@_mlleceline: 💅🏽✨ LE dissolvant qui change tout ! @Unaod Fini les cotons imbibés et l’odeur ultra-forte… J’ai testé le dissolvant solide UNAOD et je suis conquise 🤍 Pratique, compact et super facile à utiliser, il permet de retirer son vernis tout en étant beaucoup plus agréable à intégrer dans sa routine beauté. Une vraie petite découverte que je devais vous partager 🫶🏻 ✨ Vous connaissiez le dissolvant solide ? #unaod #dissolvantsolide #routine #nailstutorial

Céline | Beauty & Travel
Céline | Beauty & Travel
Open In TikTok:
Region: FR
Wednesday 02 September 2026 08:32:50 GMT
254
13
0
0

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @_mlleceline, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኩለን መዓልታትና ብምኽንያት እተነድቃ እየን። ምናልባት ኣረኣእያና ይፈላለ ይኸውን—እንተኾነ ኣዒንትና ከፊትና ክንርኢ እንተደሊና፡ ደው ኢልና ክንከይድ ምኽኣልና እኳ ናይ ምንባርና ዓቢ ምኽንያት እዩ። ምናልባት እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምውጋሕ ከም ዓቢ ፍጻመ ዘይትሕስቦ ትኸውን፤ እንተኾነ ኣብ ህይወትካ ካልእ ሓዳስ መዓልቲ ምውሳኽ እቲ ዝዓበየ ናይ ፈጣሪ ህያብ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ጥዒኻን ብህይወት ምህላውካን ጥራይ ንምምስጋን እኹል ምኽንያት እዩ! ገለ-ገለ ሰባት
ኩለን መዓልታትና ብምኽንያት እተነድቃ እየን። ምናልባት ኣረኣእያና ይፈላለ ይኸውን—እንተኾነ ኣዒንትና ከፊትና ክንርኢ እንተደሊና፡ ደው ኢልና ክንከይድ ምኽኣልና እኳ ናይ ምንባርና ዓቢ ምኽንያት እዩ። ምናልባት እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምውጋሕ ከም ዓቢ ፍጻመ ዘይትሕስቦ ትኸውን፤ እንተኾነ ኣብ ህይወትካ ካልእ ሓዳስ መዓልቲ ምውሳኽ እቲ ዝዓበየ ናይ ፈጣሪ ህያብ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ጥዒኻን ብህይወት ምህላውካን ጥራይ ንምምስጋን እኹል ምኽንያት እዩ! ገለ-ገለ ሰባት "ምስጋና" ከም ናይ ድኽመት ወይ ስንፍና ጌሮም ዝርእይዎ ኣለዉ፦ ብዘለዎም ናይ መንብሮ ሕጽረት ወይ ክበጽሕዎ ዝግብኦም ኣብቲ ዝደለይዎ ዘይምብጻሖም ከም ዓቢ እርግማን ብምውሳድ፡ ምስ ነብሶም ክበኣሱን ከማርሩን ይስምዑ። ገለ እውን ኩሉ ምክንዋን ብገዛእ ኢዶም ስለዘምጽእዎ፡ ከመስግንዎ ዝግብኦም ኣካል ዘሎ ኮይኑ ዘይስምዖም ኣለዉ። ሰማይን ምድርን በበይኖም ስለዝኾኑ ሕብርታትና ምፍልላዩ ኣገራሚ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ—እንተኾነ ናይ ዕለት ስራሕ ዝሃበካ ወሃቢ ስራሕ ካብ ኣመስገንካዮ፡ ነቲ ብህይወት ክትነብር ዕድል ዝሃበካ ምምስጋን ከመይ ይኸብደካ፧ ርኢኻ ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ምስትውዓል ዘድልዮ! "ባዕለይ ይኽእል'የ" ኢልካ ህይወትካ ካብ ጽጋዕተኛነት ከተውጽኣ ምፍትናካ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ። እንተኾነ ንኹሉ ዘዝግብኦ ምሃብን ንኹሉ በብሸነኹ ምርኣይን ልቦና እምበር ስንፍና ከምዘይኮነ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ! ጥዒኻ ብሰላም ምንባር ክሳዕ ክንደይ ጥዑምን ኣገዳሲ ምዃኑን ትርጉሙ ዝበርሃልካ፦ ጥዕና ስኢኑ ኣብ ዓራት እናተሳሕገ፡ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ኮይኑ ዝሳቐ ሰብ ምስ ረኣኻ እዩ። ዓራት ንኹሉ እዩ ዝጸውር—ንሕሙም ንጥዑይ፡ ንሃብታም ንድኻ፡ ንዓቢ ንንእሽቶ፡ ንጎይታ ንጊላ፡ ንሰብኣይ ንሰበይቲ፡ ንንጉስ ንጳጳስ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ እዩ ዝስከም። እቲ ዝገርም፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ሰብ እውን ኣብ ዓራት ዘኽትም ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ከኣ እዩ ዕሽነቱን ልቦናኡን ከመይ ከም ዝነበረ ዘስተንትን። ኣብዚኣ ከኣ እያ እታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ጣዕሳን ኩርዓትን ኣብታ ዓራት ከሎ እትህቦ። እንተኾነ እቲ ክኸውን ዝነበሮ፡ ቅድሚ ኣብ ዓራት ምውዳቕካ ዝበሃልን ዘይበሃልን ምልላይ፡ ዝተገብረልካ ድማ ቀዲሙ ምዝካር እዩ ነይርዎ። ኣማራጺ ስኢንካ ትብሎ ኩሉ ክብሎ ዝኽእል ስለዝኾነ ናእዳ ኣይትረኽበሉን ኢኻ—ናእዳ ዝርከብ ኣብቲ ንስኻ ትውንኖ ግዜን ሓይልን ከሎ እትብሎ እዩ! መንእሰይ ኮንካ ሓይሊ ደፋፊኡካ፡ በዓል ጸጋ ኮንካ ገንዘብ ኣትሪሩካ፡ ርእስኻ መሊኡ ፍልጠት ኣደናጊሩካ ሸተት ክትብል ትኽእል ኢኻ። ወዳ ንሄዋን ስለዝኾንካ ሸተት ምባል ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብቲ ሸተት ዝበልካዮ ኣብኡ ገዛ ምስራሕ ግን፡ ሽዑ እዩ ጥዕና ዝርሕቕ እሞ ብእዋኑ ግቡእ ክንክን ንነብስኻ ክትገብር ኣድላይ እዩ! "ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ" ከም ዝበሃል፡ እቲ ቅኑዕ ግዜ ሎሚ፡ ካብ ሎሚ ከኣ ሕጂ እዩ እሞ—ካብታ ምልባም ዝጀመርካላ ህሞት እተገብረልካ ኣይትረስዕ። "ኣመስገንቲ እምበር ኣጒሮምረምቲ ኣይትኹኑ" ከም ዝበሃል—ኣመስግን! ኣብ ምስጋና በረኸት፡ ሓጎስን ምርግጋእን ኣሎ!

About