@charitey_: ʙᴇʀᴇᴋᴇᴛ_ᴀʀᴀʏᴀ_ᴀᴋᴀʟ 😩🎶🎧 ፍጹም ባዕሉ ዘይተዛረበን፣ ብካልኦት ድማ ብዙሕ ክዝረበሉ ዘይስማዕ፤ ግን ብስርሑን ጥበቡን መመሊሱ እንዳሓደረ ዝደምቕ፣ መላእ ህዋሳቱ ንጥበብ ዝተፈጥረ ዓቢ ሰነጥበባዊ። እቲ ሕቡእ ወርቂ ብሶላ ባህሊ ብርጌድ 80፣ ብድሕሪኡ ድማ ኮኾብ ጉጅለ ባህሊ ክፍለ-ሰራዊት 52 ዝነበረ፣ ወናም ባህር ድምጻዊን ተጋዳላይን "በረኸት ኣርኣያ"። እዛ ጽሕፍቲ ክጽሕፍ ዝገደደኒ እንተ'ሎ። መዛሙርን ደርፍታትን ናይ በረኸት ብERITV ይኹን ኣብ RADIO ZARA ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ክቃላሕን መመሊሱ ክስማዕ እንከሎ..... እዋእ.... ሓንቲ መዓልቲ ግዲ ባዕሉ ይዛረብ፣ ወይ ድማ ሓደ ንፉዕ ጸሓፊ እንትዝርከብ'ሞ ከይጎደለ ከይሸርመመ ታሪኹ ናብ ህዝቢ የቕርብ ይኸውን ክብል ግን ወይከ ድሃዩ ሽታ ማይ ካብ ዝኮነና ዓመታት ሓሊፉ... ጌና ብሕጂ'ውን ከምኡ። ብዝኮነ ሕጂ ግን እቲ ሕቶ ንዓይ'ውን ሕቶ ስለ ዝኾነ፣ ብዓቕመይ ገለ ክብል ብዛዕባ እዚ ሰነጥበባዊ። መሰረታዊ ድሕረ ባትኡን ከምኡ'ውን ኣተዓባቢኡን፣ ብሓፈሻ ቅርጺ ናይ ስድራቤቱን ኣሕዋቱን ብዝምልከት ንካልእ መዓልቲ ብስፍሕ ዝብለ መልክዕ ክግለጾ ምኳነይ እንዳነገርኩ፣ ንሎሚ ዝከውን ግን.... እንሀልኹም። በረኸት ንጥበብ እዩ ተፈጢሩ፣ ንወዲ ሰብ ሓንቲ ወይ ክልተ ፍሉይ ክእለት እንተሪኢኻሉ፣ ከም ሰብ መጠን ክትግረም ንቡር እዩ። ኣብ በረኸት ግን እቲ ነገር ካብዚ ዝሓልፈ እዩ። ኣብኡ ዘይነበረ ክእለት ዳርጋ ኣይነበረን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ዝወደቐ ወይ ዝተጓሓፈ ሓጺን ጥራይ ይርከብ እንበር፣ ካብኡ ተበጊሱ ዝኮነ ነገር ክፈጥር ዘኽእል ምሉእ ናይ ቴክኒኽ ክእለት ዝነበሮ ሰብ'ዩ። በረኸት ሙዚቀኛ ጥራይ ኣይነበረን፤ ኣብ ብዙሕ መዳያት ጥበብ ዝተዘርግሐ ክእለትን ዓቅሚ'ውን ኔርዎ'ዩ። ከም ኣብነት ክንጠቅስ እንተኮይና... ኣብ ኣህዱኡ ከሎ ብድሕሪ መስመር ጸላኢ ክንቀሳቐስ እንከሎ... እታ እንኮ ኣረጊት ጀኒነተር ናይ ብርጌዶም ሳላ በረኸት ጠጠው ኢላቶም ኣይትፈልጥን'ያ። ምዓስ እዚ ጥራይ! መደብ ኣብ ዝህሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ምርኢት ማለት ኣብ መድረኽ (stage) ዝርአ ዝነበረ ጉሩም ፍስሃ ዝዓሰሎ ሃገርገር ዝብል ኣደራሽ እስቴጅ ከምኡ'ውን እቲ ኣብ መድረኽ ዝቐርብ ትሕዝቶታት—ደርፍታት፣ ድራማታትን ዝተፈላለዩ ምስልታትን—ብኢዱ ዘይሓለፈ ስራሓት ዳርጋ የለን ክትብል ትክእል ኢካ። ቅድሚ ምርኢት ምጅማሩ ክኣ ምስ ህዝቢ እናዞረ ነቲ ዝካየድ ምርኢት ክዕዘብ ጸኒሑ ከም ቅጽበት ምርኢት ምስ ጀመረ መጋራጃ ናይ እስቴጅ ክክፈት ከሎ በረኸት እዩ ዝጸንሓካ ምስ ጊታሩ። በረኸት ኣርኣያ ኣብ ሓፈሻዊ ስነጥበብ ዘለዎ ምልከት ኣብ ሓደ መዳይ ጥራይ ዝተኮረ ሰነጥበባዊ ኣይነበረን። ንኣብነት ካብ ግጥምን ዜማን በረኸት ኣርኣያ ገለ ካብቶም ባዕሉ ብግጥምን ዜማን ዘዳለወሎም ስርሓት፦ *******0****** ኣነ......፣ ኣነ ንሃገረይ መግዛእታ ስልቲ ፋሽሽታዊ ተግባራት ኮኒነ፣ ህዝበይ ሓራ ወጺኡ መሰሉ ረኺቡ፣ ሰላም ከይሰፈነ። ትሰዋእ ሂወተይ፣ ኣይደልን ክነብር ከሕልፎ ቀሲነ። *****0***** ካልእ ድማ፦ ኣይረሳዕናዮን፣ ንሕናስ ኣይረሳዕናን፣ ዝሓለፈ ግፍዒ ናይ ህዝብና ትዝ ይብለና። *****0***** ትማል ለይቲ ፍቕረይ፣ ትማል ለይቲ፣ ብዛዕባኺ ክሓስብ ክዝቲ። /ወዲ ለተ/ ****0**** ካብ መዝሙራቱ ድማ...... «ኩሉ ድሕሪ ሃገር»፣ «ባሕርና»፣ «ዑፈይ ብረሪ»፣ «ድነ ናይ መግዛእቲ ሰጊርካ ጸላም ለይቲ»፣ «ዘንጊ ብሩረይ» ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ክጥቀሱ ይከኣል። ብፍላይ እታ ብመልክዕ ካሴት ብ1993፣ ድሕሪ ናጽነት፣ ዘውጽኣ ኣልቡም፣ ናይ ገድልን ፍቕራውን ደርፍታት ዘጠቓለለት ኮይና፣ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ድማ ሰፊራ እያ። ጥበብ በረኸት ኣብ ሙዚቃ ጥራይ ኣይተደረተን ካብ መሳርሒታት ሙዚቃ ዝመልኮም...ክራር፣ ኦርጋን፣ ጊታር ይጻወት። ከምኡ'ውን ውዱእ ሰኣላይን ቀባኣይን'ዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ካብቶም ብዙሓት ሓደ ካብቶም ሕቡእ ኮኾብ ናይ ኮኾብቲ መን ኢልካ እንተሓቲትካ? ብፍጹም ክርሳዕ ዘይክእል ዓሸራ ዘንበረ በረኸት ኣርኣያ'ዩ። በረኸት ንጥበብ ዝተዓደለ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብጥበቡ ንኻልኦት ዝዓርፍ ዘይኮነስ ንዘመናት ዝተርፍ ስራሕ ዝገደፈ እጹብ ድንቂ ሰነጥበባዊ እዩ። ስሙ እንተ ዘይተዘርበ እኳ፣ ስርሑ ግን ይዛረብ እንሆ፤ ደርፍታቱ ይዝከር፤ ጥበቡ ድማ መመሊሱ ይደምቕ። ኣብ ዘለኻዮ ዕድመን ጥዕናን ይምነየልካ ኣያኒ መዓረይ ❤🙏 #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #habeshatiktok #eritreantiktok #creatorsearchinsights #fyp

❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️
❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️
Open In TikTok:
Region: UG
Saturday 29 August 2026 18:00:19 GMT
6773
742
17
111

Music

Download

Comments

.yohannes39
Yohannes 🇪🇷 :
💗Entay kiwexo ,You described him well ..I wish him to have a long life expectancy and full health 💗
2026-08-30 13:57:13
1
flexedits7
✪𝐅𝐋𝐄𝐗✪ :
ʙᴇʏᴀ🔥🎩✌️
2026-08-29 18:40:27
3
nentawi1
ኔንታዊ hgawi.. :
legend🔥👌
2026-08-30 09:51:24
0
eri07kazawi17
ኣነን ኣስመራን🇪🇷🌹♥️ :
🥰🥰
2026-08-30 22:34:45
0
charitey_
❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️ :
ብኢድ በረከት ዝተዳለወት ስራሕ ✍️
2026-08-29 18:02:43
7
aleku9
ክንበጽሕ ኢና። :
ኣብ ዩቱብ ግን ሲኢነያ
2026-08-30 07:15:27
0
tezeztapes
𝐩a𝓝a𝐃𝕆Ļ 🦅 ᵀᵉᶻᵉᶻ ᵗᵃᵖᵉˢ :
ኣብዚ ሎ ጥበብ 😌🎶🫂
2026-08-29 19:27:19
4
am.learned
ባንከር ጀንትራ ናይ ቀደም ደርፍታት {●○}☆ :
2026-08-29 19:23:33
2
eritreanart4
Quada Quadinoy🫡 :
ቻሩ እዚ ትገብሮ ዘለኻ ዓቢ ነገር ዩ ስኻ ዉን ምስጋና ይግበኣካ brother ቀጽሎ👏👏👏
2026-08-30 21:39:04
0
eri_legends
ሙዚቃ_ኣድማሳዊ_ቋንቋ🎶 🎸🎹🎷🎤 :
❤🎶🫶🏽
2026-08-29 19:55:15
2
onlymusic2035
𝄞☕︎꧁𝕴'𝖒 𝖋𝖎𝖓𝖊꧂🔥🎧 :
🎶🎼✨
2026-08-29 22:32:10
2
fgra365
𝔣𝑔𝓇𝒶←_←🎭🎤 :
🎼🙌
2026-08-29 20:42:18
1
m___7__2
☦︎︎ 𝓡𝓪𝓼𝓱𝓲 𖤐 :
🎶❤️
2026-08-29 18:13:35
2
humanit173
✨ :
🥰😍
2026-08-29 18:43:57
1
user6551456873435
አርርርርርርር ወዲ ከረን :
🥰🥰🥰🥰
2026-08-30 07:04:59
0
ousman.eibrahim
Ousman Eibrahim :
🥰🥰🥰
2026-08-30 20:06:27
0
To see more videos from user @charitey_, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About