረሮ ኣካልን ፡ ዘይተዛረብክዮም ቃላት ዝመልአ ልብን ፡ ዘይነባዕክዮም ንብዓት ዝዓቆረ የዒንትን ፡ ሒዝኪ ናብ ገዛ እንተመጺኺ ፡ ዝኾንክዮ ንምፍላጥ ቅድሚ ምሕታተይ ፡ የእዳውኪ ብምሓዝ ትረጋግእሉ ግዜ ክፈጥረልኪ እየ..!! 🥺🥺🥺
2026-08-26 18:15:46
5
ashegari070
Fani~🫶🏿 🥷🪫😇 :
👍
2026-08-27 23:23:39
0
bekuredingle
Bekuredingle :
🥰🥰🥰
2026-08-26 18:56:52
0
diana.tsehaye
Dinu The United ❤️ :
🥰🥰🥰
2026-08-26 20:46:25
0
nateynaybeyny
ናተይአንተኢሉዎናበይከብልኢሉ❤️🇪🇷🎼💃🏿 :
🥰🥰🥰
2026-08-26 20:00:22
0
smileone73
smile :
🥰🥰
2026-08-26 19:38:58
0
meseret.habte2
🫵🏻R*e*a*l*i*t*y*🫰🏻➡️🎶 :
👑👑👑🥰
2026-08-26 21:28:34
0
yordanos.yemane0
Jesus is Lord :
🥺🥺🥺
2026-08-26 18:22:06
0
betelihemdemozgulidc1
betina guli Dc da 17 :
❤️❤️❤️
2026-08-28 00:27:12
0
To see more videos from user @filialone, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About